ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር
ውዕዉዕ ስምዒት ተመሓላላፊ እዩ። ከመይሲ፡ ኣቓልቦ ሰማዕትና ኺስሕብ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ መልእኽትና ኽቡር ምዃኑ የርኢ። ባህልና ወይ ባህርይና ብዘየገድስ፡ ውዕዉዕ ስምዒት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:11) ብኸመይ፧
ቀዳማይ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ መልእኽቲ ሕሰብ። ‘ሰናይ ብስራት’ ናይ ምብሳር ፍሉይ መሰል ኢኻ ረኺብካ። (ሮሜ 10:15) ካልኣይ፡ እቲ ብስራት ኣብ ሰማዕትኻ ብዛዕባ ዜሕድሮ ጽቡቕ ጽልዋ ኣስተንትን። ነቲ እትብሎ ብሓቂ ኺሰምዕዎ ኣለዎም። (ሮሜ 10:13, 14) ሳልሳይ፡ ብቕንኣትን ብባህርያዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ካብ ልቢ ብዝነቐለ ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጽን ተዛረብ።
ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኒታ ንጄድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓላ ኸላ ዝነበራ ውዕዉዕ ስምዒት ዝጠፍአ ብኸመይ እዩ፧
ኒታ ነቲ ዝነበራ ውዕዉዕ ስምዒት እንደገና ኼተጓሃህሮ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧
ውዕዉዕ ስምዒት ተመሓላላፊ እዩ
ኣብ ኣወንታዊ ባህርያት ሰማዕትና ኸነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ውዕዉዕ ስምዒት ኣብ ተማህሮ መጽሓፍ ቅዱስናን ኣብ ካልኦትን እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧