ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ግንቦት ገጽ 11
  • ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ውዕዉዕ ኣዘራርባ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ልቢ ብምትንካይ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ግንቦት ገጽ 11
ሓደ ሓው ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ፍሽኽ እናበለን ኣካላዊ ምንቅስቃስ እናተጠቕመን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር

ውዕዉዕ ስምዒት ተመሓላላፊ እዩ። ከመይሲ፡ ኣቓልቦ ሰማዕትና ኺስሕብ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ መልእኽትና ኽቡር ምዃኑ የርኢ። ባህልና ወይ ባህርይና ብዘየገድስ፡ ውዕዉዕ ስምዒት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:11) ብኸመይ፧

ቀዳማይ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ መልእኽቲ ሕሰብ። ‘ሰናይ ብስራት’ ናይ ምብሳር ፍሉይ መሰል ኢኻ ረኺብካ። (ሮሜ 10:15) ካልኣይ፡ እቲ ብስራት ኣብ ሰማዕትኻ ብዛዕባ ዜሕድሮ ጽቡቕ ጽልዋ ኣስተንትን። ነቲ እትብሎ ብሓቂ ኺሰምዕዎ ኣለዎም። (ሮሜ 10:13, 14) ሳልሳይ፡ ብቕንኣትን ብባህርያዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ካብ ልቢ ብዝነቐለ ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጽን ተዛረብ።

ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰረዘቶ ኒታ ተስፋ ትቈርጽ።

    ኒታ ንጄድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓላ ኸላ ዝነበራ ውዕዉዕ ስምዒት ዝጠፍአ ብኸመይ እዩ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከላ ዝሰልከያ ትመስል።

    ኒታ ነቲ ዝነበራ ውዕዉዕ ስምዒት እንደገና ኼተጓሃህሮ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብውዕዉዕ ስምዒት ብምምሃር’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድን ኒታን ድሕሪ መጽናዕቲ ብውዕዉዕ ስምዒት የዕልላ።

    ውዕዉዕ ስምዒት ተመሓላላፊ እዩ

    ኣብ ኣወንታዊ ባህርያት ሰማዕትና ኸነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ውዕዉዕ ስምዒት ኣብ ተማህሮ መጽሓፍ ቅዱስናን ኣብ ካልኦትን እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ