ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 መጋቢት ገጽ 7
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልቢ ብምትንካይ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 መጋቢት ገጽ 7
ኣብ ደው መበሊ ባቡር፡ ምስክርነት ዓረብያ ዚህቡ ሰብ ሓዳር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሓደ ሰብኣይ ትራክት ይህብዎ።

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ሕቶታት ሕተት

የሆዋ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኣብ ኣገልግሎት ክንሕጐስ ይደልየና እዩ። (1ጢሞ 1:11) ክእለትና ኸነመሓይሽ ክንጽዕር ከለና፡ ሓጐስና ይውስኽ እዩ። ሕቶታት ምሕታት ተገዳስነት የለዓዕል፡ ብባህርያዊ መገዲ ዝርርብ ንምጅማር ከኣ ይሕግዝ። ሕቶታት ንሰባት ከም ዚሓስቡን ከም ዜመዛዝኑን ይገብሮም። (ማቴ 22:41-45) ሕቶታት ክንሓትትን ጽን ኢልና ኽንሰምዕን ከለና፡ ብተዘዋዋሪ ነቲ ሰብ፡ ‘ንዓይ ተገድሰኒ ኢኻ’ ንብሎ ኸም ዘለና እዩ ዚቝጸር። (ያእ 1:19) እቲ ዚህቦ መልሲ ኸኣ ንዝርርብና ብዝሓሸ መገዲ ብኸመይ ከነቕርቦ ኸም እንኽእል ይሕግዘና እዩ።

ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ሕቶታት ብምሕታት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ሕቶታት ብምሕታት’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ ኣብ ባቡር ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ተንሲኣ ኾፍ ተብላ።

    ጀድ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ነይርዋ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ሕቶታት ብምሕታት’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ኢዳ ዘርጊሓ ንጀድ ትላለያ።

    ኒታ ንጀድ ከም እትግደሰላ ዜርኢ እንታይ ሕቶታት እያ ተጠቒማ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ሕቶታት ብምሕታት’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ ንኒታ ሕቶኣ ትምልሰላ።

    ኒታ ንጀድ ነቲ ኣብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ተገዳስነት ከተጐሃህረላ፡ እንታይ ሕቶታት እያ ተጠቒማ፧

  • ካብታ ‘ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ሕቶታት ብምሕታት’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ንጀድ ጥቕሲ ተንብበላ እሞ፡ ኣስዒባ ኸኣ ሕቶ ትሓትታ።

    ኒታ ንጀድ ከም እትሓስብን ከም እተመዛዝንን ዚገብር እንታይ ሕቶታት እያ ተጠቒማ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ