ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ሕቶታት ሕተት
የሆዋ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኣብ ኣገልግሎት ክንሕጐስ ይደልየና እዩ። (1ጢሞ 1:11) ክእለትና ኸነመሓይሽ ክንጽዕር ከለና፡ ሓጐስና ይውስኽ እዩ። ሕቶታት ምሕታት ተገዳስነት የለዓዕል፡ ብባህርያዊ መገዲ ዝርርብ ንምጅማር ከኣ ይሕግዝ። ሕቶታት ንሰባት ከም ዚሓስቡን ከም ዜመዛዝኑን ይገብሮም። (ማቴ 22:41-45) ሕቶታት ክንሓትትን ጽን ኢልና ኽንሰምዕን ከለና፡ ብተዘዋዋሪ ነቲ ሰብ፡ ‘ንዓይ ተገድሰኒ ኢኻ’ ንብሎ ኸም ዘለና እዩ ዚቝጸር። (ያእ 1:19) እቲ ዚህቦ መልሲ ኸኣ ንዝርርብና ብዝሓሸ መገዲ ብኸመይ ከነቕርቦ ኸም እንኽእል ይሕግዘና እዩ።
ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ሕቶታት ብምሕታት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ጀድ እንታይ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ነይርዋ፧
ኒታ ንጀድ ከም እትግደሰላ ዜርኢ እንታይ ሕቶታት እያ ተጠቒማ፧
ኒታ ንጀድ ነቲ ኣብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ተገዳስነት ከተጐሃህረላ፡ እንታይ ሕቶታት እያ ተጠቒማ፧
ኒታ ንጀድ ከም እትሓስብን ከም እተመዛዝንን ዚገብር እንታይ ሕቶታት እያ ተጠቒማ፧