ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 መጋቢት ገጽ 15
  • ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓግዞም—ብመንፈሳዊ መዳይ ንርእሶም ኪምግብዋ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ልቢ ብምትንካይ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 መጋቢት ገጽ 15

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም

የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸነገልግሎ እዩ ዚደሊ። (ማቴ 22:37, 38) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ዜድሊ ለውጢ ኺገብሩን ፈተናታት ኪጻወሩን ዜኽእሎም እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ። (1ዮሃ 5:3) ንኺጥመቑ ዚድርኾም ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ።

ተምሃሮኻ፡ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘለዎ ፍቕሪ ኺርእዩ ሓግዞም። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተቶም፦ “እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧” ወይ “እዚ ነገራት እዚ፡ ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧” የሆዋ ንዓታቶም ብብሕቲ ብኸመይ ፍቕሪ ኸም ዜርእዮም ኪግንዘቡ ሓግዞም። (2ዜና 16:9) የሆዋ ነቲ ዜድልየካ ነገር ፈሊኻ ብንጹር ዝጸለኻዮ ጸሎት ብኸመይ ከም ዝመለሶ ኣብነት ሃቦም፣ የሆዋ ንጸሎቶም ብኸመይ ከም ዚምልሶ ኼስተብህሉ ድማ ኣተባብዓዮም። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ፡ ነቲ የሆዋ ዘርኣዮም ፍቕሪ ምላሽ ኪህቡን ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርቱን ምርኣይ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ።

ነታ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • “ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ ብተሌፎን እናሰምዐት ተጨኒቓ ኸም ዘላ ትፍለጥ።

    ጀድ እንታይ ዕንቅፋት እዩ ኣጋጢምዋ፧

  • “ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ምስ ጀድ ትዘራረብ።

    ኒታ ንጀድ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧

  • “ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ተስተንትን።

    ጀድ ነቲ ዕንቅፋት ክትሰግሮ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ