ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም
የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸነገልግሎ እዩ ዚደሊ። (ማቴ 22:37, 38) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ዜድሊ ለውጢ ኺገብሩን ፈተናታት ኪጻወሩን ዜኽእሎም እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ። (1ዮሃ 5:3) ንኺጥመቑ ዚድርኾም ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ።
ተምሃሮኻ፡ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘለዎ ፍቕሪ ኺርእዩ ሓግዞም። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተቶም፦ “እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረካ፧” ወይ “እዚ ነገራት እዚ፡ ነቲ የሆዋ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧” የሆዋ ንዓታቶም ብብሕቲ ብኸመይ ፍቕሪ ኸም ዜርእዮም ኪግንዘቡ ሓግዞም። (2ዜና 16:9) የሆዋ ነቲ ዜድልየካ ነገር ፈሊኻ ብንጹር ዝጸለኻዮ ጸሎት ብኸመይ ከም ዝመለሶ ኣብነት ሃቦም፣ የሆዋ ንጸሎቶም ብኸመይ ከም ዚምልሶ ኼስተብህሉ ድማ ኣተባብዓዮም። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ፡ ነቲ የሆዋ ዘርኣዮም ፍቕሪ ምላሽ ኪህቡን ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርቱን ምርኣይ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ።
ነታ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ጀድ እንታይ ዕንቅፋት እዩ ኣጋጢምዋ፧
ኒታ ንጀድ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧
ጀድ ነቲ ዕንቅፋት ክትሰግሮ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧