ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb22 መጋቢት ገጽ 7
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ኪምስርቱ ሓግዞም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ—ሕቶታት ሕተት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ልቢ ብምትንካይ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
mwb22 መጋቢት ገጽ 7

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም

ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪምስርቱ ዚኽእሉ፡ እቶም ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጹሃት ዝዀኑ ጥራይ እዮም። (1ጴጥ 1:14-16) ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕማቕ ልማዳቶም ምስ ዜሰንፉ፡ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤትን ዝሓሸ ጥዕናን ገንዘባዊ ረብሓን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ግለጸሎም፡ ኣረድኣዮም፡ መምርሒታቱ ምስዓብ ዘለዎ ረብሓ እውን ግለጸሎም። ኣትኵሮኻ፡ ተምሃሮኻ ኣተሓሳስባኦም ኪቕይሩን የሆዋ ዚደልዮ ዘበለ ኺገብሩን ኣብ ምሕጋዝ ይኹን። (ኤፌ 4:22-24) ብሓገዝ የሆዋ፡ ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ልማድ ኬሰንፉ ኸም ዚኽእሉ ኣረጋግጸሎም። (ፊል 4:13) ተምሃሮኻ በቲ ሓጢኣት ኪገብሩ ዚሓድሮም ድሌት ምእንቲ ኸይስነፉ፡ ሓገዝ የሆዋ ብጸሎት ኪልምኑ ምሃሮም። ኪርሕቕዎ ዘለዎም ፈታኒ ዅነታት ኬለልዩ ሓግዞም። ርኹስ ልማዳት ብጥዑይ ንጥፈታት ኪትክእዎ ኣተባብዓዮም። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ብሓገዝ የሆዋ ለውጢ ኣብ ምግባር ኣሳልጦ ኺረኽቡ ኸለዉ ምስ ረኣኻ፡ ክትሕጐስ ኢኻ።

ነታ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • “ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታን ጀድን ምስ ሽማግለታት ይራኸባ።

    ሽማግለታትን ኒታን ኣብ ጀድ ምትእምማን ዘሕደሩ ብኸመይ እዮም፧

  • “ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኒታ ንጀድ መጽናዕቲ ትመርሓላ።

    ኒታ ንጀድ ተወሳኺ ሓገዝ ዝገበረትላ ብኸመይ እያ፧

  • “ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ርኹስ ልማዳት ኬሰንፉ ሓግዞም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ጀድ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ትጽሊ።

    ጀድ ካብ የሆዋ ሓገዝ ዝደለየት ብኸመይ እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ