ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ቃል ኣምላኽ ተጠቐም
ቃል ኣምላኽ ይዓዪ እዩ። (እብ 4:12) ንልቢ እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ኺትንኪ ይኽእል እዩ። (1ተሰ 1:9፣ 2:13) ሓደ ሰብ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኣናዮ ሓቂ፡ ኬማስወሉ ኽንርኢ ኸለና ብዙሕ ንሕጐስ ኢና።
ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ቃል ኣምላኽ ኪዓዪ ብምፍቃድ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኒታ ንጀድ ቃል ኣምላኽ ምውካስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኽትርዳእ ብምሕጋዝ፡ ንቓል ኣምላኽ ኪዓዪ ዝፈቐደትሉ ብኸመይ እያ፧
ኒታ፡ ጀድ ነታ ጥቕሲ ዓው ኢላ ኸም እተንብባ ብምግባርን ቀንዲ ቓላት ፈልያ ብምጕላሕን ቃል ኣምላኽ ኪዓዪ ዝፈቐደትሉ ብኸመይ እያ፧
እታ ጥቕሲ ንልቢ ጀድ ከም ዝተንከየቶ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ እዚኸ ንኒታ ብኸመይ ዝጸለዋ ይመስለካ፧