ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ግንቦት ገጽ 13
  • ኣብ ስድራ ቤት ፍቕሪ ኣርኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ስድራ ቤት ፍቕሪ ኣርኢ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንኣምላኽ ባህ ዘብል ናብራ ስድራቤት
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ነባሪ ሓዳር ንምምስራት ዝሕግዛ ክልተ መፋትሕ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ግንቦት ገጽ 13
ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ኣኼባ ብሓባር ይዝምሩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ስድራ ቤት ፍቕሪ ኣርኢ

ፍቕሪ፡ ንስድራ ቤት ከም መላገቢ ዜጣብቕ ባህርይ እዩ። ስድራ ቤት ብዘይ ፍቕሪ፡ ሓድነትን መንፈስ ምትሕብባርን ኪህልዋ ኣጸጋሚ እዩ። እሞ ደኣ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ወለድን ኣብ ስድራ ቤቶም ፍቕሪ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ፈቃር ሰብኣይ ድሌትን ኣረኣእያን ስምዒትን ሰበይቱ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። (ኤፌ 5:28, 29) ንስድራ ቤቱ ብስጋውን ብመንፈሳውን ይናብዮም፣ ስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምሸት ከም ዚህሉ እውን ይገብር እዩ። (1ጢሞ 5:8) ፈቃር ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግዝኦን “ብዙሕ ተኽብሮ”ን እያ። (ኤፌ 5:22, 33፣ 1ጴጥ 3:1-6) መጻምድቲ ንሓድሕዶም ብናጻ ይቕረ ኺባሃሃሉ ኣለዎም። (ኤፌ 4:32) ፈቃራት ወለዲ ንነፍሲ ወከፍ ውሉዶም ተገዳስነት ብምርኣይ፡ ንየሆዋ ኼፍቅሩ ይምህርዎም እዮም። (ዘዳ 6:6, 7፣ ኤፌ 6:4) ደቆም ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧ ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ይዋጽኡሉ ኣለዉ፧ ኣብ ስድራ ቤት ሓያል ፍቕሪ ምስ እትህሉ፡ ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ይቐስኑ።

ነታ ኣብ ስድራ ቤትካ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ኣብ ስድራ ቤትካ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ካብ ኣኼባ ናብ ገዛኦም ምስ ተመልሱ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ይመያየጡ።

    ፈቃር ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚምግባን ዚሕብሕባን ብኸመይ እዩ፧

  • ካብታ ‘ኣብ ስድራ ቤትካ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ካብ ኣኼባ ናብ ገዛኣ ምስ ተመልሰት፡ ሓንቲ ሓብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ ሰብኣያ ጽን ኢላ ትሰምዖን ተህድኦን።

    ፈቃር ሰበይቲ ንሰብኣያ ብዙሕ እተኽብሮ ብኸመይ እያ፧

  • ካብታ ‘ኣብ ስድራ ቤትካ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣባላት ስድራ ቤት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባ ዝተንከዮም ነጥብታት፡ ጠዓሞት እናበልዑ ይመያየጡ።

    ፈቃራት ወለዲ ንደቆም ቃል ኣምላኽ ዚቐርጹሎም ብኸመይ እዮም፧

ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ብጥንቃቐ ተጠቐመሉ

ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ነቲ ስድራ ቤታት ሓድነቶም ብፍቕሪ ንምድልዳል ኬውዕልዎ ዝነበሮም ግዜ ብቐሊሉ ኼህልኾ ይኽእል እዩ። ወለዲ ኣብ ኣጠቓቕማ እዚ መሳርሒታት ንዓታቶምን ንደቆምን ደረት ኪገብሩ ኣለዎም። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ወለዲ ንኣሽቱ ደቆም ኦንላይን ኪጥቀሙ እንተ ኣልይዎምን ምስ መን ኪራኸቡ ኸም ዘለዎምን ኪውስኑሎም ኣለዎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ