ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ነህምያ ኸገልግል እምበር፡ ኪግልገል ኣይደለየን
ነህምያ ንስልጣኑ ንረብሓ ገዛእ ርእሱ ኣይተጠቕመሉን (ነህ 5:14, 15, 17, 18፣ w02 1/11 27 ¶3)
ነህምያ ነቲ ዕዮ ይቈጻጸሮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብኡ ይሳተፍ እውን ነይሩ እዩ (ነህ 5:16፣ w16.09 6 ¶16)
ነህምያ ስለታ ዘርአያ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኺዝክሮ ንየሆዋ ሓቲትዎ (ነህ 5:19፣ w00 1/2 32)
ነህምያ ኣማሓዳሪ እኳ እንተ ነበረ፡ ፍሉይ ክብሪ ግና ኣይተጸበየን። ንሱ ነቶም ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰላትን ሓላፍነትን ዘለዎም ሰባት ሰናይ ኣብነት እዩ።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ክንዲ ኻልኦት ብዛዕባ ዚገብሩለይ፡ ኣነ ብዛዕባ ዝገብረሎም ዝያዳ የገድሰኒ ድዩ፧’