ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 መስከረም ገጽ 5
  • ደንዳኒ ኼጋጥመካ ኸሎ ኣብ የሆዋ ተወከል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ደንዳኒ ኼጋጥመካ ኸሎ ኣብ የሆዋ ተወከል
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውሉደይ ይድንደን እንተ ኣልዩኸ፧
    ንስድራ ቤት
  • ከመይ ገይረ እየ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንርእሰይ ክከላኸል ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ብኢንተርነት እድንደን እንተ ኣልየኸ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2013
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 መስከረም ገጽ 5
ሓንቲ ጐርዞ ንወለዳ ሞባይላ ተርእዮም፣ ስምዒታ ድማ ትገልጸሎም። ወለዳ ኸኣ ጽን ኢሎም ይሰምዕዋ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ደንዳኒ ኼጋጥመካ ኸሎ ኣብ የሆዋ ተወከል

ደንደንቲ ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ኬስዕቡልና ይኽእሉ እዮም። ንኣምልኾና ኺጻረሩ ኸለዉ ንፈርሆም እንተ ደኣ ዄንና፡ ንመንፈሳውነትና እውን ኪጐድእዎ ይኽእሉ እዮም። ንርእሳኻ ኻብ ደንዳኒ ኸተዕቝባ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሓያሎ ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ደንደንቲ ንዘጋጠሞም ነገራት ዕዉት ብዝዀነ መገዲ እተዋጽኣሉ፡ ኣብ የሆዋ ብምውካሎም እዮም። (መዝ 18:17) ንኣብነት፡ ኣስቴር ናይቲ ኽፉእ ደንዳኒ ዝነበረ ሃማን ውዲት ንምቅላዕ ብትብዓት ተዛሪባ እያ። (ኣስ 7:1-6) ከምኡ ቕድሚ ምግባራ፡ ብጾም ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ኣርእያ እያ። (ኣስ 4:14-16) የሆዋ ንተግባራታ ባሪኽዎ፡ ንዓኣን ንህዝባን ድማ ኣዕቊብዎም እዩ።

ኣቱም መንእሰያት ደንዳኒ እንተ ኣጋጢምኩም፡ ምእንቲ ኺሕግዘኩም ንየሆዋ ሕተትዎ። ብዛዕባ ጸገማትኩም ንሓደ ብሱል ሰብ ወይ ንወለድኹም ተዛረቡ። ከምቲ የሆዋ ንኣስቴር ዝሓገዛ ንዓኻትኩም እውን ከም ዚሕግዘኩም ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ደንዳኒ ንዜስዕቦ ጸገማት ምእንቲ ኽትዋጽእሉ፡ እንታይ ካልእ ነገር ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ነታ ንእስነተይ—ድንደና ብኸመይ ክጻወሮ እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • መንእሰያት ካብ ኣብነት ቻርሊን ፈሪንን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

  • ወለዲ ደቆም ድንደና ምእንቲ ኺጻወሩ ንምሕጋዝ ካብ ርእይቶ ቻርሊን ፈሪንን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ