ታሪኽ ህይወት
የሆዋ ‘ንመገድታተይ ኣቕኒዕዎ’
ሓደ ግዜ፡ ሓደ መንእሰይ ሓው፡ “እትፈትዋ ጥቕሲ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ፡ “ምሳሌ 3 ፍቕዲ 5ን 6ን” ኢለ መሊሰሉ። እታ ጥቕሲ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ” ትብል። እወ፡ የሆዋ ንመገድታተይ ኣቕኒዕዎ እዩ። ብኸመይ፧
መምርሒ ወለደይ ብቕኑዕ መገዲ ኽመላለስ ሓጊዙኒ
ወለደይ ብ1920ታት ቅድሚ ምምርዓዎም እዮም ሓቂ ፈሊጦም። ኣነ ድማ ኣብ መጀመርታ 1939 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እየ ተወሊደ። ብግዜ ንእስነተይ፡ ምስ ወለደይ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እኸይድን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እሳተፍን ነይረ። እታ ናይ መጀመርታ ኽፍለይ ዘቕረብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ እዝክራ እየ። ሽዑ ነቲ ኣትራኖስ ምእንቲ ኸርክቦ፡ ኣብ ሳጹን ደው ኢለ እየ ኽፍሊ ኣቕሪበ። ገና ወዲ 6 ዓመት እየ ነይረ፡ ኣብቶም ተኣከብቲ ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ሰባት ምስ ረኣኹ ኸኣ ብዙሕ እየ ፈሪሀ።
ምስ ወለደይ ኣብ ምስክርነት መገዲ
ኣገልግሎት ክጅምር ከለኹ፡ ኣቦይ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ቀሊል መእተዊታት ኣብ ካርድ ጽሒፉ ሂቡኒ። ንፈለማ ግዜ በይነይ ማዕጾ ዝዃሕኳሕኩሉ እዋን፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት እየ ነይረ። እቲ በዓል ቤት ነቲ ካርደይ ኣንቢቡ፡ “ለት ጎድ ቢ ትሩ” ዘርእስታ መጽሓፍ ምስ ተቐበለ፡ ኣመና እየ ተሓጒሰ። ጐይየ ኸይደ ንኣቦይ ነጊረዮ። ኣገልግሎትናን ኣኼባታትናን የሐጕሰኒ ነይሩ እዩ፣ ንየሆዋ ብምሉእ ግዜ ኸገልግል ዝነበረኒ ባህጊ እውን፡ ከማዕብል ሓጊዙኒ እዩ።
ኣቦይ ኰንትራት ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ኣተወለይ፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ንውሽጠይ ኪትንክዮ ጀመረ። ዘዝመጸት ቅዳሕ ኣጸቢቐ እየ ዝግደሰላ ነይረ። በዚ ኸምዚ ኣብ የሆዋ ዝነበረኒ እምንቶ እናዓበየ ኸደ፣ ርእሰይ እውን ንዕኡ ኽውፊ ኸኣልኩ።
ብ1950 ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ፡ “ቲኦክራስያዊ ወሰኽ” ዘርእስቱ ኣኼባ፡ ብስድራ ቤት ተወከልቲ ዄንና ኼድና ኔርና። ሓሙስ 3 ነሓሰ ኸኣ፡ “መዓልቲ ሚስዮናውያን” ዚብል ፍረ ነገር ነይርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ እቲ ደሓር ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ሓውና ካሪ ባርበር መደረ ጥምቀት ሃበ። ኣብ መወዳእታ መደረኡ፡ ነቶም ሕጹያት ጥምቀት ክልተ ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ተንሲአ “እወ!” ኢለ መለስኩ። ወዲ 11 ዓመት እየ ነይረ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኸም ዝወሰድኩ እፈልጥ ነይረ እየ። እንተዀነ ግና፡ ገና ምሕምባስ ዘይክእል ስለ ዝነበርኩ፡ ናብቲ ማይ ምኻድ ፈሪሀ ነበርኩ። ስለዚ፡ ሓወቦይ ሒዙኒ ናብቲ መጠመቒ ኸደ። “ኣጆኻ” ኢሉ እውን ኣተባብዓኒ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኣእጋረይ ባይታ እቲ መጠመቒ ኸይተንከየ፡ ቀልጢፉ እዩ ተወዲኡለይ። ሓደ ሓው ናብቲ ሓደ ኣሰጋጊሩኒ፡ ሓደ ኣጠሚቑኒ፡ ሓደ ኸኣ ሰፍሲፉ ኣውጺኡኒ። ካብታ ኣገዳሲት ዕለት ንነጀው፡ የሆዋ መገድታተይ ኣቕኒዑለይ እዩ።
ብየሆዋ ተኣሚነ
ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ፈላሚ ኪኸውን እየ ዝደሊ ነይረ። መምህራነይ ግና ዝለዓለ ትምህርቲ ክቕጽል ደፋፍኡኒ፣ በቲ ጸቕጦም ተሰኒፈ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣቶኹ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግና፡ ኣብ መጽናዕትታተይ እናኣተኰርኩ ኣብ ሓቂ ጸኒዐ ኽመላለስ ከም ዘይክእል ተገንዘብኩ። ስለዚ፡ ነቲ ትምህርቲ ኽሓድጎ ወሰንኩ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ኣብ መወዳእታ ቐዳመይቲ ዓመት ከኣ፡ ብኣኽብሮት ናይ ስንብታ ደብዳበ ጽሒፈ ወጻእኩ። ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ብምግባር ከኣ፡ ብኡብኡ ኣገልግሎት ፈላምነት ጀመርኩ።
ኣብ ሓምለ 1957 ኣብ ከተማ ዊሊንብሮ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርኩ። ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ንዝነበሩ ኣሕዋት ከኣ፡ ከም መገላግልተይ ገይሮም ምኩር ሓው ኺምድቡለይ ሓተትክዎም። ሓውና በርት ቨይሲ ድማ ተመደበለይ። እቲ ትግሃቱ ኸኣ ጽቡቕ ናይ ኣገልግሎት ልምዲ ኸማዕብል ሓጊዙኒ እዩ። ኣብታ ጉባኤ ሽዱሽተ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣሓትን ሓውና ቨይሲን ኣነን ኢና ኔርና። ንዅሉ እቲ ኣኼባታት እዳሎን፡ ኣብኡ እሳተፍን ስለ ዝነበርኩ፣ እዚ ነገር እዚ ብየሆዋ ኽእመንን እምነተይ ክገልጽን ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከፊቱለይ እዩ።
ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባየይ ንእተወሰነ እዋን ተኣሲረ ምስ ተፈታሕኩ፡ ባርባራ ምስ ዝስማ ፍልይቲ ፈላሚት ተራኸብኩ። ብ1959 ተመራዓውና፣ ናብ እተመደብናዮ ዘበለ ኽንከይድ እውን ፍቓደኛታት ነበርና። ኣብ ፈለማ፡ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ እትርከብ ላንክሺር ኢና እነገልግል ኔርና። ድሕሪኡ ኣብ ጥሪ 1961፡ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዚርከብ ቤት-ኤል ዚግበር፡ ሓደ ወርሒ ዝወስድ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክካፈል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብ መወዳእታ እቲ ትምህርቲ፡ ከይተጸበኽዎ ኣብ ዕዮ መገሻ ኸገልግል ተመደብኩ። ንኽልተ ሰሙን ካብ ሓደ ምኩር ሓላው ወረዳ፡ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ስልጠና ተዋህበኒ። ባርባራ እውን ምሳይ ክትከውን ተፈቕደላ። ድሕሪኡ ናብቲ እተመደብናሉ ኣውራጃታት ላንክሺርን ቸሸርን ነቐልና።
ኣብ የሆዋ እተሕድሮ እምንቶ ኸቶ ኣየሕፍርን
ኣብ ነሓሰ 1962፡ ኣብ ዕረፍቲ ኸለና፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከት ደብዳበ መጸትና። ምስታ ደብዳበ፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ መመልከቲ ፎርም ነይሩ እዩ። ኣነን ባርባራን ነቲ ጕዳይ ምስ ጸለናሉ፡ ከምቲ እተባህለና ነቲ ፎርም ብቕልጡፍ መሊእና ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ለኣኽናዮ። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ኣብ መበል 38 ክፍሊ ጊልዓድ ንምስታፍ፡ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ጕዕዞ ጀመርና። እቲ ስልጠና ዓሰርተ ወርሒ ዚወስድ ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ጊልዓድ እተዋህበና ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽን ውድቡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ሕውነትና እውን ተማሂርና ኢና። ገና ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድሜና ስለ ዝነበርና፡ ካብ ካልኦት ደቂ ኽፍልና ብዙሕ ተማሂርና ኢና። መዓልቲ መዓልቲ ምስ ሓደ ኻብቶም መምህራንና ዝነበረ ሓውና ፍረድ ራስክ ናይ ምዕያይ ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ እየ። ንሱ ድማ ወትሩ ብጽድቂ ኽመክር፡ ማለት ዝህቦ ምኽሪ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዝሰረተ ኪኸውን ከም ዚግባእ ኣጕሊሑለይ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ከም እኒ ናታን ኖር፡ ፍረደሪክ ፍራንዝ፡ ካርል ክለይን ዝኣመሰሉ ምኩራት ኣሕዋት መደረ ሂቦምና እዮም። ካብ ትሕትና ሓውና ኣለክሳንደር ህዩ ማክሚላን ብዙሕ ተጠቒምና ኢና፣ ንሱ ኣብ መደረኡ፡ ኣብቲ ኻብ 1914 ክሳዕ እቲ መጀመርታ 1919 ዝነበረ ፈታኒ እዋን የሆዋ ብኸመይ ከም ዝመርሖም ብዝያዳ ኸነስተውዕል ሓጊዙና እዩ።
ለውጢ ምድብ
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ትምህርትና፡ ሓውና ኖር ንዓይን ንባርባራን ናብታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ቡሩንዲ ኸም እተመደብና ነገረና። ንሕና ድማ ናብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ተቐላጢፍና ኼድና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቡሩንዲ ኽንደይ ኣስፋሕቲ ኸም ዘለዉ ኣብ ዓመት መጽሓፍ ክንርኢ ፈተንና። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እታ ሃገር ጸብጻብ ክንረክብ ኣይከኣልናን። ብዙሕ ኣብ ዘይንፈልጣ ኽፍለ ዓለም ናብ እትርከብ ድንግል ክሊ ኢና ተላኢኽና። እዚ ብዙሕ ኣጨኒቑና ነይሩ! ካብ ልቢ ምስ ጸለና ግና ሃዲእና።
ኣብቲ ሓድሽ ምድብና፡ እቲ ኽሊማ፡ እቲ ባህሊ፡ እቲ ቛንቋ፡ ኰታስ ኵሉ ነገር እዩ ሓዲሱና። ቋንቋ ፈረንሳይኛ ኽንለምድ ነይሩና። መንበሪ ምርካብ እውን ጸገም እዩ ነይሩ። ናብታ ዓዲ ኻብ እንኣቱ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ መማህርትና ዝነበረ ሃሪ ኣርነት ናብቲ እተመደበሉ ዛምብያ ኪኸይድ ከሎ፡ ብኣና ኣቢሉ ሓለፈ። ንሱ ድማ ኣፓርታማ ኽንረክብ ሓገዘና፣ ንሳ እውን ቀዳመይቲ ቤት ሚስዮናውያን ኰነት። ነዊሕ ከይጸናሕና ግና፡ ካብቶም ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ዘይፈልጡ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተቓውሞ ኼጋጥመና ጀመረ። ነቲ ምድብና ኽንፈትዎ ምስ ጀመርና፡ እቶም ሰበ ስልጣን ብዘይ ፍቓድ ስራሕ ኣብታ ዓዲ ኽንጸንሕ ከም ዘይንኽእል ነገሩና። ስለዚ፡ እናሓዘንና ናብ ካልእ ሃገር ክንከይድ ተገደድና። በዚ ኸምዚ፡ ናብ ኡጋንዳ ኸድና።
ብዘይ ቪዛ ናብ ኡጋንዳ ኽንከይድ ከለና ተጨኒቕና እኳ እንተ ነበርና፡ ብየሆዋ ግና ንእመን ኔርና ኢና። ኣብ ኡጋንዳ ዚነብር ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ዜገልግል ካናዳዊ ሓው ብዛዕባ ዅነታትና ንበዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ገለጸሉ። ንሱ ድማ ሕጋዊ መንበሪ ኽሳዕ እንረክብ፡ ንእተወሰነ ኣዋርሕ ናብታ ሃገር ክንኣቱ ፈቐደልና። እዚ ድማ የሆዋ ይሕግዘና ምህላዉ ዜርኢ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ሓድሽ ምድብና ዝነበረ ዅነታት ካብ ብሩንዲ ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር 28 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ሰሪቱ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ኽሊ፡ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ብዙሓት ንረክብ ኔርና ኢና። ነዊሕ ከይጸናሕና ግና፡ ተገዳስነቶም ኪዓቢ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ዓዲ ዚዝረብ ብዙሓት ቋንቋታት ክንዛረብ ከም ዘሎና ተገንዘብና። ኣብ ከተማ ካምፓላ ኢና ኽንሰብኽ ጀሚርና፣ ኣብታ ኸተማ ኸኣ ሉጋንዳ እዩ ብብዝሒ ዚዝረብ። ስለዚ፡ ኣብቲ ቛንቋ እቲ ብብዝሒ ኸነተኵር ወሰንና። ነቲ ቛንቋ ኣጸቢቕና ኽንመልኮ እተወሰነ ዓመታት ወሲዱልና እዩ፣ እዚ ግና ኣብ ዕዮና ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሳዊ መዳይ እንታይ ከም ዜድልዮም ብዝያዳ ኽንርዳእ ክኢልና ኢና። ንሳቶም እውን ብግዲኦም ብዛዕባ እቲ ዚምሃርዎ ዝነበሩ እንታይ ከም ዚስምዖም ናይ ልቦም ገሊጾምልና እዮም።
ብዙሕ ጕዕዞ
ኣብ ኡጋንዳ ጕዕዞ ዳህሳስ እናገበርና
ሓቂ ዚቕበሉ ትሑታት ሰባት ብምርካብና ንሕጐስ ኔርና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ኣብ ዕዮ መገሻ ኸነገልግል ዘይተጸበናዮ ዕዮ ምስ ተዋህበና ብዙሕ ተሓጒስና ኢና። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጨንፈር ኬንያ፡ ንፍሉያት ፈለምቲ ዚኸውን ምሹእ ቦታታት ንምርካብ ናይ ዳህሳስ ጕዕዞ ገበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቦም ዘይፈልጡ ሰባት ብተደጋጋሚ ጽቡቕ ገይሮም ኣአንጊዶምና እዮም። ጽቡቕ ገይሮም ተቐቢሎምና፡ ምግቢ እውን ኣዳልዮምልና እዮም።
ድሕርዚ ኸኣ፡ ካልእ ዓይነት ጕዕዞ ገበርኩ። ካብ ካምፓላ ናብታ ኣብ ኬንያ እትርከብ ወደብ ሞምባሳ ብባቡር ክልተ መዓልቲ ተጓዓዝኩ፣ ድሕሪኡ ብመርከብ ናብተን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዚርከባ እኩባት ደሴታት ሲሸልስ ከድኩ። ደሓር ካብ 1965 ክሳዕ 1972 ኣብቲ ናብ ሲሸልስ ዝገብሮ ዝነበርኩ ስሩዕ ምብጻሕ፡ ባርባራ ሓቢራትኒ ትኸይድ ነይራ እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብታ ደሴት ዝነበሩ ክልተ ኣስፋሕቲ ናብ ጕጅለ፡ ድሕሪኡ እውን ናብ ጉባኤ ዓብዮም እዮም። ኣብ ካልእ ጕዕዞታት ድማ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሩ ኣሕዋት በጺሐዮም እየ።
ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ፖለቲካዊ ሃዋህው እታ ዓዲ ብቕልጡፍ ተቐያየረ። እቲ ስዒቡ ዝመጸ ዓመታት ሽበራ፡ ነቲ “ናይ ቄሳር ንቄሳር . . . ሃቡ” ዚብል ጥበባዊ መምርሒ ምስዓብ ዘለዎ ጥቕሚ ኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ። (ማር. 12:17) ሓደ ግዜ፡ ኵሎም ዜጋታት ወጻኢ ኣብቲ ኣብ ጥቓኦም ዚርከብ መደበር ፖሊስ ኪምዝገቡ ትእዛዝ ወጸ። ንሕና እውን ብቕልጡፍ ከምኡ ገበርና። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ኣብ ካምፓላ ብማኪና እናኸድና ኸለና፡ ፖሊስ ንዓይን ንሓደ ሚስዮናውን ኣዛረቡና። ልብና ኣመና ይወቅዕ ነይሩ! ሰለይቲ ኸም ዝዀንና ገይሮም እናኸሰሱ ናብ ቀንዲ መደበር ፖሊስ ወሰዱና። ኣብኡ ድማ ሰላማውያን ሚስዮናውያን ከም ዝዀንና ገለጽናሎም። ኣብ እንዳ ፖሊስ ከም እተመዝገብና እኳ እንተ ገለጽናሎም፡ ዚሰምዓና ኣይረኸብናን። ብዕጡቓት ሓለውቲ እናተሓሎና ኸኣ ናብታ ኣብ ጥቓና እትርከብ መደበር ፖሊስ ተወሰድና። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ፖሊስ ከም እተመዝገብና ኣለልዩ ኺፈትሑና ትእዛዝ ምስ ሃበ ግና፡ እፎይ ኢና ኢልና።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኬላ ወተሃደራት ክንበጽሕ ከለና፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ወተሃደራት ብዙሕ ሰትዮም እንተ ጸኒሖም፡ ውጥረት እዩ ዚሰፍን ነይሩ። ኵሉ ሳዕ ንጽሊ ኔርና ኢና፣ ክንሓልፍ ኪፈቕዱልና ኸለዉ ኸኣ ውሽጣዊ ህድኣት ይስምዓና ነይሩ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ብ1973 ኵሎም ወጻእተኛታት ሚስዮናውያን ካብ ኡጋንዳ ኺወጹ ትእዛዝ ወጸ።
ኣብ ኣቢጃን፡ ኮት ዲቭዋር ኣብ ዚርከብ ጨንፈር ብመባዝሒት ማሽን ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እናኣባዛሕኩ
ከም ብሓድሽ ምድብና ተለወጠ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኮት ዲቭዋር፡ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተመደብና። እዚ ዓብዪ ለውጢ እዩ ኣምጺኡልና። ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ባህሊ ኽንለምድ ነይሩና፡ ከም ብሓድሽ ኵሉ ሳዕ ፈረንሳይኛ ኽንዛረብ ነይሩና፡ ምስቶም ካብ ካልእ ዓዲ ዝመጹ ሚስዮናውያን ምንባር እውን ክንለምድ ነይሩና። ኰይኑ ግና፡ ትሑታትን ቅኑዕ ዝልቦምን ሰባት ነቲ ብስራት ብቕልጡፍ ስለ እተቐበልዎ፡ ሽዑ እውን እንተ ዀነ የሆዋ ነቲ ጕዳይ ይመርሖ ኸም ዘሎ ርኢና ኢና። ብየሆዋ ተኣሚንና ብምምልላስና፡ የሆዋ ንመገድታትና ኬቕንዖ ርኢና ኢና።
ድሕሪኡ ብሃንደበት ባርባራ ሕማም መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። ፍሉይ ሕክምና ምእንቲ ኺግበረላ ናብ ካልእ ሃገር ብዙሕ እኳ እንተ ተጓዓዝና፡ ብ1983 ኣብ ኣፍሪቃ ኸነገልግል ከም ዘይንኽእል ነጸረልና። እዚ ንኽልቴና ብዙሕ ኣጕህዩና እዩ።
ለውጢ ዅነታት
ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ከለና፡ ባርባራ ሕማማ እናገደዳ ኸደ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ሞተት። ስድራ ቤት-ኤል ብዙሕ ደጊፎምኒ እዮም። ምናዳ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር፡ ምትዕርራያት ክገብርን ብቐጻሊ ብየሆዋ ኽእመንን ሓጊዞምኒ እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቤት-ኤል እናተመላለሰት ምስ እተገልግል ኣን ዝስማ ሓብቲ ተራኸብኩ። ንሳ ኣቐዲማ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነይራ እያ፣ እቲ ንየሆዋ ዘለዋ ፍቕሪ ኸኣ መንፈሳዊት ሰብ ምዃና የርኢ እዩ። ብ1989 ኣነን ኣንን ተመራዓውና፣ ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ ኣብ ለንደን ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ነገልግል ኣለና።
ምስ ኣን ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዚርከብ ሓድሽ ቤት-ኤል
ካብ 1995 ክሳዕ 2018፡ ተወካሊ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት (ሓላዊ ዞባ ዚብሃል ዝነበረ) ኰይነ ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺበ እየ፣ በዚ ኸምዚ፡ ዳርጋ 60 ሃገራት በጺሐ እየ። ኣብ ኵሉ እዚ ምብጻሓት ከኣ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ዅነታት ብኸመይ ከም ዚባርኾም ርእየ እየ።
ብ2017 ናብ ኣፍሪቃ ኽበጽሕ ከድኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንኣን ምስ ብሩንዲ ኸላልያ ብምኽኣለይ፡ ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዝነበረ ዜደንቕ ዕቤት እውን ክርኢ ብምኽኣለይ ብዙሕ ተሓጒሰ እየ። ኣብቲ ብ1964 ኣብ በቤት እናኸድኩ ዝሰብከሉ ዝነበርኩ ጐደና ጽቡቕ ቤት-ኤል ኣሎ፣ እቲ ቤት-ኤል ከኣ ንልዕሊ 15,500 ኣስፋሕቲ የገልግል ኣሎ።
ብ2018 ናበየኖት ሃገራት ከም ዝበጽሕ ዝርዝር መደብ ምስ መጸኒ፡ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ኣብቲ ዝርዝር ሃገራት፡ ኮት ዲቭዋር ተጠቒሳ ነይራ። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ኣቢጃን ምስ በጻሕና፡ ናብ ዓደይ ዝመጻእኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ ናይ ቤት-ኤል መዕረፊ ኣጋይሽ ኣቲና ኣብቲ ኣብ ጥቓና ዘሎ ኽፍሊ መን ከም ዚነብር ንምርኣይ፡ ዝርዝር ተሌፎናት ክርኢ ኸለኹ ሶሱ ዚብል ዝፈልጦ ስም ሓደ ሓው ረኣኹ። ኣብ ኣቢጃን ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ሓላው ከተማ ዀይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ትዝ በለኒ። ግናኸ፡ ተጋግየ እየ ነይረ፣ ካልእ ሶሱ እዩ ነይሩ፣ ወዱ እዩ ነይሩ።
የሆዋ ቓሉ ይሕሉ እዩ። ብእተፈላለየ ተጻብኦታት ክሓልፍ ከለኹ፡ ብየሆዋ እንተ ተኣሚንና፡ ንሱ ብሓቂ መገድታትና ኸም ዜቕንዓልና ርእየ እየ። ሕጂ ነታ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዝያዳ እናበርሀት እትኸይድ መወዳእታ ዘይብላ መገዲ ተሃንጢና ንጽበያ ኣለና።—ምሳ. 4:18።