ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w21 ለካቲት ገጽ 25
  • እዚ ዅሉ ሳላ ፍሽኽታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እዚ ዅሉ ሳላ ፍሽኽታ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ንእስነትና ንፈጣሪና ምዝካር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ምስክርነት ዓረብያ ዘምጽኦ ዓለምለኻዊ ጥቕምታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ነቲ ባህ ዜብል ሓድነት ሓልዎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ፍሽኽታ ጽቡቕ ኢዩ!
    ንቕሑ!—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
w21 ለካቲት ገጽ 25

እዚ ዅሉ ሳላ ፍሽኽታ

ሄለን ኣብ ጥቓ ዓረብያ ምስክርነት ኰይና ፍሽኽ ትብል። ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብጥቓኣ ይሓልፋ።

ክልተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብታ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ከተማ ባግዮ፡ ኣብ ንግዳዊ ዞባ ብእግረን ይጕዓዛ ነበራ። ኣብኡ ዓረብያ ምስክርነት እኳ እንተ ረኣያ፡ ናብኡ ግና ኣይከዳን። እታ ጥቓ እቲ ዓረብያ ደው ኢላ ዝነበረት ሄለን ዝስማ ሓብቲ ድማ፡ ድሙቕ ፍሽኽታ ኣርኣየተን። እተን ደቂ ኣንስትዮ መገደን እኳ እንተ ቐጸላ፡ እቲ ድሙቕ ፍሽኽታ ሄለን ግና መሰጠን።

ደሓር እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኣውቶቡስ ገይረን ናብ ገዝአን ኪኸዳ ኸለዋ፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ምልክት jw.org ረኣያ። እተን ፊደላት ምስተን ኣቐዲመን ኣብቲ ዓረብያ ምስክርነት ዝረኣያአን ሕደ ምዃነን ከኣ ዘከራ። ድሕሪኡ፡ ክልቲአን ካብ ኣውቶቡስ ወሪደን፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተለጢፉ ዚርከብ፡ ናይ እተፈላለየ ጉባኤታት መደብ ኣኼባታት ረኣያኦ።

እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ንሄለን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ረኣያኣ፡ ፍሽኽ ይብላ።

እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ሓደ ኻብቲ ዚቕጽል ኣኼባታት መጻ። ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኣተዋኸ ንመን እየን ርእየን፧ ንሄለን! እታ ድሙቕ ፍሽኽታ ዘርኣየተን ሰብ ምዃና ብኡብኡ ኣለለያኣ። ሄለን ድማ፡ “ናባይ ገጸን ምስ መጻ፡ ቍሩብ ፈሪሀ ነይረ። ገለ ጌጋ ዝገበርኩ መሲሉኒ ነይሩ” ትብል። እተን ደቂ ኣንስትዮ ግና ንሄለን፡ ብኸመይ ከም ዚመጻ ነገራኣ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣኼባ ዀነ፡ ነቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብኡ ዘሕለፋኦ ግዜ ፈተዋኦ፣ ፈጺመን ኣይተጋየሻን። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ካልኦት ነቲ ኣዳራሽ ኬጽርዩ ምስ ረኣያ፡ ኪሕግዛ ዝኽእላ እንተ ዀና ሓተታ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሓንቲ ኻብተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ካልእ ሃገር እኳ እንተ ኸደት፡ እታ ሓንቲ ግና ኣብ ኣኼባታት ክትእከብን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብርን ጀሚራ እያ። እዚ ዅሉ ሳላ ፍሽኽታ እዩ ተረኺቡ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ