ክርስትያናዊ ህይወት
ምስክርነት ዓረብያ ዘምጽኦ ዓለምለኻዊ ጥቕምታት
ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 5፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብስራት ምእንቲ ኬኻፍሉ ብዙሓት ሰባት ኪርከቡሉ ናብ ዚኽእሉ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ነበሩ። (ግብ 5:19-21, 42) ሎሚ፡ እቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብዓረብያ ዚግበር ምስክርነት፡ ጽቡቕ ውጽኢት ኬምጽእ ንርኢ ኣለና።
ነታ ምስክርነት ዓረብያ ዘምጽኦ ዓለምለኻዊ ጥቕምታት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ምስክርነት ዓረብያ እተጀመረ መዓስን ብኸመይን እዩ፧
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስክርነት ዓረብያ ኻብ ምስክርነት ሰደቓ እንታይ ሓለፋ ኣለዎ፧
ካብ ተመክሮ ሚ ጆንግ ዩ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ተመክሮ ሃኮብ ሳሎሜ፡ ዓረብያ ምስክርነት ዘለዎ ረብሓ ዜብርህ ብኸመይ እዩ፧
ካብ ተመክሮ ኣኒስን ብዓል ቤታን ጽሑፋት ንዝሓዘ ዓረብያ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብዛዕባ ምጥቃም እንታይ ንምሃር፧