ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w21 ጥቅምቲ ገጽ 29-31
  • 1921—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1921—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይፈርሁ ሰበኽቲ
  • ናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ
  • ሓዳስ መጽሓፍ!
  • ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕዮ
  • የሆዋ ንዚሓትቶ ዘበለ እንተ ፈጺምና፡ ንባረኽ ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • 1922—ቅድሚ ሚእቲ ዓመት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ናብ ሓጐስ ዚመርሕ ምርጫታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንሸውዓተ ወለዶ ዝቐጸለ ውርሻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
w21 ጥቅምቲ ገጽ 29-31

1921 ቅድሚ ሚእቲ ዓመት

“እሞ ደኣ ነዛ ዓመት እዚኣ ኣብ ቅድሜና ዚርኣየና ዕዮ እንታይ እዩ፧” ናይ 1 ጥሪ 1921 ግምቢ ዘብዐኛ ነቶም ተሃንጥዮም ዝነበሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ እያ ኣቕሪባትሎም። ኣብ መልሳ ድማ፡ ኢሳይያስ 61:1, 2 ጠቒሳትሎም፣ እታ ጥቕሲ፡ ነቲ ኺሰብኩ እተዋህቦም መዝነት እተዘኻኽር ኰይና ኸምዚ ትብል፦ “ንዓቃላት ከበስሮም የሆዋ ስለ ዝቐብኣኒ፡ . . . ዓመት ጽቡቕ ፍቓድ የሆዋን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ [እየ]።”

ዘይፈርሁ ሰበኽቲ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መዝነቶም ንምፍጻም፡ ዘይፈርሁ ኪዀኑ ነይርዎም። ንዓቃላት ‘ኬበስሩ፡’ ከምኡ እውን ንእኩያት “መዓልቲ ሕነ” ኺእውጁ ነይርዎም እዩ።

ኣብ ካናዳ ዚነብር ሓውና ጆን ሆስኪን፡ ተቓውሞ እናኣጋጠሞ ብዘይ ፍርሂ እዩ ሰቢኹ። ኣብ ኣጋ መጀመርታ 1921፡ ምስ ሓደ ሜቶዲስት ኣገልጋሊ ተራኸበ። ሓውና ሆስኪን ከኣ፡ “ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ብሰላም ክንዛራረብ ንኽእል ኢና፣ ኣብ ገሊኡ እኳ እንተ ተፈላለና፡ ብሰላምን ብጽቡቕን ክንፈላለ ንኽእል ኢና” ኢሉ ዝርርቡ ጀመረ። ከምቲ ዝሓሰቦ ግና ኣይኰነን። ሓውና ሆስኪን ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ምስ ተዛራረብና፡ [እቲ ኣገልጋሊ] ነቲ ማዕጾኡ ገም ኣቢሉ ስለ ዝዓጸዎ፡ እቲ ቬትሮ ዚስበር መሲሉኒ ነይሩ።”

እቲ ኣገልጋሊ፡ “ናብ ኣረማውያን ኬድካ ንዓታቶም ዘይትዛረቦም፧” ኢሉ ጨደረሉ። ሓውና ሆስኪን ኣይመለሰሉን፣ ኪኸይድ ከሎ ግና፡ ‘ምስ ሓደ ኻባታቶም ዚዛረብ ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ’ ኢሉ ሓሰበ።

ንጽብሒቱ እቲ ኣገልጋሊ ኺሰብኽ ከሎ፡ መጥቃዕቱ ቐጸለ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ፡ ሓውና ሆስኪን ኸምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ኣብታ ኸተማ ዝመጸ ዝኸፍአ መታለሊ ኸም ዝዀንኩ፡ ክርሸን እውን ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ንመጓሰኡ ብዛዕባይ ኣጠንቂቕዎም።” ኰይኑ ግና፡ ሓውና ሆስኪን በዚ ኸይተዳህለ፡ ስብከቱ ቐጸለ፡ ጽቡቕ ኣሳልጦ እውን ረኸበ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ከም ሽዑ ኣብ ስብከት ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፈ ኣይፈልጥን እየ። ገሊኦም ሰባት፡ ‘ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃንካ እፈልጥ እየ!’ ኢሎምኒ፡ ዝዀነ ነገር ከይጐድለኒ እውን ብኸመይ ኪሕግዙኒ ኸም ዚኽእሉ ሓቲቶምኒ እዮም።”

ናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ዕቤት ኪገብሩ ንምሕጋዝ፡ ኣብታ ዘ ጎልደን ኤጅa እትብሃል መጽሔት መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕተሙ። እቲ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መንእሰያት” ዚብሃል መደብ፡ ወለዲ ምስ ደቆም ዜጽንዕዎ ሕቶታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ወለዲ “ነዚ ሕቶታት ንደቆም ኪሓትትዎም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኺረኽቡ እውን ኪሕግዝዎም” ምትብባዕ ተዋህቦም። ገሊኡ ሕቶታት፡ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ መጻሕፍቲ ኣሎ፧” ዝዓይነቱ ስለ ዝነበረ፡ መሰረታዊ ሓቅታት ዚምህር እዩ ነይሩ። ገሊኡ ግና፡ “ኵሉ ናይ ሓቂ ክርስትያን መስጐጕቲ ኺጽበዶ ኣለዎ፧” ዝዓይነቱ ስለ ዝነበረ፡ ንመንእሰያት ዘይፈርሁ ሰበኽቲ ኪዀኑ እዩ ዜተባብዕ ነይሩ።

እቲ “ምዕቡል መጽናዕቲ ኣብ መለኮታዊ መደብ መዋእል” ዚብሃል መደብ ከኣ፡ ንብሱላት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቀዳመይቲ ጥራዝ እታ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ እትብሃል መጽሓፍ እተመርኰሰ ዜመራምር ሕቶታት የቕርብ ነበረ። ኣሽሓት ኣንበብቲ ኻብዚ መደባት እዚ ተጠቒሞም እዮም፣ ናይ 21 ታሕሳስ 1921 ሕታም ዘ ጎልደን ኤጅ ግና፡ ክልቲኡ እዚ መደባት ከም ዜቋርጽ ሓበረት። ስለምንታይ እዩ ሃንደበታዊ ለውጢ ተገይሩ፧

ሓዳስ መጽሓፍ!

ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ

መደብ ንባብ ዝሓዘ ዕልባት

ሕቶታት ዝሓዘ ካርድታት

እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ኣሕዋት፡ ሓደስቲ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ሓቅታት ብስርዓት ኪምሃሩ ኸም ዜድልዮም ተገንዘቡ። ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ከኣ፡ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ሕዳር 1921 ወጸት። እቶም ነታ መጽሓፍ እተቐበሉ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት፡ ባዕሎም ዚገብርዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚጅምሩ ነይሮም። እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ “ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ኪባርኾም ዘለዎ መደብ” ኬስተውዕሉ ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። እሞኸ እዚ መጽናዕቲ እዚ ብኸመይ እዩ ዚዓዪ ነይሩ፧

ሓደ ሰብ ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ዚቕበል፡ ኣብ ንእሽቶ ካርድ እተሓትመ መደብ ንባብ እውን ይውሃቦ ነይሩ። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ከኣ፡ ኣብቲ ንባብ እተመርኰሰ ሕቶታት ዝሓዘት ካርድ ይውሃቦ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እታ ካርድ ድማ፡ ናይ ዚቕጽል ሰሙን መደብ ንባብ ይርከብ።

እቲ ተምሃራይ ን12 ሰሙን፡ ብጉባኤ ኣቢሉ ኣብ ሰሰሙን ዚልኣኸሉ ሓዳስ ካርድ ትውሃቦ ነይራ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ካርድታት በቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ዓቕሞም ድሩት ዝዀኑ ሰባት ጌርካ እዩ ዚልኣኽ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሚልቪል፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እትነብር ኣና ጋርድነር ከምዚ ኣላ ተዘክሮኣ ገሊጻ ኣላ፦ “ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ምስ ወጸት፡ ነታ ስንክልና ዝነበራ ሓብተይ ቴል፡ ነቲ ሕቶታት ዝሓዘ ሰሙናዊ ካርድ ናይ ምስዳድ ተወሳኺ ስራሕ እዩ ዀይኑላ።” እቲ ትምህርቲ ምስ ተወድአ፡ እቲ ተምሃራይ ኣብ ትምህርቱ ቐጻሊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብር፡ ብሕታዊ ምብጻሕ ይግበረሉ ነይሩ እዩ።

ቴል ጋርድነር ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን

ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕዮ

ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት፡ ሓውና ጆሴፍ ራዘርፎርድ ናብ ኵለን ጉባኤታት ደብዳበ ለኣኸ። ኣብኣ ድማ፡ “ኣብዛ ዓመት እዚኣ እተዋህበ ምስክርነት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብዚ እዋን ቀውዒ ኻብ ዝዀነት ዓመት ንላዕሊ ዝሰፍሐን ብዝያዳ ውጽኢታውን እዩ ነይሩ” በለ። ናብ ቅድሚት ብምትኳር ከኣ፡ “ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኣሎ። ኣብዚ እተባረኸ ኣገልግሎት ኪጽምበሩና ንኻልኦት ኣተባብዑ” በለ። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምኽሪ ስዒቦም እዮም። ዓመተ 1922፡ ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ፍርሂ ዘፍለጡላ ዓመት እያ ነይራ።

ዘይፈርሁ ፈተውቲ

ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዶም ብምድግጋፍ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣርእዮም እዮም። እዚ ዚስዕብ ታሪኽ ከም ዚሕብሮ፡ ‘ንግዜ ጭንቂ እተወልዱ’ ፈተውቲ ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።—ምሳ. 17:17።

ሰሉስ 31 ግንቦት 1921፡ ሓደ ጸሊም ሰብኣይ ንሓንቲ ጻዕዳ ሰበይቲ ኣጥቂዕዋ ተባሂሉ ተኸሲሱ ምስ ተኣስረ፡ “ዓሌታዊ ጃምላዊ ቕትለት ተልሳ” ተባሂሉ ዚፍለጥ ናዕቢ ኣብ ተልሳ፡ ኦክላሆማ፡ ሕ.መ.ኣ. ተላዕለ። ልዕሊ 1,000 ጸዓዱ ናዕበኛታት ካባታቶም ምስ ዚውሕዱ ጸለምቲ ምስ ተጋጨዉ፡ እቲ ዕግርግር ብቕልጡፍ ናብቲ ጸለምቲ ዚነብሩሉ ግሪንዉድ ለሓመ፣ ኣብኡ ኸኣ 1,400 ኣባይቲ ተዘምተን ተቓጸለን። ብወግዒ 36 ሰባት ከም እተቐትሉ እኳ እንተ ተገልጸ፡ እቲ ናይ ሓቂ ቝጽሪ ግና ኣማእታት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ጸሊም ዝዓሌቱ ኣብ ግሪንዉድ ዚነብር ሓውና ሪቻርድ ሂል ዚብሃል ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝዀነ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “በታ ናዕቢ ዝዀነላ ምሸት፡ ከም ልሙድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ነይሩና። እቲ መጽናዕቲ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ተዅሲ ሰሚዕና። ክሳዕ እንድቅስ እውን ተዅሲ ንሰምዕ ኔርና።” ረቡዕ ንግሆ 1 ሰነ፡ እቲ ዅነታት ተጋደደ። ሓውና ሂል ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ገሊኦም ሰባት መጺኦም ዕቝባ እንተ ደሊና፡ ናብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኽንከይድ ከም ዘሎና ነጊሮምና” ይብል። ስለዚ፡ ምስ ሰበይቱን ሓሙሽተ ደቁን ናብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ተልሳ ኸዱ። ኣብኡ ኸኣ 3,000 ዚኣኽሉ ጸለምቲ ሰብኡትን ኣንስትን በቶም ስርዓት ኬስፍኑ ዝመጹ ሰራዊት ይሕለዉ ነበሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ጻዕዳ ዝዓሌቱ ሓውና ኣርተር ክላውስ ብትብዓት ስጕምቲ ወሰደ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ናዕበኛታት ኣባይቲ እናዘመቱን እናኣባርዑን ንግሪንዉድ ይሕምስዋ ኸም ዘለዉ ምስ ሰማዕኩ፡ ድሕንነት ፍቑር ሓውና ሂል ከረጋግጽ ወሰንኩ።”

ኣርተር ክላውስ በታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ገይሩ ን14 ቘልዑ መሃረ

ኣብ እንዳ ሓውና ሂል ምስ በጽሐ፡ ብረት ዝሓዘ ሓደ ጻዕዳ ጐረቤት ኣጓነፎ። እቲ ጐረቤት እውን ንሓውና ሂል ዓርኩ ስለ ዝነበረ፡ ንኣርተር ምስቶም ናዕበኛታት ከይኸውን ጠርጠሮ። ስለዚ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ቀጽሪ እዚ ሰብኣይ ኣቲኻ፧” ኢሉ ጨደረሉ።

ኣርተር ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዜዕግብ መልሲ እንተ ዘይህቦ ነይረ፡ ምተኰሰለይ ነይሩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ፈታዊ ሓውና ሂል ምዃነይን ናብ ቤቱ ብዙሕ ግዜ መጺአ ኸም ዝፈልጥን ኣረጋገጽኩሉ” ይብል። ድሕርዚ፡ ኣርተርን እቲ ጐረቤትን ነቲ ንብረት ካብ ዘመትቲ ሓለውዎ።

ኣርተር ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓውና ሂልን ስድራ ቤቱን ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኸም ዘለዉ ፈለጠ። ጸለምቲ ኻብቲ ቦታ ንምውጻእ ከኣ፡ እቲ ሓላፍነት እተዋህቦ ጀነራል ባሪት ዝፈረመሉ ትእዛዝ ከም ዜድሊ ሰምዐ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገራት፡ ኣርተር ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ነቲ ጀነራል ምርካብ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ሓሳበይ ምስ ነገርክዎ፡ ‘ነዞም ስድራ ቤት እዚኦም ክትሕልዎምን ክትከናኸኖምን ዲኻ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ እውን ካብ ልቢ ‘እወ’ በልክዎ።”

ኣርተር ነቲ ትእዛዝ ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ብቕልጡፍ ከደ። ነቲ ኣብኡ ዝጸንሖ መኰነን ምስ ሃቦ፡ “እዚ ደኣ ብጀነራል እተፈረመ እንድዩ! ካብዚ ቦታ እዚ ሰብ እተውጽእ ዘለኻ ንስኻ ቐዳማይ ምዃንካስ ትፈልጥዶ፧” በሎ። ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ንሓውና ሂልን ስድራ ቤቱን ረኸብዎም። ኵላቶም ከኣ ኣብ ማኪና ኣርተር ተጨቓጪቖም ናብ እንዳ ሓውና ሂል ከዱ።

“ርእስና ዝወፈና ህዝቢ ኣምላኽ ኵላትና ማዕረ [ኢና]”

በዚ ኸምዚ፡ ኣርተር ንድሕንነት ሓውና ሂልን ስድራ ቤቱን ንምርግጋጽ ዚከኣሎ ገበረ። እቲ ብትብዓት ዘርኣዮ ሕውነት ድማ፡ ኣብ ካልኦት ጽቡቕ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ኣርተር ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “እቲ ንንብረት ሓውና ሂል ንምክልኻል ዝሓገዘ ጐረቤት፡ ናብ ሓቂ ብዝያዳ ቐሪቡ እዩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ዓሌታዊ መሰናኽላት ከም ዘይብልና፡ ከምኡ እውን ርእስና ዝወፈና ህዝቢ ኣምላኽ ኵላትና ማዕረ ምዃንና ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ኣሕዲሮም እዮም።”

a ዘ ጎልደን ኤጅ፡ ብ1937 ኮንሶሌሽን፡ ብ1946 ንቕሑ! ዚብል ስም ተዋሂብዋ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ