ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 ሓምለ ገጽ 31
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እምነቶም ከቢድ ፈተና ኣሕሊፋ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንምስጢር እታ ዓባይ ኦም ምቕላዕ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ኣይሰገዱን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 ሓምለ ገጽ 31

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ዑናታት ጥንታዊት ባቢሎን እተረኽበ ሕጡባትን ኣሰራርሓኡን ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚድግፍ ብኸመይ እዩ፧

ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ነታ ኸተማ ንምስራሕ ዘገልገለ ሓያሎ ሕጡባት ብፍሕረት ረኺቦም እዮም። ብመሰረት እቲ ሮበርት ኮልደቫይ ዚብሃል ተመራማሪ ስነ ጥንቲ፡ እዚ ሕጡባት እዚ ኣብቲ “ጽቡቕ ካይላን ከም ነዳዲ ዀይኑ ዘገልግል እኹል ዕንጨይትን ዚርከበሉ ወጻኢ እታ ኸተማ” ዝነበረ እቶናት እዩ ዚስራሕ ነይሩ።

ሰበ ስልጣን ባቢሎን ንእቶናቶም፡ ንኽፉእ ዕላማ ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ናይ ጥንቲ መዛግብቲ ይሕብር እዩ። ፖል-ኣላን ቦልዩ ዚብሃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ፕሮፌሰር ስነ ኣሶር ኰይኑ ዜገልግል ምሁር፡ “ብዕልወትን ቅዱስ ነገር ብምርካስን ገበነኛታት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ብትእዛዝ ንጉስ ይቃጸሉ ምንባሮም ገሊኡ ናይ ባቢሎን ምንጭታት . . . መዝጊቡ ኣሎ” ይብል። ብተወሳኺ፡ ብዘመን ንጉስ ነቡካድነጻር እተጻሕፈ ጽሑፍ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ሒዙ ኣሎ፦ “ኣጥፍእዎም፡ ኣንድድዎም፡ ኣቃጽልዎም፡ . . . ናብ እቶን ደርብይዎም፡ . . . ትኮም ዒግ ይበል፡ ብሃልሃልታ ሓዊ ሃምዅዎም።”

እዚ ነገራት እዚ ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 3 ተመዝጊቡ ዚርከብ ዛንታ እዩ ዜዘኻኽሮም። ብመሰረት እቲ ታሪኻዊ መዝገብ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ጐልጐል ዱራ፡ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ባቢሎን ገዚፍ ምስሊ ወርቂ ኣቘመ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብሃሉ ሰለስተ እብራውያን ግና ነቲ ምስሊ ምስጋድ ኣበዩ። ሽዑ፡ ነቡካድነጻር በዚ ነደረ፣ ስለዚ፡ ነቲ እቶን “ካብቲ ልሙድ ሸውዓተ ዕጽፊ ዝረሰነ ገይሮም ኬጕህርዎ” ኣዘዘ። እቶም ሰለስተ ሰባት ድማ፡ “ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ . . . ተደርበዩ።” ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሓያል መልኣኽ ካብ ሞት ኣድሓኖም።—ዳን. 3:1-6, 19-28።

© The Trustees of the British Museum. Licensed under CC BY-NC-SA 4.0. Source

A baked brick with Nebuchadnezzar’s name stamped on it

ሕጡባት ባቢሎን እውን ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ዛንታ ይድግፎ እዩ። ሓያሎ ኻብቲ ሕጡባት ንንጉስ ዚውድስ ቃላት እተቐርጾ ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ጽሑፋት ከምዚ ዚስዕብ ይንበብ፦ “ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን . . . እቲ ዝሃነጽክዎ መንበሪ ግርማይ ዝዀነ ቤተ መንግስቲ . . . ዘርአይ ኣብኡ ንዘለኣለም ይግዝኡ።” እዚ ጽሑፍ እዚ ምስቲ ኣብ ዳንኤል 4:30 ዚርከብ ነቡካድነጻር ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ እተጃህረሉ ቓላት ይመሳሰል እዩ፦ “እዚኣስ እታ ቤተ መንግስተይ ክትከውን፡ ንኽብሪ ግርማይ ኢለ ብገዛእ ብርታዐይን ሓይለይን ዝሃነጽክዋ ዓባይ ባቢሎን ደይኰነትን፧”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ