ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 ጥቅምቲ ገጽ 12-17
  • ‘ኬበርትዓካ እዩ’—ብኸመይ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ኬበርትዓካ እዩ’—ብኸመይ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ጸሎትን መጽናዕትን ብርታዐ ርኸብ
  • ካብ ክርስትያናት ብጾትካ ብርታዐ ርኸብ
  • ካብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ ብርታዐ ርኸብ
  • ካብ ጌጋታቱ ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ ጌጋታቱ ተማህረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ዮናስ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ይመሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮም ጌርካ ኽትርእዮም ጽዓር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 ጥቅምቲ ገጽ 12-17

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 43

‘ኬበርትዓካ እዩ’—ብኸመይ፧

“[የሆዋ] ኼጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን ኪስርተኩምን እዩ።”—1 ጴጥ. 5:10።

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

መላለዪa

1. ጥንቲ ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ብርቱዓት ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ቃል ኣምላኽ ንእሙናት ሰባት፡ ሓያላት ከም ዝዀኑ ገይሩ ይገልጾም እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ኣዝዮም ብርቱዓት ዘበሉ እኳ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ብርቱዓት ከም ዝዀኑ ዚስምዖም ዝነበረ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ‘ከም ከረን ድልዱል’ ከም ዝዀነ ኺስምዖ ኸሎ፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ግና ‘ተሸቢሩ’ እዩ። (መዝ. 30:7) ሲምሶን ድማ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኪረክብ ከሎ ኣመና ሓያል ይኸውን እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘይ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ሓይሊ ግና፡ “እደክም፡ ከም ኵሉ ሰብ እውን እኸውን” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ። (መሳ. 14:5, 6፣ 16:17) እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም ሳላ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸብዎ ሓይሊ እዮም ብርቱዓት ኪዀኑ ኽኢሎም።

2. ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምስ ዚደክም፡ ሽዑ ኸም ዚብርትዕ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ቈረንቶስ 12:9, 10)

2 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ካብ የሆዋ ሓይሊ ኸም ዜድልዮ ተኣሚኑ እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:9, 10 ኣንብብ።) ከም መብዛሕትና፡ ምስ ናይ ጥዕና ጸገማት ይቃለስ ነይሩ እዩ። (ገላ. 4:13, 14) ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ቅኑዕ ንምግባር ይቃለስ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 7:18, 19) ኣብ ገሊኡ እዋናት ከኣ ይጭነቕን ይሻቐልን ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 1:8, 9) ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ምስ ዚደክም፡ ሽዑ እዩ ዚብርትዕ ነይሩ። ብኸመይ፧ የሆዋ ንጳውሎስ፡ ነቲ ዝጐደሎ ሓይሊ ይህቦ ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣበርትዖ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 የሆዋ ንዓና እውን ከም ዜበርትዓና ቓል ኣትዩ ኣሎ። (1 ጴጥ. 5:10) እንተዀነ ግና፡ ብወገንና ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ኸይገበርና ኻብኡ ሓይሊ ኽንረክብ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ዚኸውን ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ሓደ ሞተር ንማኪና ናብ ቅድሚት ኬንቀሳቕሳ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እታ ማኪና ምእንቲ ኽትንቀሳቐስ እቲ ዘዋሪ ነቲ ኣክሰለሬተር ወይ መሕነን ኪረግጾ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ሓይሊ ኺህበና ድሉው እዩ፡ ካብኡ ኽንጥቀም እንተ ዄንና ግና፡ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና። እሞ ደኣ የሆዋ፡ እንታይ ኬበርትዓና ዚኽእል መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ፧ ነቲ ሓይሊ ንምርካብከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ንዚርከቡ ሰለስተ ሰባት የሆዋ ብኸመይ ከም ዘበርተዖም ብምምርማር መልሲ እዚ ሕቶታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንምርምሮም ሰባት ነብዪ ዮናስን ማርያም ኣደ የሱስን ሃዋርያ ጳውሎስን እዮም። ብተወሳኺ እውን፡ የሆዋ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቱ ብተመሳሳሊ መገዲ ብኸመይ ከም ዘበርተዖም ክንርኢ ኢና።

ካብ ጸሎትን መጽናዕትን ብርታዐ ርኸብ

4. ብኸመይ ኢና ኻብ የሆዋ ሓይሊ ኽንረክብ እንኽእል፧

4 ሓደ ኻብቲ ኻብ የሆዋ ሓይሊ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ብጸሎት ናብኡ ብምቕራብ እዩ። የሆዋ ኸም ምላሽ ጸሎትና “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበና ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 4:7) ቃሉ ኸነንብብን ብዛዕባኡ ኸነስተንትን ከለና እውን ብርታዐ ንረክብ ኢና። (መዝ. 86:11) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ መልእኽቲ የሆዋ፡ “ዚዓዪ” ወይ “ሓያል” እዩ። (እብ. 4:12፡ እ.ጽ.) ናብ የሆዋ እንተ ጸሊኻን ቃሉ እንተ ኣንቢብካን ጸገማት ንምጽዋር፡ ሓጐስካ ንምዕቃብ፡ ወይ ኣጸጋሚ ዕዮ ንምፍጻም ዜኽእል ብርታዐ ኽትረክብ ኢኻ። ኣብዚ መዳይ እዚ የሆዋ ንነብዪ ዮናስ ብኸመይ ከም ዘበርትዖ እስከ ንርአ።

5. ነብዪ ዮናስ ብርታዐ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

5 ነብዪ ዮናስ ብርታዐ ኣድልይዎ ነበረ። ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ ኸቢድ ዕዮ ኺሃድም ጀሚሩ ነበረ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ማዕበል ህይወቱ ዀነ ህይወት እቶም ኣብታ መርከብ ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣተወ። ድሕርዚ፡ ናብ ባሕሪ ምስ ደርበይዎ ሓደ ዓብዪ ዓሳ ወሓጦ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ጸልማት ዝሰፈኖ ኸብዲ ዓሳ ኣተወ። እሞ ደኣ ሽዑ ዮናስ ከመይ እተሰምዖ ይመስለካ፧ ኣብኡ ኺመውት ድዩ ትጽቢት ገይሩ ነይሩ፧ የሆዋ ኸም ዝሓደጎ ይሓስብ ደዀን ነይሩ ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ ዮናስ ኣመና ተጨኒቑ ኪኸውን ኣለዎ።

ስእልታት፦ 1. ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ብጽኑዕ ይጽሊ። 2. ሓደ ሓው ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ብጽኑዕ ይጽሊ። ኣብ ጥቓኡ መጽሓፍ ቅዱስን ሞባይልን ኢርፎንን ኣሎ።

ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኸም ነብዪ ዮናስ ብርታዐ ኽንረክብ እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-9 ርአ)

6. ብመሰረት ዮናስ 2:1, 2, 7፡ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኸሎ እንታይ እዩ ኣበርቲዕዎ፧

6 እሞ ደኣ ዮናስ ኣብቲ በይኑ ተቓቒሩሉ ዝነበረ ኸብዲ ዓሳ ዀይኑ ብርታዐ ንምርካብ እንታይ ገበረ፧ ብቐዳምነት፡ ናብ የሆዋ ጸለየ። (ዮናስ 2:1, 2, 7 ኣንብብ።) ንየሆዋ እኳ እንተ ዘይተኣዘዞ፡ የሆዋ ነቲ ብትሕትናን ብንስሓን ዜቕርበሉ ጸሎት ከም ዚሰምዖ ርግጸኛ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ዮናስ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣስተንተነ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ኣብ ዮናስ ምዕራፍ 2 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸሎቱ፡ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ተመሳሳሊ ቓላትን ሓረጋትን ሒዙ ኣሎ። (ንኣብነት፡ ዮናስ 2:2, 5 ምስ መዝሙር 69:1፣ 86:7 ኣረኣኢ።) ዮናስ ነዚ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ እምበኣር ንጹር እዩ። ኣብ እዋን መከራኡ ብዛዕባ እዚ ስለ ዘስተንተነ ኸኣ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ኺተኣማመን ክኢሉ እዩ። ድሕርዚ፡ የሆዋ ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኦ፣ ዮናስ ከኣ ንዚቕጽል ዕዮኡ ንምቕባልን ንምፍጻምን ድሉው ኰነ።—ዮና. 2:10–3:4።

7-8. ኣብ ታይዋን ዚነብር ሓደ ሓው፡ ፈተናታት ኬጋጥሞ ኸሎ ሓይሊ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

7 እተፈላለየ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ እቲ ዮናስ ዝሓደጎ ኣብነት ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ታይዋን ዚነብር ጅሚንግb ዝስሙ ሓው ከቢድ ጸገማት ጥዕና ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነት ካብ ስድራ ቤቱ ሓይል ተቓውሞ የጋጥሞ እዩ። ብጸሎትን ብመጽናዕትን ኣቢሉ ግና ካብ የሆዋ ብርታዐ ይረክብ እዩ። ንሱ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓድሓደ ግዜ ጸገማት ኪልዓል ከሎ፡ እምብዛ ስለ ዝጭነቕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባር ዜኽእል ህድኣት ኣይህልወንን እዩ” ይብል። ኰይኑ ግና፡ ኣይተሓለለን። እንታይ ከም ዚገብር ኪገልጽ ከሎ፡ “ፈለማ ናብ የሆዋ እጽሊ፡ ድሕሪኡ ብኢርፎን ገይረ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ እሰምዕ። ሓድሓደ ግዜ እውን፡ ክሳዕ ዝሃድእ ብትሑት ደሃይ እዝምር እየ። ድሕሪኡ መጽናዕተይ እጅምር” ይብል።

8 ብሕታዊ መጽናዕቲ ንጅሚንግ ብዘይተጸበዮ መገድታት ኣበርቲዕዎ እዩ። ንኣብነት፡ ከቢድ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ መጠን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደሙ ስለ ዝወረደ፡ ደም ኪወስድ ከም ዜድልዮ ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ነገረቶ። ኣብታ ድሮ እታ መጥባሕቲ ዝገበረላ ምሸት ግና፡ ጅሚንግ ተመሳሳሊ መጥባሕቲ ብዛዕባ ዝገበረት ሓብቲ ኣንቢቡ ነበረ። መጠን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እታ ሓብቲ ኻብቲ ናቱ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ነበረ፣ እንተዀነ ግና፡ እታ ሓብቲ ደም ከይወሰደት ሓወየት። እቲ ተመክሮ እቲ ድማ ንጅሚንግ እሙን ኪኸውን ኣበርትዖ።

9. ሓደ ፈተና ንሓይልኻ እንተ ኣድኪምዎ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

9 ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ እምብዛ ኻብ ምጭናቕካ እተላዕለ ኣብ ጸሎት እንታይ ከም እትብል ይጠፍኣካዶ፧ ወይ ድማ መጽናዕቲ ንምግባር ሓይሊ ትስእንዶ፧ የሆዋ ንዅነታትካ ኣጸቢቑ ኸም ዚርድኦ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ዋላ እውን ቀሊል ጸሎት እንተ ኣቕረብካ፡ ብልክዕ ዜድልየካ ዘበለ ኸም ዚህበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ኤፌ. 3:20) ብሰንኪ ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ስቓይ ከተንብብ ወይ ከተጽንዕ እንተ ዘይክኢልካ፡ ቅዳሓት ኣውድዮ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ jw.org ዚርከብ መዝሙራትና ምስማዕ ወይ ቪድዮታትና ምርኣይ እውን ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ናብ የሆዋ ብምጽላይን ካብቲ ንሱ ዘዳለዎ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ድማ መልሲ ብምድላይን ብርታዐ ኺህበካ ኢኻ እትልምኖ ዘለኻ።

ካብ ክርስትያናት ብጾትካ ብርታዐ ርኸብ

10. ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኸመይ እዮም ዜበርትዑና፧

10 የሆዋ ብክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቢሉ ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ። ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ወይ ሓደ ኸቢድ ዕዮ ንምፍጻም ክንቃለስ ከለና፡ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ኪዀኑና ይኽእሉ እዮም። (ቈሎ. 4:10, 11) ምናዳ ኣብ “ግዜ ጭንቂ” ፈተውቲ የድልዩና እዮም። (ምሳ. 17:17) ክንደክም ከለና፡ ክርስትያናት ብጾትና ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ኪሕግዙና ይኽእሉ እዮም። ማርያም ኣደ የሱስ ብኸመይ ካብ ካልኦት ብርታዐ ኸም ዝረኸበት እስከ ንርአ።

11. ማርያም ብርታዐ ዘድለያ ስለምንታይ እዩ፧

11 ማርያም ብርታዐ ኣድልይዋ ነበረ። መልኣኽ ገብርኤል ከቢድ ሓላፍነት ምስ ሃባ ኸመይ ከም እተሰምዓ እሞ ገምቶ። ገና ኣይተመርዓወትን ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ክትጠንስ ምዃና ተነግራ። ቅድሚኡ ውሉድ ኣዕብያ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ ምስ ዓበየ መሲሕ ዚኸውን ወዲ ተኸናኺና ኸተዕብዮ ነበራ። ጾታዊ ርክብ ገይራ ዘይትፈልጥ ብምንባራ እውን፡ ነዚ ዅሉ ነቲ ሕጹያ ዝነበረ ዮሴፍ ብኸመይ ከም እትገልጸሉ ተጸጊማ ኽትከውን ኣለዋ።—ሉቃ. 1:26-33።

12. ብመሰረት ሉቃስ 1:39-45፡ ብኸመይ እያ ማርያም ዜድልያ ብርታዐ ዝረኸበት፧

12 እሞ ደኣ ማርያም ነዚ ፍልይ ዝበለ ኸቢድ ሓላፍነት ንምፍጻም ብኸመይ እያ ብርታዐ ዝረኸበት፧ ካብ ካልኦት ሓገዝ ደለየት። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ እተዋህባ ሓላፍነት ተወሳኺ ሓበሬታ ምእንቲ ኺህባ ንገብርኤል ሓተተቶ። (ሉቃ. 1:34) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ፡ ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ንምብጻሕ ናብ “ከበሳ ይሁዳ” ከደት። እቲ ምብጻሕ እቲ ብዙሕ እዩ ጠቒምዋ። ኤልሳቤጥ ንማርያም ነኣደታ፡ ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይተወልደ ወዲ ማርያም ዜተባብዕ ትንቢት ተነበየት። (ሉቃስ 1:39-45 ኣንብብ።) ድሕርዚ ማርያም፡ “[የሆዋ] ብቕልጽሙ ሓያል ግብርታት ገይሩ” በለት። (ሉቃ. 1:46-51) እወ፡ የሆዋ ብገብርኤልን ብኤልሳቤጥን ኣቢሉ ንማርያም ኣበርትዓ።

13. ሓንቲ ኣብ ቦሊቭያ እትነብር ሓብቲ፡ ካብ ክርስትያናት ብጾታ ሓገዝ ምስ ሓተተት እንታይ እያ ዝረኸበት፧

13 ንስኻ እውን ከም ማርያም፡ ካብ ክርስትያናት ብጾትካ ብርታዐ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቦሊቭያ እትነብር ዳሱሪ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ዝበለ ብርታዐ ኣድልይዋ ነበረ። ኣቦኣ ዘይምሕር ሕማም ከም ዘለዎ ምስ ተፈልጠ እሞ ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ፡ ንዕኡ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ተሰከመት። (1 ጢሞ. 5:4) እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዙሕ ግዜ፡ ክቕጽል ዘይክእል ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ” ትብል። እሞ ደኣ ሓገዝዶ ሓቲታ፧ ኣብ ፈለማ ኣይሓተተትን። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ንኣሕዋት ኬሸግሮም ኣይደለኹን። ‘ዜድልየኒ ሓገዝ ዚህበኒ የሆዋ እዩ’ ኢለ እሓስብ ነይረ። እንተዀነ ግና፡ ገዛእ ርእሰይ ብምፍላየይ፡ ንጸገመይ በይነይ እየ ኽፈትሖ ዝጽዕር ነይረ” ትብል። (ምሳ. 18:1) ድሕርዚ ግና፡ ዳሱሪ ንእተወሰኑ ፈተውታ ብዛዕባ እቲ ዅነታታ ኽትጽሕፈሎም ወሰነት። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዘጋጠመ ድማ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “እቶም ፍቑራት ክርስትያናት ብጾተይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘበርትዑኒ ብቓላት ክገልጾ ዝኽእል ኣይኰነን። ናብ ሆስፒታል ምግቢ ሒዞምለይ ይመጹ፡ ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን የካፍሉኒ ነይሮም። በይንና ኸም ዘይኰንና ምፍላጥ፡ ብሓቂ ዜደንቕ ስምዒት እዩ ዚፈጥረልካ። ኣባላት እቲ ዓብዪ ስድራ ቤት የሆዋ ኢና፣ እዞም ስድራና ኸኣ ኪድግፉና፡ ምሳና ሓቢሮም ኪበኽዩ፡ ምሳና እውን ሓቢሮም ኪቃለሱ ድሉዋት እዮም።”

14. ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ክንቅበል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 የሆዋ ብሽማግለታት ኣቢሉ እውን ሓይሊ ይህበና እዩ። ንሽማግለታት ከም ውህበት ገይሩ እዩ ሂቡና። ብኣታቶም ኣቢሉ እውን ብርታዐን ዕረፍትን ይህበና እዩ። (ኢሳ. 32:1, 2) ስለዚ፡ ክትጭነቕ ከለኻ፡ እቲ ዘተሓሳሰበካ ጕዳይ ንሽማግለታት ንገሮም። ነቲ ዚህቡኻ ሓገዝ ብምስጋና ተቐበል። የሆዋ ብኣታቶም ኣቢሉ ኼበርትዓካ ይኽእል እዩ።

ካብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ ብርታዐ ርኸብ

15. ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

15 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋና ብርታዐ ኺህበና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 4:3, 18-20) ከም ክርስትያናት መጠን፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ወይ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣሎና። እዚ ተስፋና ድማ ፈተናታት ንምጽዋር፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ፡ ኣብ ጉባኤ ንዚውሃበና እተፈላለየ ሓላፍነታት ንምፍጻም የበርትዓና እዩ። (1 ተሰ. 1:3) እዚ ተስፋ እዚ ንሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣበርቲዕዎ እዩ።

16. ሃዋርያ ጳውሎስ ብርታዐ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

16 ጳውሎስ ብርታዐ ኣድልይዎ ነበረ። ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ንርእሱ ምስ ተሰባሪት ስርሓት ካይላ እዩ ኣመሳሲልዋ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ “ንጽቀጥ፡” “እንገብሮ ይጠፍኣና፡” “ንስጐጕ፡” “ተወቒዕና ንወድቕ” ኢሉ ኣሎ። ህይወቱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 4:8-10) ጳውሎስ ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ እዩ ጽሒፍዎ። ነዚ ቓላት ድሕሪ ምጽሓፉ እውን እንተ ዀነ፡ ካልእ ጸገማት ኣጓኒፍዎ እዩ። ኣደዳ ናዕብን ማእሰርትን ምስባር መርከብን ኰይኑ እዩ።

17. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 4:16-18፡ ጳውሎስ ፈተናታት ንምጽዋር ብርታዐ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

17 ጳውሎስ ኣብ ተስፋኡ ብምትኳር ጸገማቱ ንምጽዋር ዜኽእል ብርታዐ ረኸበ። (2 ቈረንቶስ 4:16-18 ኣንብብ።) ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ ኣካላዊ ሰብነቱ እኳ እንተ “ማህመነ፡” በዚ ተስፋ ኸም ዘይቈርጽ ነገሮም። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መጻኢ ኣተኰረ። ነቲ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኡ፡ “እናዓበየ ዚኸይድ ናይ ዘለኣለም ክብሪ” ኢሉ እዩ ገሊጽዎ፣ ንዕኡ ንምርካብ ዜሕልፎ ጸበባ እውን ከም ዘየጣዕሶ ገለጸ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ተስፋ የስተንትን ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ “መዓልቲ መዓልቲ ይሕደስ” ነበረ።

18. ቲሆሚርን ስድራ ቤቱን ካብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ተስፋ ብኸመይ እዮም ብርታዐ ረኺቦም፧

18 ኣብ ቡልጋርያ ዚነብር ቲሆሚር ዝስሙ ሓው ካብ ተስፋኡ ብርታዐ ረኺቡ እዩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ስትራቭኮ ዝስሙ ንእሽቶ ሓዉ ብሓደጋ ሞተ። ቲሆሚር ከኣ ድሕርዚ ንእተወሰነ እዋን ብርቱዕ ሓዘን ነበሮ። ንሱን ስድራ ቤቱን ንሓዘኖም ምእንቲ ኪኽእልዎ ትንሳኤ ኸመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብኣእምሮኦም ኪስእሉ ጀመሩ። ቲሆሚር ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ንኣብነት፡ ንስትራቭኮ ኣበይ ከም እንረኽቦ፡ ምስኡ እንታይ ምግቢ ኸም እንበልዕ፡ ንሱ ምስ ተንስአ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምትእኽኻብ ንመን ከም እንዕድም፡ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ እንታይ ከም እንነግሮ ተመያይጥና ኢና።” እቶም ስድራ ቤት በዚ ኸምዚ ኣብ መጻኢ ብምትኳሮም፡ ንሓዘኖም ኪጾርዎ፡ ነቲ ሓዉ ዚትንስኣሉ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ እውን ብትዕግስቲ ኺጽበይዎ ኸም ዝሓገዞም ቲሆሚር ገሊጹ ኣሎ።

ሓንቲ ጸማም ሓብቲ፡ “ዘ ኒው ዎርልድ ቱ ካም” ዘርእስታ ሙዚቃዊት ቪድዮ ብቛንቋ ምልክት ትርኢ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወት ከመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል እውን ተስተንትን። ምስ ካልኦት ሙዚቀኛታት ሓቢራ ቸሎ ኽትጻወት ከላ ብኣእምሮኣ ትስእል።

ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዚህልወካ ኢኻ ብኣእምሮኻ እትስእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)c

19. ተስፋኻ ንምድልዳል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

19 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ተስፋኻ ኸተደልድል እትኽእል፧ ንኣብነት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ገነት ዚገልጽ ሓሳባት ኣንብቦን ኣስተንትነሉን። (ኢሳ. 25:8፣ 32:16-18) ህይወት ኣብ ሓዳስ ዓለም ከመይ ከም ዚመስል ሕሰብ። ኣብኡ ኸም ዝኣቶኻ ጌርካ ብኣእምሮኻ ስኣል። እሞ ደኣ ኣብኡ ንመን ትርኢ ኣለኻ፧ እንታይ ደሃያትከ ትሰምዕ ኣለኻ፧ እዚኸ እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ፧ ነዚ ብኣእምሮኻ ምእንቲ ኽትስእሎ፡ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ብዛዕባ ገነት ዚገልጽ ስእልታት ርአ፡ ወይ ከም ኪሰፍን’ዩ ሰላም!፡ ዘ ኒው ዎርልድ ቱ ካም፡ ኢማጅን ዘ ታይም ዝኣመሰለ ሙዚቃዊ ቪድዮ ርአ። ተስፋ ሓዳስ ዓለም ኣብ ኣእምሮና ንጹር እንተ ዀይኑልና፡ ጸገማትና “ቐልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን” እዩ ዚኸውን። (2 ቈረ. 4:17) በቲ የሆዋ ዚህበካ ተስፋ ኣቢልካ ብርቱዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

20. ድኻም ኪስምዓና ኸሎ እኳ፡ ብኸመይ ኢና ኽንሕይል እንኽእል፧

20 ድኻም ኪስምዓና ኸሎ እኳ፡ “ብኣምላኽ ክንሕይል ኢና።” (መዝ. 108:13) የሆዋ ኻብኡ ብርታዐ ኽትረክብ ዜኽእለካ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ዕዮኻ ንምፍጻም፡ ፈተና ንምጽዋር፡ ወይ ሓጐስካ ንምዕቃብ ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፡ ናብ የሆዋ ኻብ ልቢ ጸሊ፡ ብብሕታዊ መጽናዕቲ ኣቢልካ እውን ካብኡ መምርሒ ድለ። ካብ ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን መተባብዒ ተቐበል። ንተስፋኻ ድማ ንጹርን ብሩህን ግበሮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽትጻወር፡ ከምቲ ኽቡር ሓይሊ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሊ ኽትብርትዕ ኢኻ።’—ቈሎ. 1:11።

ብኸመይ ኢኻ ኻብዚ ዚስዕብ ብርታዐ ኽትረክብ እትኽእል፧

  • ካብ መጽናዕትን ጸሎትን

  • ካብ ክርስትያናት ብጾት

  • ካብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ

መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም ፈተና ዝኸበዶም ወይ ነቶም ዕዮኦም ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኑ እተሰምዖም ሰባት ንምሕጋዝ እያ ተዳልያ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዜበርትዓናን ሓገዙ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን ክንምሃር ኢና።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

c መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ጸማም ሓብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተተስፈወ ተስፋታት ተስተንትን፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወታ ኸመይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብኣእምሮኣ ንምስኣል ድማ ሙዚቃዊ ቪድዮ ትርኢ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ