ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w23 ታሕሳስ ገጽ 14-17
  • በቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣረኣእያ ተመራሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣረኣእያ ተመራሕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንውሽጣዊ ድራኸኻን ንልማዳትካን መርምሮ
  • ክርስትያናት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ሚዛናዊ ኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንመጠን እትሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
w23 ታሕሳስ ገጽ 14-17
ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ቤት ምግቢ ይምገቡ። ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ኣልኮል ዘይብሉ መስተ ይሰቲ፡ እቶም ክልተ ግና ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ። ሓንቲ ኣሳሳዪት፡ እንታይ ከም ዚሰትዩ ትእዛዝ ትቕበሎም። እቲ ኣልኮል ዘይብሉ መስተ ዚሰቲ ሓው፡ ብትሕትና ኸም ዘይደሊ ይገልጸላ፣ እቲ ሓደ ሓው ግና ኣልኮላዊ መስተ ኽትውስኾ ይእዝዛ።

በቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎ ኣረኣእያ ተመራሕ

ነቲ የሆዋ ዝሃበካ እተፈላለየ ውህበታት፡ እንተላይ ነቲ ንውህበታትካ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ንምውሳን ዜኽእለካ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮ ኣየጠራጥርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንወይኒ፡ ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህበና ውህበት ገይሩ እዩ ዚገልጾ፣ “እንጌራ ንሰሓቕ ይግበር፣ ወይኒ ድማ ንህይወት እተሐጕስ ይገብራ” ይብል እዩ። (መክ. 10:19፣ መዝ. 104:15) ገሊኦም ሰባት ግና ናይ ኣልኮላዊ መስተ ጸገም ከም ዘለዎም ኣስተብሂልካ ትኸውን። ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለምን ኣብ እተፈላለየ ባህልታትን በበይኑ ርእይቶታትን መለክዒታትን እዩ ዘሎ። እሞ ደኣ ብኸመይ እዮም ክርስትያናት ጥበባዊ ውሳነታት ኪገብሩ ዚኽእሉ፧

እንነብረሉ ዓዲ ወይ ዝዓበናሉ ባህሊ ብዘየገድስ፡ ሓሳባትናን ውሳነታትናን ብኣረኣእያ ኣምላኽ ከም ዚምራሕ እንተ ጌርና፡ ብርግጽ ንጥቀም ኢና፣ ነባሪ ረብሓ እውን ንረክብ ኢና።

ከም እትፈልጦ፡ ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብተደጋጋምን ብብዝሕን ይሰትዩ እዮም። ገሊኦም ፍዅስ ምእንቲ ኺብሎም ኢሎም እዮም መስተ ዚሰትዩ። ገሊኦም ከኣ ካብቲ ጸገማቶም ዜስዕበሎም ጭንቀት ኬምልጡ ኢሎም እዮም መስተ ዚሰትዩ። ኣብ ገሊኡ ዓድታት ድማ፡ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ከም መለክዒ ስብእነት ጌርካ እዩ ዚርአ።

ንክርስትያናት ግና ካብቲ ፈቃር ፈጣሪኦም እተዋህቦም ጥበባዊ መምርሒ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ብዝሒ መስተ እንታይ ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዚህልዎ ሓቢሩና እዩ። ኣብ ምሳሌ 23:29-35፡ ሰኽራም ከመይ ከም ዚኸውንን እንታይ ጸገማት ከም ዜጋጥሞን ንጹር መግለጺ ተዋሂቡ ኣሎ።a ኣብ ኤውሮጳ ዚነብር ዳንየል ዝስሙ ክርስትያን ሽማግለ ናይ ሓቂ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ህይወቱ ኸመይ ከም ዝነበረ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብሰንኪ ምብዛሕ መስተ ሕማቕ ውሳነታት ገይረ፡ ብዙሕ መከራ እውን ኣሕሊፈ እየ። እዚ ድማ ብስምዒታዊ መዳይ ኣቝሲሉኒ እዩ” ይብል።

እሞ ደኣ ክርስትያናት በቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ተጠቒሞም ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ኻብ ዜስዕቦ ጸገማት ብኸመይ እዮም ኪስተሩ ዚኽእሉ፧ እቲ ወሳኒ ነገር፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ ንኣተሓሳስባኦምን ንተግባራቶምን ኪመርሖ ምፍቃድ እዩ።

እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተን ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ንምስታይ ዜለዓዕሎም ድራኸን እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ

ቃል ኣምላኽ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ኣይክልክልን እዩ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ወይኒ ምስታይ ባህ ዜብል ኪኸውን ከም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። “ኪድ ምግብኻ ተሓጒስካ ብላዕ፡ ወይንኻ እውን ብሕጉስ ልቢ ስተ” ዚብል ነንብብ ኢና። (መክ. 9:7) የሱስ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ወይኒ ሰትዩ እዩ፣ ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከምኡ ገይሮም እዮም።—ማቴ. 26:27-29፣ ሉቃ. 7:34፣ 1 ጢሞ. 5:23።

እንተዀነ ግና፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ብመጠኑ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ኣብ መንጎ ስኽራንን ንጹር ፍልልይ እዩ ዚገብር። ስለዚ፡ ብንጹር “ብወይኒ ኣይትስከሩ” ይብለና እዩ። (ኤፌ. 5:18) “ሰኽራማት . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” እውን ይብል እዩ። (1 ቈረ. 6:10) እወ፡ የሆዋ ንምብዛሕ መስተን ንስኽራንን ብጽኑዕ ይዅንኖ እዩ። ስለዚ፡ ስቕ ኢልና ብባህልና ኣብ ክንዲ እንምራሕ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ኢና ኽንምራሕ ዘሎና።

ገሊኦም ሰባት ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ እኳ እንተ ሰተዩ ኸም ዘይሰኽሩ ይስምዖም እዩ። እዚ ግና ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። “ንብዙሕ ወይኒ ባሮት” ምዃን ብስነ ምግባራዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣንፈትና ኼስሕተና ኸም ዚኽእል ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (ቲቶ. 2:3፣ ምሳ. 20:1) የሱስ፡ “ምብዛሕ መስተ” ንገሊኦም ሰባት ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ከይኣትዉ ዕንቅፋት ኪዀኖም ከም ዚኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ። (ሉቃ. 21:34-36) እሞ ደኣ ሓደ ክርስትያን ካብቲ ምስ ኣልኮላዊ መስተ እተተሓሓዘ ሓደጋታት ንምርሓቕ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ንውሽጣዊ ድራኸኻን ንልማዳትካን መርምሮ

ብዛዕባ መሰተ ዘሎና ኣረኣእያ በቲ ዝዓበናሉ ባህሊ ኺጽሎ ምፍቃድ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ንምግብን ንመስተን ብዚምልከት ንየሆዋ ባህ ዜብሎ እዮም ኪገብሩ ዚጽዕሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ የዘኻኽረና እዩ። (1 ቈረ. 10:31) እምበኣር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታትን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ግምት ከነእትዎ ኣሎና።

ምስ ካልኦት ክመሳሰል ኢለ ኣልኮላዊ መስተ እሰቲ ድየ፧ ዘጸኣት 23:2፡ “ደድሕሪ ብዙሓት ኣይትስዓብ” ትብል። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ደድሕሪ እቶም ንዕኡ ባህ ዘየብልዎ ሰባት ከይስዕቡ እዩ ኣጠንቂቕዎም። እቲ ምዕዶ እቲ፡ ሎሚ እውን ንክርስትያናት ይዓዪ እዩ። ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዘሎና ኣተሓሳስባን እንገብሮ ውሳነታትን ብመዋዕልትና ኺጽሎ እንተ ፈቒድና፡ ካብ የሆዋን ካብ መለክዒታቱን ክንርሕቕ ኢና።—ሮሜ 12:2።

ስብእነተይ ንምርኣይ ኣልኮላዊ መስተ እሰቲ ድየ፧ ኣብ ገሊኡ ባህልታት ብተደጋጋሚ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ልሙድን ቅቡልን እዩ። (1 ጴጥ. 4:3) ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:13 ዚርከብ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ግና፡ “ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ” ይብለና። እሞ ደኣ ኣልኮላዊ መስተስ ሰብኣይ ይገብር ድዩ፧ ኣይፋልን፡ ብኣንጻሩ እዩ ዚገብር። ኣልኮላዊ መስተ ንናይ ምሕሳብ ክእለትናን ንተግባራትናን ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብዙሕ መስተ ምስታይ ናይ ስብእነት መለክዒ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ድኹም ኸም ዝዀንካ እዩ ዜርኢ። ኣብ ኢሳይያስ 28:7፡ ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ ሰብ፡ ሰንከልከል ከም ዚብልን ከም ዚስሕትን ተገሊጹ ኣሎ።

ናይ ሓቂ ስብእነት ካብ የሆዋ እዩ ዚርከብ። እዚ ድማ ንቑሕ ምዃንን፡ ኣብ እምነት ምጽናዕን የጠቓልል። (መዝ. 18:32) ሓደ ቕኑዕ ክርስትያን ብንቕሓት ብምምልላስ፡ ገዛእ ርእሱ ኻብ መንፈሳዊ ሓደጋታት ንምዕቋብ ከኣ ወሳኒ ስጕምቲ ብምውሳድ እዩ ኸምኡ ዚገብር። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ብርታዐ ኣርእዩ እዩ። ብዙሓት ድማ ብሓቂ ጽኑዕን ተባዕን ሰብኣይ ብምዃኑ ኣኽቢሮምዎ እዮም።

ንኣልኮላዊ መስተ ኻብ ጸገማተይ ንምህዳም እጥቀመሉ ድየ፧ ሓደ ዘማሪ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ [የሆዋ] ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 94:19) ጸገማት እንተ ኸቢዱካ፡ ካብ ኣልኮላዊ መስተ ዘይኰነስ፡ ካብ የሆዋ እፎይታ ድለ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽትገብረሉ እትኽእል ውጽኢታዊ መገዲ፡ ብተደጋጋሚ ናብ የሆዋ ብምጽላይ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጉባኤ ኻብ ዚርከብ ብሱል ፈታዊ ማዕዳ ምድላይ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ከም ሓቂ፡ ካብ ጸገማትካ ንምምላጥ ኢልካ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ፡ ንስነ ምግባራዊ መከላኸሊናን ነቲ ቕኑዕ ንምግባር ዘሎና ቘራጽነትን ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። (ሆሴ. 4:11) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዳንየል ከምዚ ብምባል ይእመን፦ “ምስ ጭንቀትን ስምዒት በደለኛነትን እቃለስ ነይረ እየ። ነቲ ዅነታት ምእንቲ ኽጻወሮ ኢለ እኳ እንተ ሰተኹ፡ ጸገማተይ ግና እናተዀመረ ኸይዱ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣዕሩኸይን ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ዝነበረኒ ኣኽብሮትን ስኢነ።” እሞ ደኣ ኣብ መወዳእታኡ ንዳንየል እንታይ ሓጊዝዎ፧ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ናብ ኣልኮላዊ መስተ ዘይኰነስ፡ ናብ የሆዋ ኽጽጋዕ ከም ዘሎኒ ተገንዚበ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ንጸገማተይ ክጻወሮን ክሰግሮን ክኢለ።” ከም ሓቂ፡ ኵነታትና ተስፋ ዘይብሉ እኳ እንተ መሰለ፡ የሆዋ ግና ወትሩ ንዓና ንምድጋፍ ድሉው እዩ።—ፊል. 4:6, 7፣ 1 ጴጥ. 5:7።

ሓንቲ ሓብቲ ናብ ኣልኮላዊ መስተ እናጠመተት ትሓስብ።

ሓድሓደ ግዜ ኣልኮላዊ መስተ ትሰቲ እንተ ዄንካ፡ በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ኽትግምግም ትኽእል ኢኻ፦ ‘ኣባል ስድራ ቤተይ ወይ ናይ ቀረባ ፈታውየይ፡ ኣሰታትያይ ከም ዜተሓሳስቦ ገሊጹዶ ይፈልጥ፧’ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ከይተፈለጠካ ልማድ ወይ ጸገም ተማዕብል ከም ዘለኻ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘ካብ ቀደመይ ብዝያዳ እሰቲዶ ኣለኹ፧’ እዚ ነገር እዚ፡ ናብ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ኺመርሕ ይኽእል እዩ። ‘ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ሒደት መዓልትታት ወይ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምጽናሕ ይኸብደኒ ድዩ፧’ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣልኮላዊ መስተ ልማድ ወይ ወልፊ ዀይኑካ ኣሎ ማለት እዩ። ነዚ ጸገም እዚ ንምስናፍ፡ ናይ ብዓል ሞያ ሓገዝ የድልየካ ይኸውን።

ገሊኦም ክርስትያናት ነቲ ምስ መስተ እተተሓሓዘ ሓደጋታት ወይ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ መስተ ኺሕረሙ ወሲኖም እዮም። ገሊኦም ከኣ ነቲ ጣዕሙ ስለ ዘይፈትውዎ፡ ኪሰትዩ ኣይደልዩን እዮም። ከምዚ ዓይነት ውሳነ ዝገበረ ሰብ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንውሳነኡ ብምኽባር ለውሃትካ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ።

ወይ ድማ ብብሕትኻ እተወሰነ ደረት ምግባር ጥበባዊ ዀይኑ ኺርኣየካ ይኽእል እዩ። ሓደ ክርስትያን ክንደይ ኪሰቲ ኸም ዘለዎ ደረት ይገብር ይኸውን። ወይ ድማ ክንደይ ሳዕ ኪሰቲ ኸም ዘለዎ፡ ንበል ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ወይ ብመጠኑ ኣብ መኣዲ ጥራይ ኪሰቲ ይውስን ይኸውን። ገሊኦም ከኣ እንታይ ዓይነት መስተ ኸም ዚሰትዩ ይመርጹ እዮም፣ ንኣብነት፡ ወይኒ ወይ ቢራ ብመጠኑ ዚሰትዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብርቱዕ ኣልኮላዊ መስተ ወይ እተሓዋወሰ መስተ ኣይሰትዩን እዮም። ሓደ ሰብ ብዛዕባ መስተ ንጹር ደረት እንተ ኣውጺኡ፡ ነዚ ንምሕላው ዝቐለለ እዩ ዝዀነሉ። ሓደ ብሱል ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ብምግባሩን ነዚ ውሳነታቱ ብጽኑዕ ዚሕልዎ ብምዃኑን ኪሓፍር የብሉን።

ካልእ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ነገር ከኣ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ምሕላይ እዩ። ሮሜ 14:21፡ “ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ገለ እኳ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ዝሓሸ እዩ” ትብል። እሞ ደኣ ነዚ ምኽሪ እዚ ብኸመይ ክትትግብሮ ትኽእል፧ ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣርኢ። ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይካ ዚዕንቀፍ ሰብ ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ፡ ብፍቕሪ ተላዒልካ መሰልካ ኽትሓድግዶ ኣይግብኣካን፧ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ጥቕምኻ ዘይኰነስ፡ ጥቕሚ ኻልኦት ብምድላይ፡ ንስምዒቶም ከም እትሓልን ከም እተኽብርን ከተርኢ ትኽእል።—1 ቈረ. 10:24።

ብዘይካዚ፡ መንግስቲ ዘውጽኦ ሕግታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ክርስትያን ድማ በዚ ኪቕየድ ይግባእ። እዚ ሕግታት እዚ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንምስታይ ወዲ ኽንደይ ዓመት ክትከውን ከም ዘሎካ ዚቕይድ፡ ወይ ከኣ ሰቲኻ ማኪና ምዝዋር ወይ ማሽን ምንቅስቓስ ዚኽልክል ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሮሜ 13:1-5።

የሆዋ በቲ ዝሃበና ሓያሎ ውህበታት ናይ ምጥቃም ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢሩና ኣሎ። እዚ ድማ ክንበልዕን ክንሰትን ከለና ናይ ምምራጽ ናጽነትና ምጥቃም የጠቓልል። እምበኣር፡ በቲ እንገብሮ ምርጫ ኣቢልና፡ ናጽነትና ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ባህ ንምባል ከም እንጥቀመሉ ነርኢ።

a ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማም፡ ብዙሕ መስተ ምስታይ ኣብ ሓጺር ግዜ ኻብ ዜስዕቦ ሳዕቤናት፡ ቅትለት፡ ርእሰ ቕትለት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ መጥቃዕቲ መጻምድቲ፡ ሓደገኛ ጾታዊ ጠባይ፡ ምንጻል ጥንሲ ኸም ዝዀነ ጠቒሱ ኣሎ።

ካልኦት ዚገብርዎ ውሳነታት

ኵሎም ክርስትያናት ሕደ ውሳነታት ኣይገብሩን እዮም። ገሊኦም ኣብ ግቡእ ኣጋጣሚታት ብመጠኑ ኣልኮላዊ መሰተ ኺሰትዩ ይውስኑ ይዀኑ። ገሊኦም ከኣ ኣልኮላዊ መስተ ይሕረሙ ይዀኑ። ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ ድማ፡ ገሊኦም ብሕታዊ ደረት ይገብሩ ይዀኑ። ንውሳነኦም ኪገልጹ ወይ መመኽነይታ ኬቕርቡ ግዴታ የብሎምን። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ከም ናትና ውሳነ እንተ ዘይገበርኩም ኢልካ ግዲ ኽንብሎም የብልናን። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጣሕሰ ድማ፡ ነቶም ካብ ናትና እተፈልየ ውሳነ ዚገብሩ ኽንኵንኖም የብልናን። (ሮሜ 14:1-6) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ሰላምን ሓድነትን ንምስፋን ከም ዚጽዕሩ ኽንርስዕ የብልናን።—ሮሜ 14:19።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ