ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ሰነ ገጽ 32
  • እምነት ኣላትካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነት ኣላትካዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ኣብ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም እትኣምን ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “እምነት ወስኸና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • እምነት—እተበርትዓና ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ብሓቂዶ ብወንጌል ትኣምን ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ሰነ ገጽ 32

ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ

እምነት ኣላትካዶ፧

ንየሆዋ ባህ ንምባል፡ እምነት ኪህልወና ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን” ይብል እዩ። (2 ተሰሎንቄ 3:2) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቶም “ጐዳእትን እኩያትን” ዝዀኑ ሰጐጕቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ብዛዕባ እምነት እተዛረቦ ቓላት ግና፡ ብዛዕባ ኻልኦት እውን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ንህልውና ፈጣሪ ዚድግፍ ንጹር መርትዖ ኣይቅበልዎን እዮም። (ሮሜ 1:20) ገሊኦም ከኣ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ኣካል ከም ዘሎ ዚኣምኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ በይኑ ግና ንየሆዋ ባህ ኣየብሎን እዩ።

የሆዋ ኸም ዘሎን ንዚደልይዎ “ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ክንኣምን ኣሎና። (እብ. 11:6) እምነት ሓንቲ ኻብ መዳያት ፍረ መንፈስ ቅዱስ እያ። መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ከኣ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ክንልምኖ ኣሎና። (ሉቃ. 11:9, 10, 13) ነቲ መንፈስ እቲ ኽንረኽበሉ እንኽእል ካልእ ኣገዳሲ መገዲ ድማ፡ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ብምንባብ እዩ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ኽንሓስብን ነቲ እተምሃርናዮ ንምትግባር ዚከኣለና ኽንጽዕርን ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ መንፈስ የሆዋ ንህይወትና ኺጸልዎ እሞ ንየሆዋ ባህ ዜብል እምነት ከነማዕብል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ