ዓንቀጽ መጽናዕቲ 33
መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን
ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ሓጥኣን ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ተንጸባርቖ፧
“ሓደ እኳ ዝሓጥአ እንተሎ፡ ኣብ ኣቦ ረዳኢ . . . ኣሎና።”—1 ዮሃ. 2:1።
ኣትኵሮ
ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ንሓደ ኸቢድ ኣበሳ ዝሓዘትሉ መገዲ እንረኽቦ ትምህርቲ።
1. የሆዋ ንዅሎም ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧
የሆዋ ንደቂ ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ነቲ ውህበት እቲ ኣዘውቲርካ ትጥቀመሉ ኢኻ። ሓደ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውሳነ፡ ርእሱ ንየሆዋ ንምውፋይን ክፍሊ እቶም ብኣምለኽቱ ዝቘመ ስድራ ቤት ንምዃንን ዚገብሮ ውሳነ እዩ። የሆዋ ንዅሎም ሰባት፡ ከምኡ ኺገብሩ እዩ ዚደልዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንሰባት የፍቅሮም እዩ፡ ጽቡቕ እውን እዩ ዚምነየሎም። ምስኡ ዕርክነት ኪምስርቱን ንዘለኣለም ኪነብሩን ይደልዮም እዩ።—ዘዳ. 30:19, 20፣ ገላ. 6:7, 8።
2. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዘይንስሑ ኣበስቲ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧ (1 ዮሃንስ 2:1)
2 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዋላ ሓደ ሰብ ብግዲ ኼገልግሎ ኣይደልን እዩ። የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እንታይ ከም ዚገብር ባዕሉ ኺውስን እዩ ዚደሊ። ሓደ ጥሙቕ ክርስትያን ከቢድ ሓጢኣት ብምፍጻም ሕጊ ኣምላኽ እንተ ጥሒሱ ደኣኸ፧ እንተ ዘይተነሲሑ፡ ካብ ጉባኤ ኺውገድ ኣለዎ። (1 ቈረ. 5:13) ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቲ ኣባሲ ኺምለስ እዩ ዚደልዮ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ዚንስሑ ዘበሉ ሓጥኣን በደሎም ምእንቲ ኺሕደገሎም ኢሉ እዩ ነቲ በጃ ኣዳልይዎ። (1 ዮሃንስ 2:1 ኣንብብ።) ስለዚ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ንኣበስቲ ኺንስሑ ምሕጽንታ የቕርበሎም እዩ።—ዘካ. 1:3፣ ሮሜ 2:4፣ ያእ. 4:8።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
3 የሆዋ ብዛዕባ ኣበሳን ብዛዕባ ኣበስትን ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንሕዝ እዩ ዚደልየና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምኡ ኽንገብር ብዛዕባ እንኽእለሉ መገዲ ኽንመያየጥ ኢና። እምበኣር፡ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸተንብባ ኸለኻ፡ (1) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝነበረት ጉባኤ እተገብረ ኸቢድ ኣበሳ ብኸመይ ከም እተታሕዘ፡ (2) እቲ ኣባሲ ምስ ተነስሐ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ መምርሒ ኸም ዝሃበ፡ (3) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ነገር ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ከም ዚሕብረና ኣስተብህል።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከቢድ ኣበሳ ብኸመይ ከም እተታሕዘ
4. ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ኵነታት እዩ ተፈጢሩ፧ (1 ቈረንቶስ 5:1, 2)
4 ቀዳማይ ቈረንቶስ 5:1, 2 ኣንብብ። ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ብዛዕባ እታ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ ቈረንቶስ ዚርብሽ ወረ ሰምዐ። ኣብታ ጉባኤ ዚርከብ ሓው ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ይምንዝር ነበረ። እዚ ተግባር እዚ ዜሰምብድ እዩ ነይሩ፣ ጳውሎስ ከኣ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ “ኣብ ኣህዛብ እኳ የልቦን” ኢሉ ኣሎ። እቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ ተግባሩ ዕሽሽ ኣብ ርእሲ ምባሎም፡ ብእኡ ይሕበኑ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት ገሊኦም፡ ኣምላኽ ንዘይፍጹማት ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዚምሕሮምን ከም ዚርድኣሎምን ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ግና ኣብ መንጎ ህዝቡ ንዚርከቡ ኣበስቲ ዕሽሽ ኣይብሎምን እዩ። እቲ ሰብኣይ እቲ ብንውርምናኡ ኣቢሉ ንጽቡቕ ስም እታ ጉባኤ እዩ ዜበላሹ ነይሩ። ምስኡ ንዚሓብሩ ኻልኦት ክርስትያናት እውን ኪጸልዎም ይኽእል ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ጳውሎስ ነታ ጉባኤ እንታይ ክትገብር እዩ መምርሒ ሂብዋ፧
5. ጳውሎስ ነቶም ጉባኤ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣዚዝዎም፧ እዚኸ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (1 ቈረንቶስ 5:13) (ስእሊ እውን ርአ።)
5 ቀዳማይ ቈረንቶስ 5:13 ኣንብብ። ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ ነቲ ዘይተነስሐ ሓጥእ ካብታ ጉባኤ ኼርሕቕዎ ወይ ኪውግድዎ እትእዝዝ መልእኽቲ ጸሓፈ። እሞ ደኣ እቶም እሙናት ክርስትያናት ነቲ ሓጥእ ብኸመይ እዮም ኪሕዝዎ ዚግባእ፧ ጳውሎስ፡ “[ምስኡ] ደጊም ከይትጽምበሩ” በሎም። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ምስ ከምዚ ዝበለ . . . ኸቶ ኸይትበልዑ” ኢሉ ኣብርሃሎም። (1 ቈረ. 5:11) ምስ ሓደ ሰብ ኣብ መኣዲ ምቕማጥ፡ ናብ ምቅርራብ ኪመርሕ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ እቶም ጉባኤ ምስቲ ሰብኣይ ኪቀራረቡ ኸም ዘይብሎም እዩ ጳውሎስ ሓቢርዎም። እዚ ድማ ነታ ጉባኤ ኻብቲ ዜበላሹ ጽልዋኡ ኼዕቍባ ዚኽእል እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 5:5-7) ብተወሳኺ፡ ነቲ ሰብ እቲ፡ ካብ መገድታት የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝረሓቐ ኼስተውዕል ስለ ዚሕግዞ፡ በዚ ሓፊሩ ናብ ንስሓ ኺምለስ ይለዓዓል ይኸውን።
ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ፡ ነቲ ዘይተነስሐ ሓጥእ ካብታ ጉባኤ ኼርሕቕዎ ወይ ኪውግድዎ እትእዝዝ መልእኽቲ ጸሓፈ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
6. መልእኽቲ ጳውሎስ ኣብታ ጉባኤ ዀነ ኣብቲ ኣባሲ እንታይ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ፧
6 ጳውሎስ ንመልእኽቱ ናብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ድሕሪ ምልኣኹ፡ እታ ጉባኤ ኸመይ ከም ዘላ ኺሓስብ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ፡ ቲቶስ ባህ ዜብል ወረ ሒዙሉ መጸ። እታ ጉባኤ ንመልእኽቲ ጳውሎስ ብጽቡቕ እያ ተቐቢላቶ። (2 ቈረ. 7:6, 7) መምርሒኡ እውን ስዒባ እያ። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ጳውሎስ መልእኽቱ ዝለኣኸሉ ግዜ ንደሓር ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ እቲ ኣባሲ ኻብ ሓጢኣቱ ተነስሐ። ኣካይዳኡን ኣረኣእያኡን ቀየረ፡ ቅኑዕ መለክዒታት የሆዋ እውን ኪስዕብ ጀመረ። (2 ቈረ. 7:8-11) እሞ ደኣ ጳውሎስ ድሕርዚ ነታ ጉባኤ እንታይ ክትገብር እዩ መምርሒ ሂብዋ፧
እታ ጉባኤ ነቲ እተነስሐ ሓጥእ ብኸመይ ክትሕዞ ኸም ዚግባእ
7. ነቲ ኣባሲ ኻብ ጉባኤ ምውጋድ እንታይ ጽቡቕ ፍረ እዩ ኣፍርዩ፧ (2 ቈረንቶስ 2:5-8)
7 ካልኣይ ቈረንቶስ 2:5-8 ኣንብብ። ጳውሎስ፡ “እቲ ኻብ መብዛሕትኹም እተዋህቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ” በለ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እቲ ተግሳጽ ዕላማኡ ወቒዑ እዩ። እቲ ዕላማ እቲኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ኣባሲ ናብ ንስሓ ንምብጻሕ እዩ ነይሩ።—እብ. 12:11።
8. ጳውሎስ ቀጺሉ ነቶም ጉባኤ እንታይ ኪገብሩ እዩ ደልይዎም፧
8 ስለዚ፡ ጳውሎስ ነቶም ጉባኤ፡ ነቲ እተጋገየ ሓው “ብለውሃት ይቕረ በሉሉን ኣጸናንዕዎን” ከምኡ ድማ፡ “ፍቕርኹም ከተረጋግጹሉ እምዕደኩም ኣለኹ” ኢሉ ተማሕጸኖም። ‘ናብ ህዝቢ የሆዋ ኺምለስ ፍቐዱሉ’ ጥራይ ኣይኰነን ዚብሎም ነይሩ። የግዳስ፡ ብቓሎምን ብግብሮምን ናይ ብሓቂ ይቕረ ኸም ዝበሉሉን ከም ዜፍቅርዎን ኬርእይዎ እዩ ደልይዎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብምምላሱ ኸም እተሓጐሱ ብንጹር ኬርእዩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።
9. ገሊኦም ነቲ እተነስሐ ኣባሲ ይቕረ ንምባል ዝኸበዶም ስለምንታይ እዩ፧
9 እሞ ደኣ ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ እተነስሐ ሓጥእ ምቕባል ከቢድዎምዶ ነይሩ፧ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እዚ ኣይሕብረናን እዩ፣ ከምኡ ግና ኣጋጢሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይሲ፡ ተግባራቱ ኣብታ ጉባኤ ሽግር ፈጢሩ ነይሩ እዩ፣ ንገሊኦም እውን ኣሕፊርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ገሊኦም ብስነ ምግባራዊ መዳይ ንጽህናኦም ሓልዮም ንምምልላስ ብዙሕ ቃልሲ ገይሮም ክነሶም፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ጽቡቕ ኣቀባብላ ምርካቡ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 15:28-30 ኣረኣኢ።) እንተዀነ ግና፡ እቶም ጉባኤ ነቲ ዚምለስ ሓው ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኼርእይዎ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ ነይሩ፧
10-11. እቶም ሽማግለታት ነቲ ዚንሳሕ ሓጥእ ይቕረ ምባል እንተ ዚኣብዩ ነይሮም፡ እንታይ ምዀነ፧
10 እቶም ሽማግለታት ነቲ ብሓቂ እተነስሐ ሰብኣይ ናብታ ጉባኤ ኺምለስ እንተ ዚኣብይዎ ነይሮም፡ ወይ ከኣ ምስ ተመልሰ ፍቕሮም እንተ ዘየርእይዎ ነይሮም፡ እንታይ ኪፍጠር ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ንሕሰቦ። “ብብዝሒ ጓሂ” ምተዋሕጠ ነይሩ። ተስፋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ምተሰምዖ ነይሩ። ምናልባት እውን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ንምዕራይ ዚገብሮ ጻዕርታት ምሓደጎ ነይሩ።
11 ዝገደደ ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ እተነስሐ ሓጥእ ይቕረ ምባል እንተ ዚኣብዩ ነይሮም፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኣብ ሓደጋ መእተውዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ከምኡ ምግባር፡ ነቲ የሆዋ ንዚንስሑ ኣበስቲ ዘለዎ ኣረኣእያ ዘይኰነስ፡ ንሕሰምን ንጭካነን ሰይጣን እዩ ዜንጸባርቕ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ድያብሎስ ንመንፈሳውነት እቲ ሰብኣይ ንምብልሻው ዚጥቀመሎም መሳርሒ ምዀኑ ነይሮም።—2 ቈረ. 2:10, 11፣ ኤፌ. 4:27።
12. እታ ጉባኤ ንየሆዋ ኽትመስሎ እትኽእል ዝነበረት ብኸመይ እያ፧
12 እሞ ደኣ ጉባኤ ቈረንቶስ ከመይ ገይራ እያ ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እትመስሎ፧ ኣብቲ ንዚንስሑ ሓጥኣን ዘለዋ ኣተሓሕዛ፡ ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ እያ ኸምኡ እትገብር። ገሊኦም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ከም ዝበሉ እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ዳዊት ንየሆዋ፡ “ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን” ኢልዎ ኣሎ። (መዝ. 86:5) ሚክያስ ከኣ፡ “ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ ስሕተት ዚሓድግ፡ ኣበሳ . . . ዚሓልፍ መን እዩ፧” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሚክ. 7:18) ኢሳይያስ ድማ፡ “እኩይ መገዱ፡ ክፉእ ከኣ ሓሳቡ ይሕደግ፣ ንሱ ብዙሕ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብቲ ዚምሕሮ የሆዋ፡ ናብ ኣምላኽና ይመለስ” ኢሉ ኣሎ።—ኢሳ. 55:7።
13. ንእተነስሐ ሓጥእ ናብ ጉባኤ ምምላስ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (“እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሰብኣይ መዓስ እዩ ተመሊሱ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
13 ጉባኤ ቈረንቶስ ንየሆዋ ምእንቲ ኺመስልዎ፡ ነቲ እተነስሐ ሰብኣይ ኪቕበልዎን ፍቕሮም ኬረጋግጹሉን ነይርዎም። ነቲ ጳውሎስ ንእተነስሐ ሓጥእ ኪቕበልዎ ዝሃቦም መምርሒ ብምስዓቦም ከኣ፡ “ብዅሉ ነገር እዙዛት” ምዃኖም እዮም ኣርእዮም። (2 ቈረ. 2:9) ልክዕ እዩ፡ እቲ ሓጥእ ካብ ዚውገድ ኣዋርሕ ጥራይ ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ተግሳጽ ግና ናብ ንስሓ ኣብጺሕዎ እዩ። ስለዚ፡ ናብ ጉባኤ ኸይተመልሰ ዚጸንሓሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት ኣይነበረን።
ፍትሕን ምሕረትን የሆዋ ምንጽብራቕ
14-15. ካብ ኣተሓሕዛ እቲ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ እተላዕለ ጕዳይ እንታይ ተማሂርና፧ (2 ጴጥሮስ 3:9) (ስእሊ እውን ርአ።)
14 ኣተሓሕዛ እቲ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ እተላዕለ ጕዳይ “ንትምህርትና” ተባሂሉ እዩ ተጻሒፉልና። (ሮሜ 15:4) ካብቲ ጸብጻብ እቲ፡ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ኸቢድ ሓጢኣት ስቕ ኢሉ ኸም ዘይርኢ ንምሃር ኢና። ዘይንስሑ ኣበስቲ “ብምሕረት” ኪትሓዙ እሞ ምስ እሙናት ኣምለኽቱ ኺሓብሩ ኸም ዘይደሊ ንጹር እዩ። የሆዋ መሓሪ እዩ፣ ንዅሉ ኣካይዳ ይቕበል እዩ ማለት ግና ኣይኰነን። ንመለክዒታቱ እውን ኣይልውጦን እዩ። (ይሁ. 4) ዘይንስሑ ሓጥኣን ኣብ ጉባኤ ኺጸንሑ እንተ ዚፈቅድ ነይሩ፡ እዚ ነገር እዚ ንዅሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣብ ሓደጋ ስለ ዜእቱ፡ ምሕረት ኣይምዀነን።—ምሳ. 13:20፣ 1 ቈረ. 15:33።
15 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዋላ ሓደ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ። ብእተኻእለ መጠን፡ ንሰባት ኬድሕኖም እዩ ዚደሊ። ኣተሓሳስባኦም ንዝቐየሩን ምስኡ ዘለዎም ርክብ ኬዐርዩ ንዚደልዩን ሰባት ይምሕሮም እዩ። (ህዝ. 33:11፣ 2 ጴጥሮስ 3:9 ኣንብብ።) ስለዚ፡ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሰብኣይ ምስ ተነስሐን ካብ ሓጢኣቱ ምስ ተመልሰን፡ የሆዋን ጳውሎስን ነቶም ጉባኤ፡ ይቕረ ኺብሉሉን ኪቕበልዎን መምርሒ ሃብዎም።
ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ንፍቕርን ንምሕረትን የሆዋ ብምንጽብራቕ፡ ተነሲሑ ናብ ጉባኤ ንእተመልሰ ክርስትያን ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበልዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)
16. ብዛዕባ ኣተሓሕዛ እቲ ኣብ ቈረንቶስ እተላዕለ ጕዳይ እንታይ ይስምዓካ፧
16 ኣተሓሕዛ እቲ ኣብ ቈረንቶስ እተላዕለ ጕዳይ፡ ፍቕርን ጽድቅን ፍትሕን የሆዋ ብግብሪ ኽንርኢ ኣኽኢሉና እዩ። (መዝ. 33:5) እዝስ ንኣምላኽና ተወሳኺ ውዳሰ ኽንህቦ ዜለዓዕል ደይኰነን፧ ከመይሲ፡ ኵላትና ሓጥኣን ኢና፣ ይቕረታኡ እውን የድልየና እዩ። የሆዋ በቲ በጃ ኣቢሉ ይቕረታ ንምርካብ ዜኽእል መሰናድዎ ስለ ዝገበረ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍና ነመስግኖ ኢና። የሆዋ ብሓቂ ንህዝቡ ዜፍቅሮምን ጽቡቖም ዚደልን ምዃኑስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕን ዜተባብዕን ኰን እዩ!
17. ኣብ ዚስዕብ ዓንቀጻት እንታይ እዩ ምይይጥ ኪግበረሉ፧
17 ሎሚ ደኣኸ ኣበሳ ብኸመይ እዩ ኺትሓዝ ዘለዎ፧ ሽማግለታት ጉባኤ ነቲ የሆዋ ንሓደ ኣባሲ ናብ ንስሓ ንምብጻሕ ዘለዎ ድሌት ብኸመይ እዮም ኬንጸባርቕዎ ዚኽእሉ፧ ሽማግለታት ንሓደ ሰብ ካብ ጉባኤ ኺውግድዎ ወይ ናብ ጉባኤ ኺመልስዎ እንተ ወሲኖም፡ እቶም ጉባኤ እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚግባእ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ዚስዕብ ዓንቀጻት ምይይጥ ኪግበረሉ እዩ።
መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ