ፕሮጀክት መጽናዕቲ
እሙናት ሰባት መብጽዓኦም ይፍጽሙ
መሳፍንቲ 11:30-40 ኣንብብ እሞ፡ ካብ ዛንታ ይፍታሕን ጓሉን መብጽዓ ብዛዕባ ምፍጻም ተምሃር።
ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት መርምሮ። እሙናት እስራኤላውያን ነቲ ንየሆዋ ዚኣትዉሉ መብጽዓ ብኸመይ ይርእይዎ ነይሮም፧ (ዘሁ. 30:2) ይፍታሕን ጓሉን ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎም ብኸመይ ኣርእዮም፧—መሳ. 11:9-11, 19-24, 36።
ኣዕሚቝካ ዅዓት። ይፍታሕ መብጽዓ ኺመባጻዕ ከሎ፡ እንታይ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፧ (w16.04 7 ¶12) ይፍታሕን ጓሉን ነቲ መብጽዓ ንምፍጻም፡ እንታይ መስዋእትታት እዮም ገይሮም፧ (w16.04 7-8 ¶14-16) ሎሚ ክርስትያናት እንታይ መብጽዓ እዮም ኪመባጽዑ ዚኽእሉ፧—w17.04 5-8 ¶10-19።
ትምህርቲ ርኸብ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦
‘ነቲ ርእሰይ ክውፊ ኸለኹ ዝኣቶኽዎ መብጽዓ ንምሕላው እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧’ (w20.03 13 ¶20)
‘ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋል እንታይ መስዋእትታት ክገብር እኽእል፧’
‘መብጽዓ ቓል ኪዳነይ ንምድልዳል እንታይ ክገብር እኽእል፧’ (ማቴ. 19:5, 6፣ ኤፌ. 5:28-33)