ንደቅኻ ምሃሮም
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን መሓዙታን ትፍቶ ነበረት
ሎሚ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ብስማ ኣይፈልጣን እዩ። ብስም እቲ ይፍታሕ ዝስሙ ኣቦኣ ጥራይ እያ እትፍለጥ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኽልቲኦም እንታይ ከም ዚነግረና እስከ ንርአ። ጓል ይፍታሕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ መሓዙታን ትፍቶ ኸም ዝነበረት ክንርኢ ኢና።
ብዛዕባ ይፍታሕን ብዛዕባ ጓሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መሳፍንቲ ምዕራፍ 11 ኸነንብብ ንኽእል ኢና። ይፍታሕ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ጓሉ ኣዘውቲሩ ብቕዱሳት ጽሑፋት ይመያየጥ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ።
ይፍታሕ፡ እቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ቅድሚ ምሕታቶም ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ሓያልን ክኢላ ተዋጋእን ከኣ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እስራኤላውያን፡ ንዓታቶም መሪሑ ምስቶም ኣብ ጐረቤት ዓዶም ዝነበሩ ምስኦም ዚዋግኡ ደቂ ዓሞን ኪዋጋእ ሓተትዎ።
ይፍታሕ ንደቂ ዓሞን ንኺስዕሮም ሓገዝ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ፡ መብጽዓ ኣተወ። ብሓገዝ የሆዋ ዓወት እንተ ረኺቡ፡ ናብ ቤቱ ኣብ ዚምለሰሉ እዋን መጀመርታ ወጺኡ ንእተቐበሎ ሰብ፡ ንየሆዋ ኸም ዚውፍዮ ተመባጽዐ። እቲ ዚውፈ ሰብ እቲ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብቲ ሽዑ ኣምላኽ ዚምለኸሉ ዝነበረ ማሕደር ኣምላኽ ኬገልግል ነበሮ። እሞኸ ንይፍታሕ መጀመርታ ኪቕበሎ ዝወጸ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧—a
እወ፡ ጓሉ እያ ነይራ። ይፍታሕ ብዙሕ ጐሃየ። ንሳ ሓንቲ ውሉዱ እያ ነይራ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ንየሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺሕሉ ነበሮ። ጓሉ ድማ ብኡንብኡ፡ “ኣቦየ፡ . . . ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣፍካ ኻብ ከፈትካስ፡ ንኣይ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወጸ ግበረኒ” በለቶ። ድሕሪኡ፡ ናብ ኣኽራን ንኽልተ ወርሒ ኸይዳ ንኽትበኪ ኺፈቕደላ ሓተተቶ። ስለምንታይ እያ ሓዚና፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣቦኣ ዝኣተዎ መብጽዓ ንምፍጻም፡ ክትምርዖን ቈልዑ ኽትወልድን ኣይነበራን። ኰይኑ ግን፡ ንድሌታ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይራ ኣይረኣየቶን። ንኣቦኣ ኽትእዘዝን ንየሆዋ እምንቲ ኽትከውንን ደለየት። ንየሆዋን ንኣቦኣን ዘሐጐሰቶምዶ ይመስለካ፧—
ድሕርዚ፡ ይፍታሕ ንኽልተ ወርሒ ምስ መሓዙታ ኽትከይድ ፈቐደላ። ምስ ተመልሰት ከኣ፡ ምሉእ ዕድሚኣ ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር ኣምላኽ ምእንቲ ኽትነብር፡ ናብቲ ቦታ እቲ ብምልኣኽ፡ ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጸመ። ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት ናብ ሺሎ እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ የተባብዓኣ ነበራ።
ንወለዶም ዚእዘዙን ንየሆዋ ዜፍቅሩን ቈልዑዶ ትፈልጥ፧— ነቶም ቈልዑ እቲኣቶም ምፍላጥካን ምሳታቶም ምምሕዛውካን ጽቡቕ እዩ። ነቲ ጓል ይፍታሕ ዝሓደገቶ ኣብነት ቀዲሕካ ምእዙዝን እሙንን እንተ ዄንካ፡ ጥዑያት መሓዙት ኪህልዉኻ እዮም። ንወለድኻ ኸተሕጕሶም ኢኻ፣ የሆዋ ኸኣ ኪፈትወካ እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ፦
1 ቈረንቶስ 7:37, 38፡ ትርጕም 1990
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።