ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • YC ትምህርቲ 4 ገጽ 10-11
  • ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም
  • ንደቅኻ ምሃሮም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን መሓዙታን ትፍቶ ነበረት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ናይ ይፍታሕ መብጽዓ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • መብጽዓ ይፍታሕ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
ንደቅኻ ምሃሮም
YC ትምህርቲ 4 ገጽ 10-11
ይፍታሕ፡ ጓሉ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስኣ ግዜ የሕልፍ

ትምህርቲ 4

ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም

ሰራዊት እስራኤል ኣንጻር ጸላእቶም እናተዋግኡ፡ ይፍታሕ ይጽሊ

ይፍታሕ ንየሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ተመባጺዑሉ፧

ይፍታሕ ካብ ውግእ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ነታ ኽትቅበሎ ዝወጸት ጓሉ ይሓቝፋ

ጓል ይፍታሕ ነቲ ኣቦኣ እተመባጽዖ መብጽዓ ምፍጻም ዚኸብዳ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳ ግና ፈጸመቶ

ነዛ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ጓል ትርእያዶ ኣለኻ፧— ጓል ሓደ ይፍታሕ ዚብሃል ሰብኣይ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ስማ ኣይነግረናን እዩ፣ ንኣቦኣን ንየሆዋን ከም ዘሐጐሰቶም ግና ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባኣን ብዛዕባ ኣቦኣ ይፍታሕን እስከ ንምሃር።

ይፍታሕ ንፉዕ ሰብኣይ ነበረ፣ ንጓሉ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ይምህራ ነበረ። ሓያል ሰብኣይን ንፉዕ መራሕን እውን ነበረ። ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ምስ ጸላእቶም ዚገብርዎ ውግእ ኪመርሖም ሓተትዎ።

ይፍታሕ ምእንቲ ኺስዕር፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ደልዩ ጸለየ። እንተ ስዒሩ ኸኣ፡ ነቲ ኺምለስ ከሎ ፈለማ ኪቕበሎ ኢሉ ኻብ ቤቱ ዚወጽእ ሰብ ንየሆዋ ኸም ዚህቦ ተመባጽዐ። እቲ ሰብ እቲ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ማሕደር የሆዋ ኺነብርን ኣብኡ ኼገልግልን ነበሮ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ማሕደር፡ ሰባት ንኣምላኽ ኬምልኹ ዚኸዱሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ይፍታሕ ድማ ኣብቲ ውግእ ሰዓረ! ኪምለስ ከሎ፡ እቲ ፈለማ ኪቕበሎ ኢሉ ኻብ ቤቱ ዝወጸ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧—

እወ፡ ጓል ይፍታሕ እያ ነይራ! ይፍታሕ ከኣ ብዘይካኣ ኻልእ ውላድ ኣይነበሮን፣ ድሕርዚ ግና ኪሰድዳ ነበሮ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ኣጕሃዮ። ተመባጺዑ ኸም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ጓሉ ድማ ብኡብኡ፡ ‘ኣቦየ፡ ንየሆዋ ተመባጺዕካ ኢኻ እሞ፡ ከም ቃልካ ግበር’ በለቶ።

ጓል ይፍታሕ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ዕንጨይቲ ትኣሪ፡ መሓዙታ ኺበጽሓኣ ይኸዳ

ዓመት ዓመት፡ መሓዙት ጓል ይፍታሕ ኪበጽሓኣ ይኸዳ ነበራ

ጓል ይፍታሕ እውን ጕህያ ነበረት። ኣብቲ ማሕደር፡ ክትምርዖን ክትወልድን ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ መብጽዓ ኣቦኣ ኽትፍጽም፡ ንየሆዋ ድማ ከተሐጕሶ ደለየት። ከምኡ ምግባር፡ ካብ መርዓን ውላድን ንላዕሊ የገድሳ ነበረ። ስለዚ፡ ካብ ቤታ ናብቲ ማሕደር ከይዳ፡ ምሉእ ዕድሚኣ ኣብኡ ትነብር ነበረት።

እቲ ዝገበረቶ ነገር ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጒስዎምዶ፧— እወ፡ ኣሐጕስዎም እዩ! ንስኻ እውን ንየሆዋ ትእዘዞን ትፈትዎን እንተ ዄንካ፡ ከም ጓል ይፍታሕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንወለድኻን ንየሆዋን ከኣ ከተሐጕሶም ኢኻ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ

  • ዘዳግም 6:4-6

  • መሳፍንቲ 11:30-40

  • 1 ቈረንቶስ 7:37, 38

ሕቶታት፦

  • ይፍታሕ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ እንታይ ኢሉኸ እዩ ተመባጺዑ፧

  • ጓል ይፍታሕ፡ መብጽዓ ኣቦኣ ምፍጻም ኪኸብዳ ዚኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

  • ጓል ይፍታሕ ካብ ኵሉ ንላዕሊ እንታይ ክትገብር እያ ደልያ፧

  • ከም ጓል ይፍታሕ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ