ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 53
  • ናይ ይፍታሕ መብጽዓ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ይፍታሕ መብጽዓ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን መሓዙታን ትፍቶ ነበረት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መብጽዓ ይፍታሕ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 53

ዛንታ 53

ናይ ይፍታሕ መብጽዓ

ተመባጺዕካ ብድሕሪኡ መብጽዓኻ ክትሕሉ ከቢድ ኰይኑዶ ረኺብካዮ ትፈልጥ፧ እዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ ከምኡ ኣጋጠሞ: ብእኡ ምኽንያት ከኣ ኢዩ ኣዝዩ ጕህዩ ዘሎ። እዚ ሰብኣይ ይፍታሕ ዝስሙ ተባዕ መስፍን ናይ እስራኤል ኢዩ።

ይፍታሕ ኣብቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዘየምልኽሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ንሳቶም ከም ብሓድሽ እኩይ ዘበለ ገበሩ። ስለዚ የሆዋ ዓሞናውያን ክጐድእዎም ገደፎም። እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ‘ኣብ ቅድሜኻ በዲልና ኢና። በጃኻ ኣድሕነና!’ ኢሎም ናብ የሆዋ ከም ዘእውዩ ገበሮም።

እቶም ህዝቢ በቲ ዝገበርዎ ሕማቕ ነገራት ሓዘኑ። ንየሆዋ እንደገና ብምምላኽ: ከም ዝሓዘኑ ኣርኣዩ። ስለዚ የሆዋ እንደገና ሓገዞም።

ይፍታሕ ኣንጻር እቶም እኩያት ዓሞናውያን ክዋጋእ እቶም ህዝቢ ሓረይዎ። ይፍታሕ ኣብቲ ውግእ የሆዋ ክሕግዞ ኣዝዩ ደለየ። ስለዚ ‘ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ: እቲ ክቕበለኒ ኢሉ መጀመርታ ካብ ቤተይ ዝወጽእ ክህበካ ኢየ’ ብም​ባል ንየሆዋ ተማባጽዓሉ።

የሆዋ ንመብጽዓ ናይ ይፍታሕ ሰምዖ: ኣብቲ ውግእ ክስዕር ከኣ ሓገዞ። ይፍታሕ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ: መጀመርታ እተቐበለቶ መን ምዃና ትፈልጥዶ፧ ጓሉ: እታ ሓንቲ ጓሉ ኢያ ነይራ። ‘ኣየ ጓለይ! ከመይ ዝበለ ሓዘን ኢኺ ኣምጺእክለይ። ንየሆዋ ተመባጺዐ ኢየ: ክመልሶ ኸኣ ኣይክእልን እየ’ ብምባል ጨደረ።

ጓል ይፍታሕ ብዛዕባ መብጽዕኡ ምስ ፈለጠት: ኣብ መጀመርታ ንሳ እውን ሓዘነት። ምኽንያቱ እቲ መብጸዓ ኣቦኣን መሓዙታን ምግ​ዳፍ ማለት ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን እቲ ዝተ​ረፈ ህይወታ ብምሉኡ ኣብ ሺሎ ኣብ ማሕ​ደር የሆዋ እናኣገልገለት ኢያ ከተሕልፎ። ስለዚ ንኣቡኣ ‘ንየሆዋ ተመባጺዕካሉ እንተድኣ ኴንካ: መብጽዓኻ ክትሕሉ ኣለካ’ በለቶ።

ስለዚ ጓል ይፍታሕ ናብ ሺሎ ከደት: እቲ ዝተረፈ ህይወታ ኸኣ ንየሆዋ ኣብ ማሕ​ደሩ እናኣገልገለት ኣሕለፈቶ። ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣዋልድ እስራኤል ናብኣ ይኸዳ: ብሓንሳእ ከኣ ባህ ዘብል እዋን የሕ​ልፋ ነበራ። እቶም ህዝቢ ንጓል ይፍታሕ ይፈትውዋ ነበሩ: ምኽንያቱ ብሓቂ ንየሆዋ እተገልግል ሰብ ኢያ ነይራ።

መሳፍንቲ 10:⁠6⁠-​18፣ 11:⁠1⁠-​40

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ