ዛንታ 53
ናይ ይፍታሕ መብጽዓ
ተመባጺዕካ ብድሕሪኡ መብጽዓኻ ክትሕሉ ከቢድ ኰይኑዶ ረኺብካዮ ትፈልጥ፧ እዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ሰብኣይ ከምኡ ኣጋጠሞ: ብእኡ ምኽንያት ከኣ ኢዩ ኣዝዩ ጕህዩ ዘሎ። እዚ ሰብኣይ ይፍታሕ ዝስሙ ተባዕ መስፍን ናይ እስራኤል ኢዩ።
ይፍታሕ ኣብቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዘየምልኽሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ንሳቶም ከም ብሓድሽ እኩይ ዘበለ ገበሩ። ስለዚ የሆዋ ዓሞናውያን ክጐድእዎም ገደፎም። እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ‘ኣብ ቅድሜኻ በዲልና ኢና። በጃኻ ኣድሕነና!’ ኢሎም ናብ የሆዋ ከም ዘእውዩ ገበሮም።
እቶም ህዝቢ በቲ ዝገበርዎ ሕማቕ ነገራት ሓዘኑ። ንየሆዋ እንደገና ብምምላኽ: ከም ዝሓዘኑ ኣርኣዩ። ስለዚ የሆዋ እንደገና ሓገዞም።
ይፍታሕ ኣንጻር እቶም እኩያት ዓሞናውያን ክዋጋእ እቶም ህዝቢ ሓረይዎ። ይፍታሕ ኣብቲ ውግእ የሆዋ ክሕግዞ ኣዝዩ ደለየ። ስለዚ ‘ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካኒ: እቲ ክቕበለኒ ኢሉ መጀመርታ ካብ ቤተይ ዝወጽእ ክህበካ ኢየ’ ብምባል ንየሆዋ ተማባጽዓሉ።
የሆዋ ንመብጽዓ ናይ ይፍታሕ ሰምዖ: ኣብቲ ውግእ ክስዕር ከኣ ሓገዞ። ይፍታሕ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ: መጀመርታ እተቐበለቶ መን ምዃና ትፈልጥዶ፧ ጓሉ: እታ ሓንቲ ጓሉ ኢያ ነይራ። ‘ኣየ ጓለይ! ከመይ ዝበለ ሓዘን ኢኺ ኣምጺእክለይ። ንየሆዋ ተመባጺዐ ኢየ: ክመልሶ ኸኣ ኣይክእልን እየ’ ብምባል ጨደረ።
ጓል ይፍታሕ ብዛዕባ መብጽዕኡ ምስ ፈለጠት: ኣብ መጀመርታ ንሳ እውን ሓዘነት። ምኽንያቱ እቲ መብጸዓ ኣቦኣን መሓዙታን ምግዳፍ ማለት ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን እቲ ዝተረፈ ህይወታ ብምሉኡ ኣብ ሺሎ ኣብ ማሕደር የሆዋ እናኣገልገለት ኢያ ከተሕልፎ። ስለዚ ንኣቡኣ ‘ንየሆዋ ተመባጺዕካሉ እንተድኣ ኴንካ: መብጽዓኻ ክትሕሉ ኣለካ’ በለቶ።
ስለዚ ጓል ይፍታሕ ናብ ሺሎ ከደት: እቲ ዝተረፈ ህይወታ ኸኣ ንየሆዋ ኣብ ማሕደሩ እናኣገልገለት ኣሕለፈቶ። ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣዋልድ እስራኤል ናብኣ ይኸዳ: ብሓንሳእ ከኣ ባህ ዘብል እዋን የሕልፋ ነበራ። እቶም ህዝቢ ንጓል ይፍታሕ ይፈትውዋ ነበሩ: ምኽንያቱ ብሓቂ ንየሆዋ እተገልግል ሰብ ኢያ ነይራ።