ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 36 ገጽ 88-ገጽ 89
  • መብጽዓ ይፍታሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መብጽዓ ይፍታሕ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ይፍታሕ መብጽዓ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንኣቦኣን ንየሆዋን ኣሐጐሰቶም
    ንደቅኻ ምሃሮም
  • ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን መሓዙታን ትፍቶ ነበረት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 36 ገጽ 88-ገጽ 89
ጓሉ ኽትቅበሎ ኽትመጽእ ከላ፡ ይፍታሕ ክዳኑ ይቐድድ

ትምህርቲ 36

መብጽዓ ይፍታሕ

እስራኤላውያን መሊሶም ንየሆዋ ሓዲጎም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ጀመሩ። ድሕሪኡ፡ ዓሞናውያን ምስ እስራኤላውያን ምስ ተዋግኡ፡ እቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣይረድእዎምን። ንብዙሕ ዓመታት፡ እስራኤላውያን ተሸገሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንየሆዋ፡ ‘በዲልና ኢና። ካብ ኢድ ጸላእትና በጃኻ ኣድሕነና’ በልዎ። ንጣኦታቶም ኣርሒቖም ድማ፡ ንየሆዋ ኼምልኹ ጀመሩ። የሆዋ እውን ድሕሪኡ ኺሽገሩ ኣይደለዮምን።

ይፍታሕ ዝስሙ ተዋጋኢ ኸኣ ንእስራኤላውያን ናብቲ ምስ ዓሞናውያን ዚገብርዎ ውግእ ኪመርሖም ተመርጸ። ንሱ ድማ ንየሆዋ፡ ‘ኣብዚ ውግእ እዚ ኽንዕወት እንተ ሓጊዝካና፡ ናብ ቤተይ ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ቤተይ ዚወጽእ ናይ መጀመርታ ሰብ ንዓኻ ክህበካ እየ’ በሎ። የሆዋ ኸኣ ንይፍታሕ ጸሎቱ ሰምዖ፡ ኣብቲ ውግእ ኪዕወት እውን ሓገዞ።

ይፍታሕ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ጓሉ ንዅሉ ሰብ ቀዲማ ኽትቅበሎ ወጸት፣ ንሳ ኸኣ ሓንቲ በይና ውሉዱ ነበረት። ክትወጽእ ከላ እውን፡ ትስዕስዕን ከበሮ ትወቅዕን ነበረት። እሞኸ ይፍታሕ እንታይ ገበረ፧ መብጽዓኡ ስለ ዝዘከረ፡ ‘ኣየ፡ ጓለየ! ልበይ ሴርክዮ። ንየሆዋ ተመባጺዐሉ እየ። መብጽዓይ ምእንቲ ኽፍጽም፡ ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዚርከብ ማሕደር ከተገልግሊ ኽሰድደኪ እየ’ በላ። ጓሉ ድማ፡ ‘ኣቦየ፡ ንየሆዋ እንተ ተመባጺዕካሉ፡ መብጽዓኻ ፈጽም። ምስ መሓዙተይ ኣብ ኣኽራን ከይደ፡ ክልተ ወርሒ ኸሕልፍ ጥራይ ፍቐደለይ። ድሕሪኡ ክኸይድ እየ’ በለቶ። ድሕርዚ፡ ጓል ይፍታሕ ምሉእ ህይወታ ኣብቲ ማሕደር ብተኣማንነት ኣገልገለት። ዓመት ዓመት ድማ፡ መሓዙታ ናብ ሺሎ ኸይደን ይበጽሓኣ ነበራ።

መሓዙት ጓል ይፍታሕ ኣብቲ ማሕደር ይበጽሓኣ

“እቲ ኻባይ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር፡ . . . ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።”—ማቴዎስ 10:37

ሕቶታት፦ ይፍታሕ እንታይ መብጽዓ እዩ ተመባጺዑ፧ ጓል ይፍታሕ ብዛዕባ መብጽዓ ኣቦኣ ምስ ፈለጠት እንታይ እያ ገይራ፧

መሳፍንቲ 10:6–11:11፣ 11:29-40፣ 1 ሳሙኤል 12:10, 11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ