ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 ታሕሳስ ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መላእኽቲ መን ወይ እንታይ እዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • መላእኽቲ ብኸመይ ይጸልዉና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 ታሕሳስ ገጽ 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቶም ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:21 ተጠቒሶም ዘለዉ “ሕሩያት መላእኽቲ” መን እዮም፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኸምኡ ሽማግለ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፡ “ኣቐዲምካ ኸይፈረድካ ወይ ብዘይ ኣድልዎ ነዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን ብጥብቂ እእዝዘካ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉሉ እዩ።—1 ጢሞ. 5:21።

ፈለማ፡ እዞም መላእኽቲ እዚኦም መን ከም ዘይኰኑ ኽንርኢ ኢና። መሸም፡ እቶም 144,000 ኣይኰኑን። ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፉሉ እዋን፡ ሰማያዊ ትንሳኤ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ገና ኣይጀመረን ነይሩ። ሃዋርያትን ካልኦት ቅቡኣት ክርስትያናትን ገና መንፈሳውያን ፍጡራት ኣይኰኑን ነይሮም፣ ስለዚ፡ ንሳቶም፡ “እቶም ሕሩያት መላእኽቲ” ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም።—1 ቈረ. 15:50-54፣ 1 ተሰ. 4:13-17፣ 1 ዮሃ. 3:2።

ብተወሳኺ፡ “እቶም ሕሩያት መላእኽቲ፡” እቶም ብዘመን ማይ ኣይሂ ዝዓለዉ መላእኽቲ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። እቶም መላእኽቲ እቲኦም ምስ ሰይጣን ወጊኖም፡ ኣጋንንቲ እውን ኰይኖም እዮም፣ ንየሱስ ከኣ ይጻረርዎ እዮም። (ዘፍ. 6:2፣ ሉቃ. 8:30, 31፣ 2 ጴጥ. 2:4) ኣብ መጻኢ፡ 1,000 ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኪእሰሩ፡ ምስ ድያብሎስ እውን ኪጠፍኡ እዮም።—ይሁ. 6፣ ራእ. 20:1-3, 10።

እቶም ጳውሎስ ዝጠቐሶም “ሕሩያት መላእኽቲ፡” ‘ንኣምላኽን ንክርስቶስ የሱስን’ ዚድግፉ ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መላእኽቲ ኪዀኑ ኣለዎም፣ ስለዚ ድማ እዮም ኣብታ ፍቕዲ እቲኣ ምሳታቶም ተጠቒሶም ዘለዉ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣእላፋት እሙናት መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ። (እብ. 12:22, 23) ኵሎም ኣብ ሓደ እዋን፡ ሕደ ዕዮ ኸም ዚውሃቦም ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። (ራእ. 14:17, 18) ንኣብነት፡ ሓደ መልኣኽ፡ 185,000 ኣሶራውያን ኪቐትል ተመዲቡ እዩ። (2 ነገ. 19:35) ገሊኦም መላእኽቲ ኸኣ፡ “መዐንቀፊ ዘበለን ጠሓስቲ ሕጊ ዘበሉን ካብ [መንግስቲ የሱስ] ኪኣርዩ” ዕዮ ተዋሂብዎም እዩ። (ማቴ. 13:39-41) ገሊኦም ድማ “ንሕሩያቱ” ናብ ሰማይ “ኪእክብዎም” ይልኣኹ እዮም። (ማቴ. 24:31) ገሊኦም እውን ‘ብዅሉ መገድታትና ኺሕልዉና’ ትእዛዝ ይውሃቦም እዩ።—መዝ. 91:11፣ ማቴ. 18:10፣ 4:11፣ ሉቃ. 22:43።

ሓደ መልኣኽ ንሰብ ሓዳር ኣብ ኣገልግሎት ናብ ሓደ ገዛ ይመርሖም። ኣብቲ ገዛ ሓደ ሰብኣይ ይጽሊ።

እምበኣር፡ እቶም ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:21 ተጠቒሶም ዘለዉ “ሕሩያት መላእኽቲ፡” ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብእተተሓሓዘ ፍሉይ ዕዮ እተዋህቦም መላእኽቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብቲ ኣብ ከባቢ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣኽብሮት ዚግብኦም ሽማግለታት ጥበባዊ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ሽማግለታት ከኣ ብግዲኦም፡ ‘ኣቐዲሞም ከይፈረዱ ወይ ብዘይ ኣድልዎ’ ሓላፍነታቶም ኪስከሙ ይግባእ፣ ብታህዋኽ ውሳነ ኺገብሩ ወይ ኪፈርዱ እውን የብሎምን። ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ንምኽሩ ኣርዚኖም ኪርእዩሉ ዚግባእ ምኽንያት ኪገልጸሎም ከሎ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን” ዕዮኦም ከም ዚዓይዩ ሓቢርዎም ኣሎ። ስለዚ፡ ገሊኦም መላእኽቲ ንጉባኤታት ንምድጋፍ ከም ዚምደቡ ንጹር እዩ። ንኣብነት፡ ዕቝባ ይዀኑ፡ ዕዮ ስብከት ብሓላፍነት ይመርሑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ ጸብጻብ ይህቡ እዮም።—ማቴ. 18:10፣ ራእ. 14:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ