ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 መጋቢት ገጽ 20-25
  • ብእምነት ተመላለስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብእምነት ተመላለስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስራሕ ክንመርጽ ከለና
  • መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና
  • ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ንጥርጣረታትካ ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 መጋቢት ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 12

መዝሙር 119 እምነት ትሃልወና

ብእምነት ተመላለስ

“ብምርኣይ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ኢና እንመላለስ ዘለና።”—2 ቈረ. 5:7።

ኣትኵሮ

ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ከመይ ጌርና ብእምነት ከም እንመላለስ።

1. ሃዋርያ ጳውሎስ ምልስ ኢሉ ንህይወቱ ኺርእዮ ኸሎ፡ ዕግበት ኪስምዖ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ እዋን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ሞቱ ኸም ዝቐረበ ፈለጠ፣ እንተዀነ ግና፡ ብህይወቱ ዕጉብ ነበረ። ብዛዕባ ህይወቱ ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ፡ “እቲ ጕያ ወዲአ፡ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ” በለ። (2 ጢሞ. 4:6-8) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቱ ጥበባዊ ውሳነታት ገይሩ እዩ። የሆዋ ብእኡ ኸም እተሓጐሰ ድማ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብርን ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብን ንደሊ ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧

2. ብእምነት ምምልላስ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

2 ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ ኻልኦት እሙናት ክርስትያናትን፡ “ብምርኣይ ዘይኰነስ፡ ብእምነት ኢና እንመላለስ ዘለና” ኢሉ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 5:7) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ምምልላስ” ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዚመርጾ ኣነባብራ ኼመልክት ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ብምርኣይ ጥራይ ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ብኣካላዊ ህዋሳቱ ኺርእዮን ኪሰምዖን ኪድህስሶን ዚኽእል ጥራይ ተመርኲሱ ውሳነ ይገብር ማለት እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ሓደ ሰብ ብእምነት ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ተመርኲሱ ውሳነታት ይገብር ማለት እዩ። እቲ ተግባራቱ ድማ፡ ኣምላኽ ዓስቡ ኸም ዚህቦ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ የሆዋ ምስዓብ እውን ንጥቕሙ ኸም ዝዀነ ዚኣምን ምዃኑ የርኢ።—መዝ. 119:66፣ እብ. 11:6።

3. ብእምነት እንተ ተመላሊስና፡ እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧ (2 ቈረንቶስ 4:18)

3 ኵላትና ኣብ ኣካላዊ ህዋሳትና ተመርኲስና ገሊኡ ውሳነታት ከም እንገብር ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና ግና፡ ኣብቲ እንርእዮ ወይ እንሰምዖ ነገራት ጥራይ እንተ ተመርኲስና ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ኣካላዊ ህዋሳትና ኼታልለና ይኽእል እዩ። ዋላ እውን እንተ ዘየታለለና፡ ብምርኣይ ጥራይ እንተ ተመላሊስና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ወይ ንምኽሪ ኣምላኽ ዕሽሽ ክንብሎ ንኽእል ኢና። (መክ. 11:9፣ ማቴ. 24:37-39) ብእምነት እንተ ተመላሊስና ግና፡ “ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ” ውሳነታት ክንገብር ኢና። (ኤፌ. 5:10) ምኽሪ ኣምላኽ ምስዓብ፡ ውሽጣዊ ሰላምን ናይ ሓቂ ሓጐስን የምጽኣልና እዩ። (መዝ. 16:8, 9፣ ኢሳ. 48:17, 18) ብእምነት እንተ ተመላሊስና ኸኣ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:18 ኣንብብ።

4. ሓደ ሰብ ብእምነት ይመላለስ ምህላዉ ወይ ብምርኣይ ይመላለስ ምህላዉ ኸመይ ገይሩ ኺፈልጥ ይኽእል፧

4 ብእምነት ንመላለስ ምህላውና ወይ ብምርኣይ ንመላለስ ምህላውና ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧ ብሱሩ ውሳነታትና ኣብ ምንታይ ረቛሒታት እዩ ዚምርኰስ፧ በቲ ኽንርእዮ እንኽእል ነገራት ጥራይ ዲና እንምራሕ፡ ወይስ በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነትን ካብኡ እተዋህበና ምኽርን ኢና እንምራሕ፧ ሕጂ እምበኣር ኣብዚ ሰለስተ ኣገዳሲ መዳያት፡ ከመይ ጌርና ብእምነት ከም እንመላለስ ንርአ። እዚ ድማ እንሰርሖ ስራሕ ክንመርጽ ከለና፡ መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና፡ ከምኡ ድማ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ መዳያት ጽቡቕ ውሳነታት ምእንቲ ኽንገብር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ረቛሒታት ክንመያየጥ ኢና።

ስራሕ ክንመርጽ ከለና

5. ስራሕ ክንመርጽ ከለና እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧

5 ኵላትና ንዓና ዀነ ንስድራ ቤትና ዜድሊ ነገራት ከነማልእ ንደሊ ኢና። (መክ. 7:12፣ 1 ጢሞ. 5:8) ገሊኡ ስራሕ ጽቡቕ ኣታዊ ኣለዎ። መዓልታዊ ወጻኢታትካ ሸፊንካ፡ ንመጻኢ እተወሰነ ኸተቐምጥ ዜኽእለካ እዩ። ገሊኡ ስራሕ ግና ብዙሕ ኣታዊ ስለ ዘይብሉ፡ ካብ መሰረታዊ ነገራት ሓሊፉ ብዙሕ ኣይሽፍንን እዩ። ሓደ ስራሕ ንምስራሕ ወይ ንዘይምስራሕ ክንውስን ከለና፡ ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ ኣታዊ ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዚረኽቦ ኣታዊ ጥራይ ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ ብምርኣይ እዩ ዚመላለስ ዘሎ።

6. ስራሕ ክንመርጽ ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ብእምነት እንመላለስ፧ (እብራውያን 13:5)

6 ብእምነት ንመላለስ እንተ ዄንና፡ እቲ ስራሕ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ እውን ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። ስለዚ፡ ከምዚ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘እዚ ስራሕ እዚ፡ የሆዋ ኣብ ዚጸልኦ ተግባራት ከም ዝሳተፍ ይገብረኒ ድዩ፧’ (ምሳ. 6:16-19) ‘ንኣምልኾይ ዚሓናዅል፡ ምናልባት እውን ካብ ስድራይ ንነዊሕ እዋን ከም ዝርሕቕ ዚገብር ድዩ፧’ (ፊል. 1:10) መልሲ እዚ ሕቶታት ‘እወ’ ዚብል እንተ ዀይኑ፡ ዋላ እውን ስራሕ ብቐሊሉ ዘይርከብ እንተ ዀነ፡ እቲ ስራሕ እቲ ይትረፍካ። ብእምነት ስለ እንመላለስ፡ የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ዘሎና እምነት ኣብ ውሳነታትና ይንጸባረቕ እዩ።—ማቴ. 6:33፣ እብራውያን 13:5 ኣንብብ።

7-8. ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚነብር ሓደ ሓው፡ ብእምነት እተመላለሰ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚነብር ሃቭየርa ዝስሙ ሓው፡ ከመይ ገይሩ ብእምነት ከም እተመላለሰ እስከ ንርአ። ንሱ፡ “ደሞዘይ ዕጽፊ ዚገብረለይን ዝያዳ ዕግበት ዝረኽበሉን ክብ ዝበለ ስራሕ ንምርካብ ኣመልኪተ” ይብል። ኰይኑ ግና፡ ፈላሚ ዀይኑ ንምግልጋል እውን ሓያል ድሌት ነበሮ። ስለዚ፡ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ምስቲ ኣካያዲ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ክገብር ቈጸራ ተታሒዙለይ። ቅድሚ እቲ ቓለ መጠይቕ ግና፡ ንዓይ ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ የሆዋ ኸም ዚፈልጥ ስለ ዝኣምን፡ ሓገዝ ንምርካብ ጸልየ። ኣብ ሞያይ ዕቤት ንምግባር እደሊ እኳ እንተ ነበርኩ፡ እዚ ስራሕ እዚ ንመንፈሳዊ ሸቶታተይ ንምውቃዕ ዘይሕግዘኒ እንተ ዀይኑ ግና ኣይደለኽዎን ነይረ።”

8 ሃቭየር ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ኣብቲ ቓለ መጠይቕ፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ኣዘውቲረ ሕልፊ ሰዓታት ክሰርሕ ምዃነይ ነጊሩኒ። ኣነ ድማ ብምኽንያት ኣገልግሎተይ ከምኡ ኽገብር ከም ዘይክእል ብትሕትና ገሊጸሉ።” እወ፡ ሃቭየር ነቲ ስራሕ ኣይተቐበሎን። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ድማ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ረኸበ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “የሆዋ ጸሎተይ ሰሚዑ፡ ንፈላምነት ዚኸውን ስራሕ ሂቡኒ። ንየሆዋን ንኣሕዋተይን ንምግልጋል ዝያዳ ግዜ ኽረኽበሉ ዝኽእል ስራሕ ብምርካበይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ።”

ሓደ ሓለቓ ንሓደ ናይ ስራሕ ክዳን እተኸድነ፡ ናይ ስራሕ ቆብዕ እውን ዝሓዘ ሓው፡ ናብ ሓንቲ ሰብ ዘይብላ ቤት ጽሕፈት የእትዎ። እቲ ሓለቓ ነቲ ሓው ናይ ስራሕ ዕቤት ከም ዚህቦ እዩ ዚነግሮ ዘሎ።

ናይ ስራሕ ዕቤት እንተ ቐሪቡልካ፡ የሆዋ ንዓኻ ዚሓይሽ ከም ዚፈልጥ ዘሎካ እምነት ኣብ ውሳነኻ ኺርአ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)


9. ካብ ተመክሮ ትሬዞር እንታይ ተማሂርካ፧

9 ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና ስራሕ ብእምነት ክንመላለስ ከም ዘየኽእለና እንተ ፈሊጥናኸ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣብ ኮንጎ ዚነብር ትሬዞር ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ንሱ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “እቲ ሓድሽ ስራሐይ ኣብ ህይወትካ ሓንሳእ ጥራይ ዚርከብ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣቐዲመ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ሰለስተ ዕጽፊ ኣታዊ እየ ዝረክብ ነይረ፣ ልዑል ኣኽብሮት እውን ይውሃበኒ ነይሩ።” ይኹን እምበር፡ ትሬዞር ሕልፊ ሰዓታት ይሰርሕ ብምንባሩ፡ ኣዘውቲሩ ኻብ ኣኼባታት ኪበኵር ጀመረ። ነቲ ኣብቲ ስራሕ ዚግበር ምጥፍፋእ ኪሽፍን እውን ጸቕጢ ይወርዶ ነበረ። ስለዚ፡ ነቲ ስራሕ ኪሓድጎ ደለየ። እንተዀነ ግና፡ ስራሕ ከይስእን ፈርሀ። እሞ ደኣ ስጕምቲ ንምውሳድ እንታይ ሓጊዝዎ፧ ንሱ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይምልስ፦ “ኣንባቆም 3:17-19፡ ዋላ እውን ኣታውየይ እንተ ሰኣንኩ፡ የሆዋ ኸም ዚከናኸነኒ ኽኣምን ሓጊዛትኒ እያ። ስለዚ፡ ካብቲ ስራሕ ብፍቓደይ ተሰናቢተ።” ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ከምዚ ይብል፦ “ብዙሓት ኣስራሕቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ንምርካብ፡ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኽትከፍለሉ ኸም ዚግባእ፡ ዋላ እውን ናይ ስድራ ቤት ህይወትካን መንፈሳዊ ንጥፈታትካን ክትከፍለሉ ኸም ዚግባእ እዮም ዚሓስቡ። ኣነ ግና፡ ምስ የሆዋን ምስ ስድራ ቤተይን ዘሎኒ ርክብ ብምሕላወይ ሕጉስ እየ። ድሕሪ ዓመት ከኣ ብዓቕመይ ክነብር ዜኽእለኒ፡ ንክርስትያናዊ ንጥፈታተይ እውን ዝያዳ ግዜ ዚህበኒ ቐዋሚ ስራሕ ክረክብ የሆዋ ሓጊዙኒ እዩ። ንየሆዋ ኸነቐድሞ ኸለና፡ ንእተወሰነ እዋን ገንዘብ ይሓጽረና ይኸውን፡ የሆዋ ግና ይከናኸነና እዩ።” እወ፡ ኣብቲ የሆዋ ዚህበና ምኽርን ኣብቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋታትን እምነት እንተ ኣልዩና፡ ብእምነት ክንመላለስ ኢና፣ ንሱ እውን ኪባርኸና እዩ።

መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና

10. መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና፡ እንታይ ነገራት እዩ ብምርኣይ ከም እንመላለስ ኪገብረና ዚኽእል፧

10 መውስቦ ኻብ የሆዋ ዚውሃበና ውህበት እዩ፣ ሓዳር ክትገብር ምድላይ እውን ንቡር እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ንሓዳር ዝዀና ሰብ ክትሓሪ ኸላ፡ ስብእናኡ፡ ትርኢቱ፡ ስሙ፡ ገንዘቡ፡ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታቱ፡ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ግምት ተእቱ እያ።b እዚ ረቛሒታት እዚ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ነገራት እዚ ጥራይ ኣብ ግምት ተእቱ እንተ ዀይና ግና፡ ብምርኣይ እያ እትመላለስ ዘላ።

11. መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ብእምነት ክንመላለስ እንኽእል፧ (1 ቈረንቶስ 7:39)

11 የሆዋ በቶም መጻምድቲ ኺሓርዩ ኸለዉ ንምኽሩ ዚስዕቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዝዩ ይሕበን እዩ! ንኣብነት፡ ነቲ ንሓዳር ሓሲቦም ምቅርራብ ቅድሚ ምጅማሮም ‘ብጽሕናኦም ክሳዕ ዚሓልፍ’ ኪጽበዩ እተዋህበ ምኽሪ ይዓይዩሉ እዮም። (1 ቈረ. 7:36) ብቐዳምነት፡ ኣብቲ የሆዋ ኻብ ንፉዕ ሰብኣይ ወይ ካብ ንፍዕቲ ሰበይቲ ዚጽበዮ ባህርያት ተመርኲሶም እዮም መጻምድቲ ዚሓርዩ። (ምሳ. 31:10-13, 26-28፣ ኤፌ. 5:33፣ 1 ጢሞ. 5:8) ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብ ብዓይኒ ፍቕሪ ኺጥምቶም እንተ ጀሚሩ፡ ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:39 ዚርከብ “ብጐይታ ጥራይ” ኪምርዓዉ እተዋህቦም ምኽሪ ይስዕብዎ እዮም። (ኣንብብ።) ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ፡ የሆዋ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ርግጸኛታት ብምዃን፡ ብእምነት ይመላለሱ እዮም።—መዝ. 55:22።

12. ካብ ተመክሮ ሮዛ እንታይ ትምሃር፧

12 ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ኮሎምብያ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ሮዛ ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ንሳ ኣብ ስራሓ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣይ ብተደጋጋሚ ትራኸብ ነበረት፣ ንሱ እውን ብዓይኒ ፍቕሪ ኺጥምታ ጀመረ። ሮዛ ድማ ነቲ ሰብኣይ ክትፈትዎ ጀመረት። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣዝዩ ጥዑም ሰብ እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብቲ ማሕበረ ሰቡ ወለንተኛ ዀይኑ ይዓዪ እዩ፣ ጽቡቕ ኣነባብራ እውን እዩ ነይርዎ። እቲ ንዓይ ዚሕዘሉ መገዲ እውን እፈትዎ ነይረ። ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ካብ ሰብኣይ ዝደልዮ ዅሉ ነይርዎ እዩ።” ኣስዕብ ኣቢላ እውን ከምዚ ትብል፦ “ብስምዒታዊ መዳይ ዝደልዮ ዝነበርኩ ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ ምእባይ ከቢዱኒ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጽምዋ ይስምዓኒ ነይሩ፣ ሓዳር እውን ክገብር እደሊ ነይረ። ኣብ ሓቂ ግና ሰብ ክረክብ ኣይከኣልኩን ነይረ።” ይኹን እምበር፡ ሮዛ ኣብቲ ኽትርእዮ እትኽእል ነገር ጥራይ ኣየተኰረትን። እዚ ውሳነ እዚ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዋ ዕርክነት ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣስተንተነት። ስለዚ፡ ምስቲ ሰብኣይ ዝነበራ ዅሉ ርክብ በተኸት፣ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት እውን ተጸምደት። ድሕርዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ናብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተዓደመት። ሕጂ ድማ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። እዚ እንታይ ከም ዘፍረየላ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “የሆዋ ንልበይ ብብዙሕ ሓጐስ መሊእዎ ኣሎ” ትብል። ኣብቲ ምስ ትምኒት ልብና እተኣሳሰረ ነገራት ብእምነት ምምልላስ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ከምኡ እንተ ጌርና ግና ክንባረኽ ኢና።

ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ

13. ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ፡ ብምርኣይ ከም እንመላለስ ኪገብረና ዚኽእል እንታይ ኵነታት ኪፍጠር ይኽእል፧

13 ካብ ሽማግለታትና፡ ካብ ሓላው ወረዳና፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና፡ ወይ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ኣምልኾና ዚመርሓና ቲኦክራስያዊ መምርሒ ይውሃበና እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እቲ መምርሒ ስለምንታይ ከም እተዋህበና ኣይርድኣናን ይኸውን። እቲ መምርሒ ኣባና ዜሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ጥራይ ይረኣየና ይኸውን። ኣብቲ ነቲ መምርሒ ዝሃቡ ኣሕዋት ዘለዎም ዘይፍጽምና እውን ከነተኵር ንጅምር ንኸውን።

14. ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ፡ እንታይ እዩ ብእምነት ክንመላለስ ዚሕግዘና፧ (እብራውያን 13:17)

14 ብእምነት ክንመላለስ ከለና፡ የሆዋ ንዅሉ ነገር ከም ዚቈጻጸሮን ንዅነታትና ኸም ዚፈልጦን ንኣምን ኢና። ስለዚ ብቕልጡፍ ንእዘዝ ኢና፣ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እውን ንሕዝ ኢና። (እብራውያን 13:17 ኣንብብ።) ተኣዛዝነትና ንሓድነት ጉባኤና ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ንፈልጥ ኢና። (ኤፌ. 4:2, 3) እቶም ዚመርሑና ኣሕዋት ዘይፍጹማት ምዃኖም እኳ እንተ ዘይሰሓትናዮ፡ የሆዋ ንተኣዛዝነትና ኸም ዚባርኾ ግና ንኣምን ኢና። (1 ሳሙ. 15:22) ብሓቂ ኺእረም ዜድልዮ ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ፡ ብግዜኡ ኸም ዚእርሞ እምነት ኣሎና።—ሚክ. 7:7።

15-16. ሓደ ሓው ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ መምርሒ ስክፍታታት እኳ እንተ ነበሮ፡ እንታይ እዩ ብእምነት ኪመላለስ ሓጊዝዎ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 ብእምነት ምምልላስ ዘለዎ ጥቕሚ ዜጕልሕ ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣብ ፐሩ ቛንቋ ስጳንኛ ብሰፊሑ ዚዝረበሉ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ግና ቋንቋታት ደቀባት ይዛረቡ እዮም። ሓደ ኻብዚ ቛንቋታት እዚ ድማ ኴቹዋ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ተዛረብቲ ቛንቋ ኴቹዋ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቶም ኣብ ክሎም ዚርከቡ ተዛረብቲ እቲ ቛንቋ ዝዀኑ ሰባት የናድዩ ነበሩ። ምስቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ሕግታት ምእንቲ ኺሳነዩ ኢሎም ግና፡ ኣብቲ ንሰባት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ምትዕርራያት ገበሩ። (ሮሜ 13:1) ስለዚ ድማ፡ ገሊኦም ክርስትያናት እዚ ነቲ ዕዮ ዕንቅፋት ከይኰኖ ስግኣት ሓደሮም። ነቲ ምትዕርራያት ስለ ዝሰዓቡ ግና፡ የሆዋ ነቲ ብዙሓት ተዛረብቲ ቛንቋ ኴቹዋ ንምርካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ባረኾ።

16 ሓደ ኻብቶም በዚ ለውጢ እዚ እተሻቐሉ ኣሕዋት፡ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ቛንቋ ኴቹዋ ዜገልግል ኬቨን ዚብሃል ሽማግለ እዩ ነይሩ። ንሱ፡ “‘ሕጂ ደኣ ተዛረብቲ ቛንቋ ኴቹዋ ኸመይ ጌርና ኽንረክብ ኢና፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ” ብምባል ስክፍታኡ ይገልጽ። እሞ ደኣ እንታይ ገይሩ፧ ከምዚ ብምባል ይምልስ፦ “ንምሳሌ 3:5 ዘኪረያ። ብዛዕባ ሙሴ እውን ሓሲበ። ንሱ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ መውጽኢ ናብ ዘይብሉ መቐራቕሮ ዘእተዎም እዩ ዚመስል ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ብቐሊሉ ዕላማ መጥቃዕቲ ግብጻውያን ዝዀኑ እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ሙሴ ተኣዚዙ፣ የሆዋ ድማ ብዜደንቕ መገዲ ንተኣዛዝነቱ ባሪኽዎ።” (ዘጸ. 14:1, 2, 9-11, 21, 22) ኬቨን ኣብ ኣገልግሎቱ ምትዕርራይ ንምግባር ፍቓደኛ ዀነ። እሞ ደኣ እዚ እንታይ ኣፍርዩሉ፧ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝባረኸና ምስ ረኣኹ ገሪሙኒ እዩ። ቀደም ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ኢና ንጐዓዝ ኔርና፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ሓደ ወይ ክልተ ተዛረብቲ ቛንቋ ኴቹዋ ጥራይ ኢና ንረክብ ኔርና። ሕጂ ግና ተዛረብቲ ቛንቋ ኴቹዋ ብብዝሒ ኣብ ዚርከቡሉ ኽልታት ጥራይ ኢና እነተኵር። ስለዚ ድማ፡ ዝያዳ ዝርርባትን ተመላሊስካ ምብጽሓትን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን ንገብር ኣለና። ኣብ ኣኼባ ዝመጹ ተኣከብቲ እውን ወሲኾም ኣለዉ።” እወ፡ ብእምነት እንተ ተመላሊስና፡ የሆዋ ወትሩ ይባርኸና እዩ።

ቋንቋ ኴቹዋ ዚዛረብ ሰብኣይ ናብ ኣገልግሎት ምስ ዝወፈሩ ሰብኣይን ሰበይትን ይዛራረብ። ካልእ ሰብ ኣበይ ከም ዚነብር ይሕብሮም።

ኣሕዋት ንተዛረብቲ ቛንቋ ኴቹዋ ኣበይ ከም ዚረኽብዎም ካብ ብዙሓት ሰባት ሓበሬታ ረኺቦም (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)


17. ካብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ተማሂርካ፧

17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ሰለስተ ኣገዳሲ መዳያት ከመይ ጌርና ብእምነት ከም እንመላለስ መርሚርና ኢና። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና፡ ንኣብነት፡ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ወይ ከኣ ብዛዕባ ትምህርቲ ወይ ኣተዓባብያ ቘልዑ ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ ብእምነት ክንመላለስ ኣሎና። ኣብ እንገብሮ ዘበለ ውሳነ፡ በቲ ኽንርእዮ እንኽእል ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን በቲ ንሱ ዚህበና ምኽርን በቲ ኸም ዚሓልየልና ዘተስፈወና ተስፋን እውን ክንምራሕ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ “ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክንመላለስ ኢና።”—ሚክ. 4:5።

ከመይ ጌርና ኢና ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ብእምነት ክንመላለስ እንኽእል፧

  • ስራሕ ክንመርጽ ከለና

  • መጻምድቲ ኽንሓሪ ኸለና

  • ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኺውሃበና ኸሎ

መዝሙር 156 ብእምነተይ

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ እዚኣ፡ ንኣጸሓሕፋ ንምቕላል ተባሂሉ፡ ሓንቲ ሓብቲ ንሓዳር ዚዀና ሰብኣይ ከም እትደሊ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ምኽሪ ግና፡ ንሓዳር እትዀኖ ሰበይቲ ንዚደሊ ዘሎ ሓው እውን ይምልከቶ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ