ምኽሪ መጽናዕቲ
ካብ ስእልታትና ተምሃር
ጽሑፋትና ኣገዳሲ ነጥብታት ብዚምህር ስእልታት ዝመልአ እዩ። እሞ ደኣ ኻብዚ ትዕይንታዊ ደገፍ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
ነታ ዓንቀጽ ቅድሚ ምንባብካ፡ ነቲ ስእልታት ርኣዮ። እቲ ስእልታት ህንጥዮት ኬሕድረልካ፡ ነታ ዓንቀጽ ንምንባብ እውን ኬለዓዕለካ ይኽእል እዩ። ከምቲ ጥዑም ምግቢ ገና ርእይ ምስ ኣበልካ ሸውሃትካ ዚኽፈት፡ ናይ ንባብ ሸውሃትካ እውን ብእትርእዮ ስእልታት ኪኽፈት ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ‘እንታይ እርኢ ኣለኹ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።—ኣሞ. 7:7, 8።
ነታ ዓንቀጽ ከተንብባ ኸለኻ፡ እቲ ስእልታት ስለምንታይ ከም እተሓርየ ሕሰብ። መግለጺ እንተ ኣልይዎ ኸኣ፡ ንዕኡ እውን ኣንብቦ። ምስቲ ርእሰ ነገርን ምስ ህይወትካን ብኸመይ ከም ዚዛመድ ድማ ሕሰብ።
ድሕሪ ንባብ፡ በቲ ስእልታት ጌርካ ቐንዲ ነጥብታት እታ ዓንቀጽ ከልስ። ነቲ ስእልታትን ነቲ ኻብኡ እትምሃሮ ነጥብታትን ብኣእምሮኻ ስኣሎ።
እምበኣር፡ ነዚ ኣብዛ መጽሔት ዘሎ ስእልታት ርኣዮ እሞ፡ ካብኡ እትረኽቦ ትምህርትታት ክትዝክር ትኽእል እንተ ዄንካ ፈትን።