ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19
መዝሙር 6 ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ ይነግር
ንእሙናት መላእኽቲ ምሰሎም
“ኣቱም መላእኽቱ . . . ንየሆዋ ወድስዎ።”—መዝ. 103:20።
ኣትኵሮ
ካብ እሙናት መላእኽቲ እንረኽቦ ትምህርቲ።
1-2. (ሀ) ካብ መላእኽቲ ብኸመይ ኢና እንፍለ፧ (ለ) ምስ መላእኽቲ ዜመሳስለና እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣሎና፧
የሆዋ ናብ ሓቂ ኺስሕበካ ኸሎ፡ ናብቲ ብፈቃራት ኣምለኽቱ ዝቘመ ስድራ ቤቱ እዩ ዓዲሙካ። እዚ ድማ ንሚልዮናት እሙናት መላእኽቲ እውን የጠቓልል እዩ። (ዳን. 7:9, 10) ንመላእኽቲ ኽንዝክር ከለና፡ ካባና ኽሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ምዃኖም ንሓስብ ንኸውን። ንኣብነት፡ መላእኽቲ፡ ደቂ ሰብ ገና ኸይተፈጥሩ ኸለዉ እዮም ተፈጢሮም። (እዮ. 38:4, 7) ካባና ድማ ኣጸቢቖም ይሕይሉ እዮም። ፍጹማት ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ብቕድስና ዀነ ብጽድቂ ኣጸቢቖም ይበልጹና እዮም።—ሉቃ. 9:26።
2 እዚ ዅሉ ፍልልያት እናሃለወና ኽነሱ ግና፡ ምስ መላእኽቲ ዜመሳስለና ሓባራዊ ነገር ኣሎና። ንኣብነት፡ ንሕና እውን ከም መላእኽቲ ጽቡቕ ባህርያት የሆዋ ኸነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። ከማታቶም እውን ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና። ብዘይካዚ፡ ብሕታዊ ስማት፡ ፍሉይ ስብእና፡ ከምኡ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እተፈላለየ ሓላፍነታት ኣሎና። ብተወሳኺ እውን፡ እቲ ንፈጣሪና ኸነምልኾ ዘሎና ድሌት ምስ መላእኽቲ የመሳስለና እዩ።—1 ጴጥ. 1:12።
3. ካብ እሙናት መላእኽቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
3 ምስ መላእኽቲ ዜመሳስለና ብዙሕ ሓባራዊ ነገር ካብ ሃለወና፡ እቲ ሰናይ ኣብነቶም ኬተባብዓናን መገዲ ኼብርሃልናን ይኽእል እዩ። ካባታቶም ብዙሕ ጽቡቕ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ እሙናት መላእኽቲ ዘለዎም ትሕትና፡ ካብቲ ንሰባት ዘለዎም ፍቕሪ፡ ካብ ተጻዋርነቶም፡ ከምኡ እውን ካብቲ ንንጽህና ጉባኤ ንምሕላው ዚገብርዎ ጻዕርታት እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና።
መላእኽቲ ትሑታት እዮም
4. (ሀ) መላእኽቲ ትሕትና ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መላእኽቲ ትሑታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ (መዝሙር 89:7)
4 እሙናት መላእኽቲ ትሑታት እዮም። ምኩራትን ሓያላትን ጥበበኛታትን እኳ እንተ ዀኑ፡ ንመምርሒታት የሆዋ ይእዘዙ እዮም። (መዝ. 103:20) ዕዮኦም ኪዓይዩ ኸለዉ እውን ብተግባራቶም ኣይምክሑን፡ ወይ በቲ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሎም ኣይጅሃሩን እዮም። በብስሞም እናተጠቕሱ ምስጋና እኳ እንተ ዘይተዋህቦም፡ ተሓጒሶም ፍቓድ ኣምላኽ ይገብሩ እዮም።a (ዘፍ. 32:24, 29፣ 2 ነገ. 19:35) ብዘይካዚ፡ ንየሆዋ ዚግባእ ክብሪ ኣይቅበሉን እዮም። ስለምንታይ እዮም መላእኽቲ ኣዝዮም ትሑታት ዝዀኑ፧ ምኽንያቱ፡ ንየሆዋ ልዑል ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣለዎም።—መዝሙር 89:7 ኣንብብ።
5. ሓደ መልኣኽ ንሃዋርያ ዮሃንስ ኪእርሞ ኸሎ ብኸመይ እዩ ትሕትና ዘርኣየ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
5 ትሕትና መላእኽቲ እተራእየሉ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ከባቢ 96 ድ.ክ. ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ መልኣኽ ንሃዋርያ ዮሃንስ ዜደንቕ ራእይ ኣርኣዮ። (ራእ. 1:1) እሞ ደኣ ዮሃንስ ነቲ ራእይ ምስ ረኣየ እንታይ ገበረ፧ ነቲ መልኣኽ ኪሰግደሉ ሓሰበ። እቲ እሙን መንፈሳዊ ፍጡር ግና፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ! ኣነስ ከማኻን ከምቶም . . . ኣሕዋትካን ባርያ እየ። ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” ኢሉ ብቕልጡፍ ከልከሎ። (ራእ. 19:10) እቲ መልኣኽ እቲ ብሓቂ ትሑት እዩ ነይሩ። ክብሪ ወይ ኣድናቖት ኪረክብ ኣይደለየን። የግዳስ፡ ንዮሃንስ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዜተኵር ገበሮ። ብዘይካዚ እውን፡ እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ኣይነዓቖን። ንየሆዋ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ዘገልገለን ካብ ዮሃንስ ኣጸቢቑ ዚሕይልን እኳ እንተ ዀነ፡ ‘ከማኻ ባርያ እየ’ ኢሉ እዩ ተዛሪብዎ። ነቲ ሸምጊሉ ዝነበረ ሃዋርያ ኺእርሞ ኸሎ እውን ተሪር መግናሕቲ ኣይኰነን ሂብዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብለውሃት እዩ ተዛሪብዎ። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ዮሃንስ በቲ ዝረኣዮ ኣመና ተደኒቑ ምንባሩ ስለ ዘስተውዓለ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ መልኣኽ ምስ ዮሃንስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ትሕትና ኣርኣየ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)
6. ትሑታት ብምዃን ከመይ ጌርና ኢና ንመላእኽቲ ኽንመስሎም እንኽእል፧
6 ትሑታት ብምዃን ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንመላእኽቲ ኽንመስሎም እንኽእል፧ ንሕና እውን ብዘይ ትምክሕቲ ወይ ጃህራ ዕዮና ኽንፍጽም ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 4:7) ብተወሳኺ፡ ካብ ካልኦት ንዝነውሐ ግዜ እንተ ኣገልጊልና፡ ወይ ፍሉይ መሰላት እንተ ኣልዩና፡ ካባታቶም እንበልጽ ኰይኑ ኺስምዓና የብሉን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ዝያዳ ሓላፍነታት ብእተሰከምና መጠን ርእስና ኻብ ካልኦት ብዝያዳ ኸነንእስ ኣሎና። (ሉቃ. 9:48) ከመይሲ፡ ከም መላእኽቲ ኸነገልግል ኢና እንደሊ። ገዛእ ርእስና ኽብ ከነብል ኣይንደልን ኢና።
7. ንሰብ መአረምታ ወይ ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ብኸመይ ኢና ነዚ ብትሕትና ኽንገብሮ እንኽእል፧
7 ንሕና እውን ንክርስትያን ብጻይና ወይ ንሓደ ቘልዓ ኽንእርም ወይ ክንመክር ከለና፡ ነዚ ብትሕትና ኽንገብሮ ኣሎና። ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ብቐጥታ ኽንዛረብ የድልየና ይኸውን። ከምቲ ንዮሃንስ ብለውሃት ዝኣረሞ መልኣኽ ግና፡ ነቲ ሰብ ከይደቖስናዮ ብቐጥታ ምኽሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ገዛእ ርእስና ኽብ ኣቢልና ዘይንርኢ እንተ ዄንና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ብኣኽብሮትን ብርሕራሐን ክንህብ ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 4:6።
መላእኽቲ ንሰባት ፍቕሪ ኣለዎም
8. (ሀ) ብመሰረት ሉቃስ 15:10፡ መላእኽቲ ንሰባት ዘለዎም ፍቕሪ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ግደ ኣለዎም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
8 መላእኽቲ ምስ ሰባት ርክብ ኪህልዎም ዘይደልዩ ወይ ንሰባት ዚንዕቁ ፍጡራት ኣይኰኑን። እኳ ደኣስ ንሰባት ፍቕሪ ኣለዎም። ሓደ ሓጥእ ኪንሳሕ ከሎ፡ ማለት ሓደ ጥፉእ በጊዕ ናብ የሆዋ ኺምለስ ከሎ፡ ወይ ሓደ ሰብ መገዱ ለዊጡ ናብ ሓቂ ኺመጽእ ከሎ፡ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዚኸውን። (ሉቃስ 15:10 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ብንጥፈት ይሳተፉ እዮም። (ራእ. 14:6) ንሰባት ብቐጥታ ዘይሰብኩሎም እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሓደ ኣስፋሒ ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጥ ናብ ዚደሊ ሰብ ኪመርሕዎ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣሳልጦ ኣብ እንረኽበሉ እዋን፡ ርግጸኛታት ኴንና እቲ ነገር ኢድ መላእኽቲ ኸም ዝነበሮ ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ንሰባት ንምሕጋዝ ወይ ንኣገልገልቱ ንምምራሕ ካልእ መገድታት ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መንፈስ ቅዱስ ኪጥቀም ይኽእል እዩ። (ግብ. 16:6, 7) ይኹን እምበር፡ ንመላእኽቲ እውን ኣጸቢቑ ኸም ዚጥቀመሎም ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ንሰባት ከነበስር ከለና ደገፍ መላእኽቲ ኸም ዘይፍለየና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—“ጸሎቶም ተመሊሱሎም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።b
ሰብኣይን ሰበይትን ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ወዲኦም ናብ ቤቶም ኪምለሱ ኸለዉ፡ እታ ሓብቲ ንሓንቲ እተጨነቐት ሰበይቲ ትጥምታ። መላእኽቲ፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ናብ ዜድልዮም ሰባት ኪመርሑና ኸም ዚኽእሉ ስለ ዘስተውዓለት ከኣ፡ ነታ ሰበይቲ ኸተጸናንዓ ትለዓዓል (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)
9. ንሰባት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንመላእኽቲ ኽንመስሎም እንኽእል፧
9 ንሰባት ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንመላእኽቲ ኽንመስሎም እንኽእል፧ ሓደ ሰብ ካብ ውገዳ ኸም እተመልሰ ምልክታ ኽንሰምዕ ከለና፡ ከም መላእኽቲ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። ነቲ ሓው ሓንጎፋይ ኢልና ንምቕባልን ፍቕርና ንምግላጽን ዚከኣለና ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 15:4-7፣ 2 ቈረ. 2:6-8) ኣብ ዕዮ ስብከት ዓቕምና ዚፈቕደልና ዅሉ ብምግባር እውን ንመላእኽቲ ኽንመስሎም ንኽእል ኢና። (መክ. 11:6) ከምቲ መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚድግፉና፡ ንሕና እውን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ ኣገልግሎት ንምድጋፍ መገድታት ከነናዲ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዙሕ ተመክሮ ምስ ዘይብሉ ኣስፋሒ ንምግልጋል መደብ ክንገብር ንኽእልዶ፧ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወይ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትንከ ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺሳተፉ ኽንድግፎም ንኽእልዶ፧
10. ካብ ተመክሮ ሴራ እንታይ ንምሃር፧
10 ኵነታትና ዚድርተና እንተ ዀይኑኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስ መላእኽቲ ሓቢርና ንምዕያይ መገድታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ተመክሮ ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትነብር ሴራc ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ንኣስታት 20 ዓመት ፈላሚት ኰይና ድሕሪ ምግልጋላ ብሰንኪ ሕማም ካብ ዓራታ ኽትትንስእ ዘይትኽእል ኰነት። እዚ ድማ ከቢድ ጭንቀት ኣሕደረላ። ካብ ፈቃራት መንፈሳውያን ስድራ ቤታን ካብ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ደገፍ ስለ ዝረኸበት ግና፡ ከም ብሓድሽ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኸተሕድር ከኣለት። እንተዀነ ግና፡ ምስ ኵነታታ ዚሰማማዕ ኣገልግሎታ እትፍጽመሉ ሓድሽ መገዲ ኽትረክብ ነበራ። ቅንዕ ኢላ ኾፍ ክትብል ስለ ዘይትኽእል ግና፡ ደብዳበታት እኳ ኽትጽሕፍ ኣይከኣለትን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣገልግሎታ ብተሌፎን ኣብ ዚግበር ምስክርነት ተደረተ። ስለዚ፡ ተመላሊስካ ምብጻሓት ንእትገብረሎም ሰባት ደወለትሎም። ንሳቶም ድማ ምስ ካልኦት ግዱሳት ኣፋለጥዋ። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ 70 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበት። እዚኣቶም ድማ ልዕሊ ዓቕማ እዮም ኰይኖምዋ። ስለዚ፡ ንገሊኦም ኣብ ጉባኤኣ ናብ ዘለዉ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣመሓላለፈቶም። ሕጂ ሓያሎ ኻብቶም ተምሃሮኣ ኣብ ኣኼባታት ይእከቡ ኣለዉ። መላእኽቲ ምስ ከም ሴራ ዝኣመሰሉ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚከኣሎም ዚገብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪዓይዩ ኸለዉ ኣዝዮም እዮም ዚሕጐሱ!
መላእኽቲ ተጻዋርነት ኣለዎም
11. እሙናት መላእኽቲ ዜደንቕ ተጻዋርነት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
11 እሙናት መላእኽቲ ተጻዋርነት ብምርኣይ ዝመጸ፡ ዜደንቕ ኣብነት ይዀኑና እዮም። ንኣሽሓት ዓመታት ዘይፍትሓውነትን እከይን ተጻዊሮም እዮም። ኣብ ጐድኖም ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰይጣንን ካልኦት መንፈሳውያን ፍጡራትን ካብ የሆዋ ኺዓልዉ ኸለዉ ኸኣ ርእዮም እዮም። (ዘፍ. 3:1፣ 6:1, 2፣ ይሁ. 6) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሓያል ጋኔን ንሓደ እሙን መልኣኽ ከም እተጻረሮ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ዳን. 10:13) ብዘይካዚ፡ መላእኽቲ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወዲ ሰብ ሒደት ሰባት ጥራይ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺመላለሱ እዮም ርእዮም። እዚ ዅሉ እናዀነ ኽነሱ፡ እዞም እሙናት መላእኽቲ እዚኦም ብሓጐስን ብቕንኣትን ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ኣምላኽ ብግዜኡ ንዅሉ ዘይፍትሓውነት ከም ዜወግዶ ድማ ይፈልጡ እዮም።
12. ክንጻወር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
12 ተጻዋርነት ብምርኣይ ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንመላእኽቲ ኽንመስሎም እንኽእል፧ ንሕና እውን ከም መላእኽቲ፡ ዘይፍትሓውነትን ተቓውሞን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ከማታቶም ግና ኣምላኽ ብግዜኡ ንዅሉ እከይ ከም ዜወግዶ ንኣምን ኢና። ስለዚ፡ ከም እሙናት መላእኽቲ ‘ሰናይ ንምግባር ኣይንስልክን’ ኢና። (ገላ. 6:9) ኣምላኽ እውን ተጻዋርነት ንምምዕባል ከም ዚሕግዘና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (1 ቈረ. 10:13) ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። እቲ መንፈስ እቲ ድማ፡ ዓቕልን ሓጐስን እዩ ዜፍርየልና። (ገላ. 5:22፣ ቈሎ. 1:11) ተቓውሞ እንተ ኣጋጢሙካኸ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ በዚ ኣይትደሃል፡ ንየሆዋ እውን ምሉእ ብምሉእ እመኖ። የሆዋ ኸኣ ኪድግፈካን ኬበርትዓካን እዩ።—እብ. 13:6።
መላእኽቲ ንንጽህና ጉባኤ ኣብ ምሕላው እጃሞም የበርክቱ
13. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መላእኽቲ እንታይ ፍሉይ ዕዮ እዩ ዘለዎም፧ (ማቴዎስ 13:47-49)
13 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ የሆዋ ንመላእኽቲ ፍሉይ ዕዮ ሂብዎም ኣሎ። (ማቴዎስ 13:47-49 ኣንብብ።) ዕዮ ስብከት በበይኖም ንዝዓይነቶም ሚልዮናት ሰባት እዩ ዚስሕብ። ገሊኣቶም ስጕምቲ ብምውሳድ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይዀኑ እዮም፣ ገሊኣቶም ግና ስጕምቲ ኣይወስዱን እዮም። መላእኽቲ ኸኣ “ነቶም እኩያት ካብ መንጎ ጻድቃን ኪፈልይዎም” ዕዮ ተዋሂብዎም ኣሎ። እዚ ድማ ንንጽህና ጉባኤ ናይ ምሕላው ዕዮ ተዋሂብዎም ኣሎ ማለት እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና ምሳና ዝነበሮ ቕርርብ ዘቋረጸ ዘበለ ዅሉ ኺምለስ ኣይክእልን እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ኣብ ጉባኤ ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣየጋጥምን እዩ ማለት እውን ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ መላእኽቲ ንንጽህና ጉባኤታትና ንምሕላው ብትግሃት ይዓይዩ ኸም ዘለዉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
14-15. ብዛዕባ መንፈሳውን ስነ ምግባራውን ንጽህና ጉባኤ ብምሕላይ ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንመላእኽቲ ኽንመስሎም እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)
14 ንጽህና ጉባኤ ዜተሓሳስበና ብምዃን ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንመላእኽቲ ኽንመስሎም እንኽእል፧ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ጉባኤና ንምሕላው እጃምና ብምብርካት ኢና ኸምኡ እንገብር፡ ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ብምሕራይን ኬበላሽወና ኻብ ዚኽእል ጽልዋታት ብምርሓቕን፡ ንልብና ኽንሕልዎ ንጽዕር ኢና። (መዝ. 101:3) ክርስትያናት ብጾትና ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ምእንቲ ኺመላለሱ እውን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ እንተ ፈሊጥና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ካብቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ተበጊስና ንሽማግለታት ኬዛርቦም ነተባብዖ ኢና። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ ግና ባዕልና ንሽማግለታት ንነግሮም ኢና። ምኽንያቱ፡ መንፈሳዊ ድኻም ዘለዎ መንፈሳዊ ብጻይና ቕልጡፍ ሓገዝ ኪግበረሉ ኢና እንደሊ።—ያእ. 5:14, 15።
15 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሰባት ካብ ጉባኤ ኺውገዱ ኣለዎም። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ደጊም ከይትጽምበሩ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብና ኣሎ።d (1 ቈረ. 5:9-13) እዚ ስርዓት እዚ ንጽህና ጉባኤ ኸም ዚሕሎ ይገብር እዩ። ብተወሳኺ፡ ምስ እተወገዱ ሰባት ብዘይምቅርራብና፡ ንዓታቶም ጽቡቕ ኢና እንገብረሎም ዘለና። እቲ ተሪር መትከልና ናብ ልቦም ኪምለሱ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ገይሮም ከኣ፡ ምስ የሆዋን ምስ መላእኽትን ሓቢርና ንሕጐስ ኢና።—ሉቃ. 15:7።
ክርስትያን ብጻይና ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ እንተ ፈሊጥና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)e
16. ብምንታይ መገድታት ኢኻ ንመላእኽቲ ኽትመስሎም እትጽዕር፧
16 ብናይ እምነት ዓይንና ንመንፈሳዊ ዓለም ክንርኢ ምኽኣልና፡ ምስ መላእኽቲ ሓቢርና እውን ክንዓዪ ምኽኣልና ብሓቂ ዓብዪ ኽብሪ እዩ! እምበኣር፡ ነቲ ሰናይ ባህርያቶም ማለት ንትሕትናኦም፡ ነቲ ንሰባት ዘለዎም ፍቕሪ፡ ንተጻዋርነቶም፡ ከምኡ እውን ነቲ ብዛዕባ ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህና ጉባኤ ዘለዎም ሓልዮት ብምቕዳሕ ንዓታቶም ንምሰሎም። ንእሙናት መላእኽቲ እንተ መሲልናዮም፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኣባላት ስድራ ቤት ኣምለኽቲ የሆዋ ኽንከውን ኢና።
መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ
a ካብቶም ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ መላእኽቲ፡ ክልተ ጥራይ እዮም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሞም ተጠቒሶም ዘለዉ። ንሳቶም ከኣ ሚካኤልን ገብርኤልን እዮም።—ዳን. 12:1፣ ሉቃ. 1:19።
b ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንዴክስ፡ “Angels” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ “angelic direction (examples)” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ተወሳኺ ተመክሮታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
c ስም ተቐዪሩ እዩ።
d ከምቲ ኣብ እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል 2024—ቍ. 2 እተገልጸ፡ ሓደ ኻብ ጉባኤ እተወገደ ሰብ ናብ ኣኼባ ጉባኤ እንተ መጺኡ፡ ሓደ ኣስፋሒ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ተጠቒሙ ሓጺር ሰላምታ ንምሃብን ናብ ኣኼባ ንምቕባልን ኪውስን ይኽእል እዩ።
e መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንመሓዛኣ፡ ንሽማግለታት ከተዛርቦም ትምሕጸና። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ እታ መሓዛኣ ስለ ዘይተዛረበት፡ እታ ሓብቲ ባዕላ ንሽማግለታት ትነግሮም።