ታሪኽ ህይወት
ኣብ ምሉእ ህይወትና ኻብቲ ዓብዪ መምህርና ዝረኸብናዮ ትምህርቲ
ኣነን ሰበይተይን፡ ፈለምትን ሚስዮናውያንን ኴንና ኣብ ዘሕለፍናዮ እዋን ብዙሕ ሓደገኛ ዅነታት ኣሕሊፍና ኢና። ንኣብነት፡ ብዕጡቓት ዚሕሎ መፈተሺ ነቝጣ ኣጓኒፉና፡ ሓዊ ኣቃጺሎም መገዲ ኺዓጽዉ ርኢና፡ ህቦብላ ንፋስ ኣጋጢሙና፡ ውግእ ሓድሕድ ርኢና፡ ብሃንደበት ከኣ ካብ ዓዲ ኽንወጽእ ተገዲድና ኢና። እዚ ዅሉ ዀይኑ ኼብቅዕ ግና፡ ንህይወትና ብኻልእ ህይወት ኣይምለወጥናዮን! ኣብ ምሉእ ህይወትና፡ የሆዋ ደጊፉናን ባሪኹናን እዩ። ንሱ ዓብዪ መምህርና ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርቲ ምሂሩና እዩ።—እዮ. 36:22፣ ኢሳ. 30:20።
ወለደይ ዝሓደጉለይ ኣብነት
ኣብ መወዳእታ 1950ታት፡ ወለደይ ካብ ኢጣልያ ናብታ ኣብ ሰስካችወን፡ ካናዳ እትርከብ ከተማ ኪንደርዝሊ ፈለሱ። ድሕርዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ሓቂ ፈለጡ። ሓቂ ድማ ማእከል ህይወትና ዀነት። ብቝልዕነተይ ምስ ስድራ ቤትና ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ከሕልፍ ትዝ ይብለኒ። ስለዚ ሓድሓደ ግዜ፡ ገና ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከለኹ፡ “ሓጋዚ ፈላሚ ዀይነ” ኢለ እዋዘ ነይረ!
ኣብ ከባቢ 1966 ምስ ስድራ ቤተይ
ወለደይ ድኻታት እዮም ነይሮም፣ ምእንቲ የሆዋ መስዋእቲ ብምኽፋል ዝመጸ ግና፡ ሰናይ ኣብነት እዮም ነይሮም። ንኣብነት፡ ብ1963 ኣብቲ ኣብ ፓሰዲና፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚግበር ኣህጉራዊ ኣኼባ ንምእካብ ዜድልዮም ገንዘብ ኪረኽቡ ኢሎም ሓያሎ ንብረቶም ሸጡ። ብ1972 ድማ ንተዛረብቲ ቛንቋ ጥልያንኛ ንምሕጋዝ፡ ናብታ 1,000 ኪሎ ሜተር (ኣስታት 620 ማይል) ርሒቓ እትርከብ ትረይል፡ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ካናዳ ገዓዙ። ኣቦይ ከኣ ኣብ ሓደ ትካል ናይ ጽሬት ስራሕ ይሰርሕ ነበረ። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታቱ ኼተኵር ኢሉ ድማ፡ ናይ ስራሕ ዕቤት ምቕባል ኣበየ።
ስለቲ ወለደይን ሓወይን ኣሓተይን ዝሓደጉለይ ኣብነት ብዙሕ እየ ዘመስግን። ኣብ ቲኦክራስያዊ ስልጠናይ ድልዱል መሰረት እዮም ኣንቢሮምለይ። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዘይርስዖ ትምህርቲ እዮም ሂቦምኒ። እወ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲመ፡ የሆዋ ይከናኸነኒ እዩ።—ማቴ. 6:33።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንፈለማ ግዜ ዝጠዓምናሉ እዋን
ብ1980 ንሓንቲ ደቢ እትብሃል ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታት ዘለዋ ውቅብቲ ሓብቲ ተመርዓኽዋ። ክልቴና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንኣቱ፡ ድሌት ነበረና። ስለዚ፡ ደቢ ኻብቲ እተመርዓናሉ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ካብቲ እተመርዓናሉ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩላ ንእሽቶ ጉባኤ ገዓዝና። ኣነ እውን ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ንደቢ ተጸምበርክዋ።
ብ1980 ኣብ መዓልቲ መርዓና
ድሕሪ እተወሰነ እዋን ግና፡ በቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅነታት ስለ ዝጐሃና፡ ናብ ካልእ ዓዲ ኽንግዕዝ ደለና። ፈለማ ግና፡ ንሓላው ወረዳና ኣዛረብናዮ። ንሱ ኸኣ ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ፡ “ንስኻትኩም እውን ነቲ ጸገም ኣበርክቶ ትገብሩ ኣለኹም። ኣብቲ ኣሉታዊ መዳያት ኵነታትኩም ኢኹም እተተኵሩ ዘለኹም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣወንታዊ ነገራት ድለዩ እሞ ኽትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ብግልጺ ነገረና። እዚ ብልክዕ ዜድልየና ምኽሪ እዩ ነይሩ። (መዝ. 141:5) ብኡብኡ ምስ ተግበርናዮ፡ ነዊሕ ከይጸናሕና ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ከም ዘሎ ኣስተብሃልና። ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ እተፈላለዩ ሰባት፡ እንተላይ መንእሰያትን ገሊኦም ዘይኣማኒ መጻምድቲ ዘለዎምን ንየሆዋ ብዝያዳ ኼገልግልዎ ይደልዩ ነይሮም እዮም። እቲ ነገር እቲ ዓብዪ ትምህርቲ እዩ ዀይኑና። ኣብ ጽቡቕ ነገር ከነተኵር፡ ኣጸጋሚ ዚመስል ኵነታት ከኣ የሆዋ ኽሳዕ ዜዐርዮ ኽንጽበ ተማሂርና ኢና። (ሚክ. 7:7) በዚ ኸምዚ፡ ከም ብሓድሽ ሓጐስ ረኸብና፡ ኵነታት እውን እናተመሓየሸ ኸደ።
ኣብ ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርቲ ፈለምቲ ዝመሃሩና መምህራንና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘገልገሉ እዮም ነይሮም። ብዛዕባ እቲ ዘሕለፍዎ ብድሆታትን ዝረኸብዎ በረኸትን ስእሊ ኼርእዩናን ኬዘንትዉልናን ከለዉ፡ ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግል ድሌት ኣሕደሩልና። ስለዚ፡ ናብዚ መዳይ ኣገልግሎት እዚ ኽንኣቱ ወሰንና።
ብ1983 ኣብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ኣብ እትርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ድማ፡ ብ1984 ካብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ናብታ ተዛረብቲ ፈረንሳይኛ ዚነብርዋ ኲበክ ልዕሊ 4,000 ኪሎ ሜተር (2,485 ማይል) ርሒቓ እትርከብ ዓዲ ገዓዝና። ኣብኡ ሓድሽ ባህልን ሓድሽ ቋንቋን ክንለምድ ነበረና። ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዘይነበረና እውን፡ እዚ ኣጸጊሙና ነይሩ እዩ። ንኣብነት ሓደ ግዜ፡ ኣብ ግራት ሓደ ሓረስታይ ዝተረፈ ድንሽ ኣራሪና ኢና ገዛእ ርእስና ኽንዕንግል ክኢልና። ደቢ ድማ ብድንሽ ገይራ እተፈላለየ ጥዑም ምግቢ ምድላው ትኽእለሉ ነይራ እያ! ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ነበረና፡ ሓጐስና ግና ኣየጥፋእናን። የሆዋ ይከናኸነና ኸም ዘሎ እውን ርኢና ኢና።—መዝ. 64:10።
ሓደ መዓልቲ፡ ብሃንደበት ተሌፎን ተደወለልና። ኣብቲ ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል እዩ ጻውዒት ቀሪቡልና። ኣቐዲምና ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንኣቱ ኣመልኪትና ስለ ዝነበርና፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤት-ኤል እተሓዋወሰ ስምዒት እዩ ተሰሚዑና። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ዝቐረበልና ጻውዒት ተቐበልናዮ። ናብ ቤት-ኤል ምስ ከድና፡ ነቲ ሽዑ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓውና ከነት ሊትል፡ “እቲ ናብ ጊልዓድ ክንኣቱ ዝመላእናዮ መመልከቲ ደኣኸ፧” ኢልና ሓተትናዮ። ንሱ ድማ፡ “ምስ ተጸዋዕኩም ነርክበሉ” ኢሉ መለሰልና።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ እቲ ጻውዒት እቲ መጸ። ኣነን ደቢን ናብ ጊልዓድ ተጸዋዕና። ስለዚ፡ ውሳነ ኽንገብር ነበረና። ሓውና ሊትል፡ “ዝመረጽኩም እኳ እንተ መረጽኩም፡ ኣብ ገሊኡ መዓልትታት፡ ‘ብኻ እቲ ሓደ መሪጸ’ ኢልኩም ክትሓስቡ ኢኹም። ሓደ ኻብቲ ሓደ ዝሓሸ ኣይኰነን። የሆዋ ንኽልቲኡ ኺባርኾ ይኽእል እዩ” በለና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ነቲ ናብ ጊልዓድ ክንኣቱ ዝቐረበልና ጻውዒት ተቐበልና። ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ከኣ፡ ሓቅነት እቲ ሓውና ሊትል ዝሃበና ምኽሪ ርኢና ኢና። ንየሆዋ ንምግልጋል እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንዝቐረበሎም ኣሕዋት፡ ብዙሕ ሳዕ ነዚ ቓላት እዚ ጠቒስናሎም ኢና።
ሚስዮናውያን ኴንና ዘሕለፍናዮ ህይወት
(ጸጋም) ዩሊሲዝ ግላስ
(የማን) ጃክ ሬድፎርድ
ካብቶም ኣብ መበል 83 ክፍሊ ጊልዓድ ዝኣተዉ 24 ተምሃሮ ብምዃንና፡ ኣዚና ኢና ተሓጒስና። እቲ ትምህርቲ እቲ ኣብ ሚያዝያ 1987 ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ተጀመረ። ቀንዲ መምህራንና ሓውና ዩሊሲዝ ግላስን ሓውና ጃክ ሬድፎርድን እዮም ነይሮም። ሓሙሽተ ወርሒ ኸይተፈለጠና እዩ ሓሊፉ፣ ብ6 መስከረም 1987 ድማ ተመረቕና። ምስ ጆን ጉድን ሜሪ ጉድን ከኣ ናብ ሀይቲ ተመደብና።
ብ1988 ኣብ ሀይቲ
ካብቲ ብ1962 ሚስዮናውያን ካብ ሀይቲ እተባረሩሉ ንደሓር፡ ካብ ጊልዓድ እተመረቑ ሚስዮናውያን ናብታ ዓዲ እቲኣ ኣይተላእኩን ነይሮም። ካብቲ እተመረቕናሉ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ኣኽራን ሀይቲ ኣብ እትርከብ 35 ኣስፋሕቲ ዘለውዋ ንእሽቶ ጉባኤ ኸነገልግል ጀመርና። ሽዑ ንኣሽቱ ኢና ኔርና፡ ተመክሮ ኣይነበረናን፡ ኣብ ቤት ሚስዮናውያን ከኣ በይንና ኢና ኔርና። እቶም ህዝቢ ድኻታት እዮም ነይሮም፡ መብዛሕትኦም እውን ኬንብቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣብቲ ሚስዮናውያን ኴንና ዘገልገልናሉ ቐዳሞት ዓመታት፡ ናዕቢ ኣጓኒፉና፡ ግልበጣታት መንግስቲ ኣጋጢሙና፡ ሓዊ ኣቃጺሎም መገዲ ኺዓጽዉ ርኢና፡ ህቦብላ ንፋስ እውን ኣጓኒፉና እዩ።
ካብቶም ኣብ ሀይቲ ዚነብሩ ሓቦኛታትን ሕጉሳትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ኢና ተማሂርና። ብዙሓት ከቢድ ህይወት እኳ እንተ ነበሮም፡ ንየሆዋን ንኣገልግሎቱን ግና ይፈትዉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኸተንብብ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። እንተዀነ ግና፡ ብልባ ኣስታት 150 ጥቕሲ እያ እትፈልጥ። መዓልቲ መዓልቲ እንርእዮ ዝነበርና ዅነታት፡ ብዛዕባ እታ እንኮ ፍታሕ ጸገማት ደቂ ሰብ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ እምነትና ኣደልዲሉልና እዩ። ገሊኦም ካብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርናዮም ተምሃሮና እውን፡ ስሩዓት ፈለምቲ፡ ፍሉያት ፈለምቲ፡ ወይ ሽማግለታት ኰይኖም ኬገልግሉ ብምርኣይና፡ ልብና ብሓጐስ ተመሊኡ እዩ።
ኣብ ሀይቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ምስ ሓደ ትሬቨር ዚብሃል መንእሰይ ሚስዮናዊ ሞርሞን ተራኸብኩ። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ድማ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥና። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ካብኡ ዘይተጸበኽዋ ደብዳበ መጸትኒ። “ኣብ ዚቕጽል ኣኼባ ኽጥመቕ እየ! ናብ ሀይቲ ተመሊሰ፡ ኣብቲ ሚስዮናዊ ሞርሞን ኰይነ ዘገልገልኩሉ ቦታ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል እደሊ እየ” ኢሉ ጸሓፈለይ። ንሱን ሰበይቱን ንሓያሎ ዓመታት ከምኡ ገበሩ።
ኤውሮጳ፡ ድሕሪኡ ኣፍሪቃ
ብ1994 ኣብ ስሎቨንያ እናዓየኹ
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ኤውሮጳ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበረ ቐይዲ እናነከየ ኸደ፣ ንሕና እውን ኣብኡ ኸነገልግል ተመደብና። ብ1992 ናብ ልዩብልያና፡ ስሎቨንያ ኸድና። ወለደይ ናብ ኢጣልያ ቕድሚ ምኻዶም፡ ኣብቲ ኸባቢ እቲ እዮም ዓብዮም። ኣብታ ኣቐዲማ ዩጎስላቭያ እትብሃል ዝነበረት ዓዲ ብርቱዕ ውግእ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ቭየና፡ ኦስትርያ ዚርከብ ጨንፈር፡ እቲ ኣብ ዛግሬብ፡ ክሮአሽያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት፡ ከምኡ ድማ እቲ ኣብ በልግሬድ፡ ሰርብያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ነቲ ኣብቲ ዞባ ዚግበር ዕዮ ብሓላፍነት ይመርሖ ነበረ። ድሕርዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር፡ ነናታ ቤት-ኤል ኪህልዋ ተወሰነ።
ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ ካልእ ቋንቋን ባህልን ክንለምድ ነበረና። ደቂ እቲ ዓዲ፡ “የዠክ የ ተዠክ፡” ማለት “እዚ ቛንቋ ኸቢድ እዩ” ይብሉ እዮም። ብሓቂ እውን ከቢድ እዩ! ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንውድባዊ ኣሰራርሓ ተሓጒሶም ስለ እተቐበልዎ፡ ንተኣማንነቶም ኣድኒቕናዮ ኢና፣ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባረኾም እውን ርኢና ኢና። ኣብቲ ኣጋጣሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንነገራት ብፍቕሪ ኣብ ግዜኡ ኸም ዜዐርዮ ርኢና ኢና። እቲ ኣብ ስሎቨንያ ዘሕለፍናዮ ዓመታት፡ ነቲ ድሮ ረኺብናዮ ዝነበርና ትምህርትታት ኣደልዲሉልና፡ ሓድሽ ትምህርትታት እውን ምሂሩና እዩ።
ድሕርዚ እውን እንተ ዀነ፡ ገና ብዙሕ ለውጥታት ኣጓኒፉና እዩ። ብ2000 ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ኮት ዲቭዋር ተመደብና። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሕዳር 2002 ብሰንኪ ውግእ ሓድሕድ ናብ ሰራ ልዮን ክንሃድም ተገደድና። እቲ ኣብ ሰራ ልዮን ን11 ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ካብ ዜብቅዕ ነዊሕ ኣይገበረን ነይሩ። ብድንገት ካብ ኮት ዲቭዋር ምውጻእ፡ ኣመና እዩ ኸቢዱና ነይሩ። እቲ ድሮ እተምሃርናዮ ትምህርትታት ግና፡ ሓጐስና ኽንዕቅብ ኣኽኢሉና እዩ።
ኣብቲ ፍርያም ክልን ኣብቶም ንዓመታት ዝቐጸለ ውግእ እተጻወሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣተኰርና። ብስጋዊ መዳይ ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ፡ እታ ዘላቶም ንኻልእ ኬካፍሉ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ንደቢ፡ ክዳውንቲ ሃበታ። ደቢ ምቕባል ምስ ኣበየት፡ እታ ሓብቲ፡ “ኣብ እዋን ውግእ፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋትና ደጊፎምና እዮም። ሕጂ ንሕና ብተራና ንሕግዝ ኢና” በለታ። ንሕና እውን ኣብነቶም ንምስዓብ ሸቶ ገበርና።
ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ናብ ኮት ዲቭዋር ተመለስና። እቲ ኣብ ውሽጢ ተደጒሉ ዝነበረ ውጥረት ግና፡ ከም ብሓድሽ ነተጐ። ስለዚ ኣብ ሕዳር 2004፡ ነፍሲ ወከፍና ዓዓሰርተ ኪሎ ግራም (22 ፓውንድ) ዚምዘን ሳንጣ ሒዝና ብሄሊኮፕተር ካብታ ዓዲ ሃደምና። ለይቲ ኣብ ባይታ ሰፈር ወተሃደራት ፈረንሳይ ሓደርና። ንጽብሒቱ ድማ፡ ናብ ስዊዘርላንድ ከድና። ኣጋ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ናብቲ ጨንፈር ምስ በጻሕና፡ ኣባል ኮሚተ ጨንፈርን መምህራን ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልትን ኣንስቶምን ሕቝፍ እናኣበሉ ተቐበሉና። ውዑይ ምግብን ናይ ስዊዘርላንድ ቸኮሌትን እውን ኣዳልዮምልና ጸንሑ። እዚ ብሓቂ ንልብና ተንክይዎ እዩ።
ብ2005 ኣብ ኮት ዲቭዋር ንዚነብሩ ስደተኛታት መደረ እናኣቕረብኩ
ንግዜኡ ናብ ጋና ተመደብና፡ እቲ ናዕቢ ምስ ሃድአ ድማ ናብ ኮት ዲቭዋር ተመለስና። ኣብቲ ኻብ ምድብና ወጺእና ንግዜኡ ኣብ ካልእ እነገልግለሉ ዝነበርና እዋን፡ ናይ ኣሕዋት ለውሃት ብዙሕ እዩ ሓጊዙና። ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣብ ውድብ የሆዋ ብብዝሒ እትርአ እኳ እንተ ዀነት፡ ኣቕሊልና ኸይንርእያ ግና ኣነን ደቢን ተሰማሚዕና ኢና። ከም ሓቂ፡ ካብቲ ሕማቕ እዋን እቲ፡ ጽቡቕ ስልጠና ኢና ረኺብና።
ናብ ማእከላይ ምብራቕ
ብ2007 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ
ብ2006 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከነገልግል ሓድሽ ምድብ ከም እተዋህበና እትገልጽ ደብዳበ ኻብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት መጸትና። ኣብቲ እዋን እቲ እውን፡ ሓድሽ ጸገማትን ቋንቋታትን ባህልታትን ክንለምድ ነበረና። ኣብቲ ብሰንኪ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ውጥረት ዝሰፈኖ ዓዲ፡ ብዙሕ ኢና ተማሂርና። እተን ጉባኤታት በበይኑ ቛንቋታት ዚጥቀማ ምዃነን ፈቶናዮ፣ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ምስዓብ ሓድነት ከም ዜምጽእ ድማ ረኣና። መብዛሕትኦም እቶም ኣሕዋትና እውን ካብ ኣባላት ቤተ ሰቦምን መማህርቶምን መሳርሕቶምን ጐረባብቶምን ንዘጋጠሞም ተቓውሞ ስለ እተጻወሩ ኣድነቕናዮም።
ብ2012 ኣብቲ ኣብ ቴል ኣቪቭ፡ እስራኤል እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ ተኣከብና። እቲ ኣኼባ እቲ፡ ኣብቲ ዞባ እቲ ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ፡ ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ንነጀው ብዙሓት ኰይኖም እተኣከቡሉ እዩ ነይሩ። ብሓቂ ዘይርሳዕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ!
ኣብተን ዓመታት እቲአን፡ ንዕዮና ቐይዲ ናብ እተገብረላ ሃገር ክንበጽሕ ተለኣኽና። ስለዚ ናብታ ሃገር ገለ ኻብ ጽሑፋትና ሒዝና ኣቶና፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ተሳተፍና፡ ሒደት ተኣከብቲ ኣብ ዘለውዎ ኣኼባታት ወረዳ እውን ተኣከብና። ኣብ ፈቐዶኡ፡ ዕጡቓት ሚሊሻን መፈተሺ ነቝጣታትን ንረክብ ኔርና። ኰይኑ ግና፡ ምስቶም ሒደት ኣስፋሕቲ ብጥበብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንንቀሳቐስ ስለ ዝነበርና፡ ኣይሰጋእናን።
ናብ ኣፍሪቃ ተመለስና
ብ2014 ኣብ ኮንጎ መደረ እናተዳሎኹ
ብ2013 ፍልይ ዝበለ ምድብ ተዋህበና። ኣብቲ ኣብ ኪንሻሳ፡ ኮንጎ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከነገልግል ተመደብና። ኮንጎ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ዘለዋ ሰፋሕ ሃገር እያ። ኰይኑ ግና፡ ብኽቱር ድኽነትን ብግጭትን እትሳቐ ሃገር እያ። ኣብ ፈለማ፡ “ንኣፍሪቃ ንፈልጦ ኢና፣ ነዚ ድሉዋት ኢና” ኢልና ሓሰብና። ብዙሕ እንምሃሮ ነገር ግና ነይሩና። ምናዳ ውሱን ትሕተ ቕርጺ ኣብ ዘለዋ ዓዲ ብኸመይ ጕዕዞ ኸም እትገብር ክንምሃር ነይሩና። እዛ ዓዲ እዚኣ እውን፡ ብዙሕ ከነተኵረሉ እንኽእል ኣወንታዊ ነገራት ነይርዋ። ገለ ኻብኡ፡ ኣሕዋትና ቝጠባዊ ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ፡ ዜርእይዎ ጽንዓትን ሓጐስን፡ ንኣገልግሎት ዘለዎም ፍቕሪ፡ ኣብ ሰሙናዊ ዀነ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምእካብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኪግስግስ ዝኸኣለ፡ ሳላ ደገፍን በረኸትን የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ብዓይንና ርኢና ኢና። እቲ ኣብ ኮንጎ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍናዮ ዓመታት ዓብዪ ጦብላሕታ ሓዲጉልና እዩ፣ ብዙሓት ቤተ ሰብ እውን ኣጥሪና ኢና።
ብ2023 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናሰበኽና
ኣብ መወዳእታ 2017፡ ናብ ካልእ ምድብ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኸድና። እዚ ጨንፈር እዚ ኻብቲ ዘገልገልናሉ ጨናፍር፡ እቲ ዝዓበየ እዩ ነይሩ። ኣብ ቤት-ኤል ምግልጋል ከኣ ንዓና ሓድሽ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እውን ብዙሕ እንምሃሮ ነገር ነይሩና። እቲ ሕሉፍ ተመክሮና ግና፡ ሓጊዙና እዩ። ነቶም ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት እተጻወሩ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዚና ንፈትዎም ኢና። ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል እውን፡ ካብ በበይኑ ዓሌትን ባህልን ዝመጹ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብሓድነት ኪዓይዩ ምርኣይ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ሓድሽ ስብእና ኺለብሱን ስርዓታት የሆዋ ኺትግብሩን ከለዉ፡ የሆዋ ሰላም ብምሃብ ከም ዚባርኾም ርኡይ እዩ።
ኣብዚ ዅሉ ዓመታት እዚ፡ ኣነን ደቢን በበይኑ ባህልታት ለሚድና፡ ሓድሽ ቋንቋታት እውን ተማሂርና ኢና። ወትሩ ቐሊል ኣይነበረን፣ የሆዋ ብውድቡን በቶም ኣሕዋትናን ኣቢሉ ግና ብተኣማንነት ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ። (መዝ. 144:2) ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ስልጠና፡ ዝሓሽና ኣገልገልቲ የሆዋ ኽንከውን ከም ዘኽኣለና ንኣምን ኢና።
ነቲ ወለደይ ንዓይ ዘዕበዩሉ መገዲ፡ ነቲ ኻብ ዝፈትዋ ሰበይተይ ደቢ ዝረኽቦ ደገፍ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ ስድራ ቤት ዚርአ ብሉጽ ኣብነታት ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ኣብ መጻኢ እውን፡ ወትሩ ኻብቲ ዓብዪ መምህርና ኽንምሃር ቈሪጽና ኢና ዘለና።