ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሓምለ ገጽ 20-25
  • ናይ ዕግበት ‘ምስጢር ትፈልጥዶ፧’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ዕግበት ‘ምስጢር ትፈልጥዶ፧’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣመስጋኒ ኹን
  • ኣትኵሮኻ ኣይትስሓት፡ ትሑት እውን ኩን
  • ብዛዕባ ተስፋኻ ኣስተንትን
  • “እቶም ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን”
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሓምለ ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 31

መዝሙር 111 መሐጐሲና

ናይ ዕግበት ‘ምስጢር ትፈልጥዶ፧’

“ኣነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ።”—ፊል. 4:11።

ኣትኵሮ

ኣመስጋኒ ብምዃን፡ ኣትኵሮኻ ብዘይምስሓትን ትሑት ብምዃንን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ተስፋኻ ብምስትንታን፡ ዕግበት ብኸመይ ከም እትምሃር።

1. ዕግበት እንታይ እዩ፧ እንታይ ማለት ግና ኣይኰነን፧

ዕጉብ ዲኻ፧ ዕጉብ ሰብ ኣብ በረኸቱ ስለ ዜተኵር፡ ሓጐስን ሰላምን ኣለዎ። በቲ ዚጐድሎ ነገራት ኣይምረርን ወይ ኣይበሳጮን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዕጉብ ሰብ ኪብሃል ከሎ፡ ግዲ ዘይብሉ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ሓደ ክርስትያን ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ኣጋጣሚታት የናዲ እዩ። (ሮሜ 12:1፣ 1 ጢሞ. 3:1) ይኹን እምበር፡ ገሊኡ መሰላት ኣገልግሎት ከምቲ ዝሓሰቦ ብቕልጡፍ እንተ ዘይተዋሂብዎ፡ በዚ ሓጐሱ ኣይስእንን እዩ።

2. ዕግበት ምስኣን ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ዕግበት ምስኣን ከቢድ ሳዕቤናት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። እቶም ብዘለዎም ዘይዓግቡ ሰባት፡ ብሓቂ ዘየድልዮም ስጋዊ ጥሪት ንምጥራይ፡ ነዊሕ ሰዓታት ይለፍዑ ይዀኑ። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ገሊኦም ክርስትያናት ገንዘብን ካልእ ዚምነይዎ ነገራትን ሰሪቖም እዮም። ‘እዚ ይግብኣኒ እዩ፡’ ‘ነዚ ብዙሕ እየ ተጸብየ፡’ ‘ደሓር ክኸፍል እየ፡’ ኢሎም ንርእሶም ጠቢሮም ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስርቂ፡ ንየሆዋ የጕህዮን የሕስሮን እዩ። (ምሳ. 30:9) ገሊኦም ከኣ ገሊኡ መሰላት ኣገልግሎት ብዘይምርካቦም ኣዝዮም ስለ ዝጐሃዩ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ሓዲጎም እዮም። (ገላ. 6:9) ሓደ ርእሱ ዝወፈየ ኣምላኺ የሆዋ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዚኽእል፧ እቲ ጸገም፡ ዕግበቱ እናኣጥፍአ ብምኻዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

3. ካብ ፊልጲ 4:11, 12 እንታይ ዜተባብዕ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

3 ኵላትና ብዘሎና ኽንዓግብ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ብዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ፊልጲ 4:11, 12 ኣንብብ።) ነዘን ቃላት እዚአን ተኣሲሩ ኸሎ እዩ ጽሒፍወን። ይኹን እምበር፡ ሓጐሱ ኣየጥፍአን። ‘ናይ ዕግበት ምስጢር ይፈልጥ’ ነይሩ እዩ። ዕግበት ንስእን እንተ ኣሊና፡ እቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላትን ዘሕለፎ ተመክሮን ብዘሎና ኽንዓግብ ከም እንኽእል የረጋግጸልና እዩ። ብህሉው ኵነታትና ምዕጋብ፡ ብቐሊሉ ዚመጸልና ነገር ኪኸውን ትጽቢት ክንገብር የብልናን። የግዳስ፡ ዕጉባት ንምዃን ክንምሃር ኣሎና። ብኸመይ፧ ናይ ዕግበት ምስጢር ክንምሃር ዚሕግዘና ባህርያት እስከ ንርአ።

ኣመስጋኒ ኹን

4. ናይ ምምስጋን መንፈስ እንተ ኣልዩና፡ ብዘሎና እንዓግብ ብኸመይ ኢና፧ (1 ተሰሎንቄ 5:18)

4 ኣመስጋኒ ሰብ ብዘለዎ ይዓግብ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:18 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ነቲ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ብሓቂ ነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ በቲ ኸነጥርዮ እንደሊ ነገራት እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና። ነቲ ዘሎና መሰላት ኣገልግሎት ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ሓድሽ ሓላፍነት ኪውሃበና ኣይኰናን እንቋመት። የግዳስ፡ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ጽቡቕ ጌርና ኢና እንዓዮ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ጸሎትና ንየሆዋ ኸነመስግኖ ዚምሕጸነና። ናይ ምምስጋን መንፈስ እንተ ኣልዩና፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ንረክብ ኢና።—ፊል. 4:6, 7።

5. እስራኤላውያን ኣመስገንቲ ኪዀኑሉ ዚግባእ እንታይ ምኽንያታት ነይርዎም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

5 እስራኤላውያን እንታይ ከም ዝዀኑ እስከ ንርአ። ኣብ ግብጺ ዚበልዕዎ ዝነበሩ ምግቢ ኸም ዝሰኣኑ፡ ብተደጋጋሚ ናብ የሆዋ ጠሪዖም እዮም። (ዘሁ. 11:4-6) ኣብቲ በረኻ ዝነበረ ህይወት ቀሊል ዘይምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። እሞ ደኣ ዕጉባት ምእንቲ ኪዀኑ እንታይ ኪሕግዞም ምኸኣለ፧ ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ነገራት ብሞሳ ኼስተንትኑሉ ምተገብአ። ኣብ ግብጺ ብሰንኪ ሕሱም ባርነት ኣደዳ ግፍዒ ኣብ ዝዀኑሉ እዋን፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጨቈንቶም ዓሰርተ መዓት እዩ ኣምጺኡ። ሓራ ምስ ወጹ ኸኣ፡ ንግብጻውያን ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን “ገፈፍዎም።” (ዘጸ. 12:35, 36) ፈርኦንን ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ስዒቦም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣርከብዎም ድማ፡ የሆዋ ነቲ ማያት ብተኣምራዊ መገዲ መቐሎ። ድሕርዚ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ዚጐዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ መዓልቲ መዓልቲ ማና ይህቦም ነበረ። እቲ ጸገሞም ደኣ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እስራኤላውያን ዜድልዮም ምግቢ ስለ ዝጐደሎም ኣይኰኑን ዕግበት ስኢኖም፣ የግዳስ፡ ነቲ ዘለዎም ኣየመስግኑሉን እዮም ነይሮም።

ገሊኦም እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ሙሴ ቐሪቦም በቲ ማና ዕጉባት ከም ዘይኰኑ ኺጠርዑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ማና እናኣከቡ ይዕዘብዎም።

ስለምንታይ እዮም እስራኤላውያን ዕግበት ስኢኖም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)


6. ገለ ኻብቲ ኣመስገንቲ ኽንከውን ዚሕግዘና ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

6 እሞ ደኣ ብኸመይ ኢኻ ኣመስጋኒ ኽትከውን እትኽእል፧ ቀዳማይ፡ ብዛዕባ እቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ጽቡቕ ነገራት መዓልቲ መዓልቲ ሕሰብ። ክልተ ወይ ሰለስተ እተማስወሉ ነገራት እውን ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። (ድጕ. 3:22, 23) ካልኣይ፡ ምስጋናኻ ግለጽ። ንኻልኦት ሰባት ስለቲ ዚገብሩልካ ነገራት ተበግሶ ወሲድካ ኣመስግኖም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ወትሩ ንየሆዋ ኣመስግኖ። (መዝ. 75:1) ሳልሳይ፡ ኣመስገንቲ ዝዀኑ ሰባት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ ኪዀኑ ሕረ። ናይ ምምስጋን ባህርይ ካብ ሰብ ንሰብ ይመሓላለፍ እዩ፣ ዕግበት ምስኣን እውን ከምኡ እዩ። (ዘዳ. 1:26-28፣ 2 ጢሞ. 3:1, 2, 5) ምስጋናና ኣብ ምግላጽ እንተ ኣተኲርና፡ ዕግበት ኣይንስእንን ኢና።

7. ብኸመይ እያ ኣቺ ኣመስጋኒት ክትከውን ዝኸኣለት፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩላ፧

7 ኣብ ኢንዶነዥያ ንእትነብር ኣቺ ዝስማ ሓብቲ እንታይ ከም ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ንሳ ኸምዚ ብምባል ትእመን፦ “ብግዜ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኵነታተይ ምስ ናይ ክርስትያን ብጾተይ ከነጻጽር ጀሚረ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ዕግበት ስኢነ።” (ገላ. 6:4) እሞ ደኣ ኣተሓሳስባኣ ኽትቅይር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ከምዚ ብምባል ባዕላ ትምልስ፦ “ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ በረኸት ክቘጽሮ ጀሚረ። ነቲ ኽፍሊ ውድብ ኣምላኽ ብምዃነይ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት እውን ከስተንትነሉ ጀሚረ። ድሕሪኡ፡ ምስጋናይ ንየሆዋ ገሊጸሉ። በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ሓቂ ዕግበት ኪስምዓኒ ጀሚሩ።” ንስኻ እውን ብኣሉታዊ ሓሳባት እንተ ተዋሒጥካ፡ ኣመስጋኒ ምእንቲ ኽትከውን ተመሳሳሊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእልዶ፧

ኣትኵሮኻ ኣይትስሓት፡ ትሑት እውን ኩን

8. ባሩኽ ኣብ ምንታይ መፈንጠራ እዩ ዝወደቐ፧

8 እቲ ንነብዪ ኤርምያስ ጸሓፊኡ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ባሩኽ፡ ንእተወሰነ እዋን ኣብ መፈንጠራ ወዲቑ ነበረ። ዕዮኡ ቐሊል ኣይነበረን፣ ስለምንታይሲ፡ ኤርምያስ ነቶም ዘየመስግኑ ህዝቢ ሓያል መልእኽቲ ኼብጽሓሎም ከሎ፡ ንዕኡ ናይ ምድጋፍ ዕዮ እዩ ነይርዎ። ሓደ እዋን ባሩኽ ኣትኵሮኡ ሰሓተ። ኣብቲ የሆዋ ኺገብሮ ዚደልዮ ነገራት ኣብ ክንዲ ዜተኵር፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ እቲ ንሱ ኺገብሮ ዚደሊ ነገራትን እምብዛ ኺሓስብ ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ድማ ብኤርምያስ ኣቢሉ ንባሩኽ፡ “ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት ትደሊ ኣለኻ። ኣይትድለዮ” በሎ። (ኤር. 45:3-5) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “በቲ ዘሎካ ዕገብ” እዩ ዚብሎ ነይሩ። ባሩኽ ነቲ እተዋህቦ መአረምታ ተቐበሎ፡ ሞገስ የሆዋ እውን ረኸበ።

9. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 4:6, 7፡ ትሕትና እንተ ኣልዩና እንታይ ኣረኣእያ ኢና እነሕድር፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

9 ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ክርስትያን፡ ሓደ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል ከም ዚግብኦ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። እቲ ሰብ እቲ ኽኢላ፡ ትጉህ፡ ወይ ምኩር ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ምናልባት እውን ነዚ ሰለስቲኡ ዜማልእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ፍሉይ መሰል እቲ ንኻልኦት ሰባት ይውሃቦም ይኸውን። እሞ ደኣ ብዛዕባ እቲ ነገር እቲ እንታይ ኢሉ እዩ ኺሓስብ ዚኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 4:6, 7 ዚርከብ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ነገር ኬስተንትን ይኽእል እዩ። (ኣንብብ።) ኵሉ እቲ ዚውሃበና ፍሉይ መሰልን ኵሉ እቲ ዘሎና ኽእለትን ካብ የሆዋ እዩ ዚመጽእ። እዚ ውህበታት እዚ፡ ጻማ ጻዕርና ስለ ዝዀነ፡ ወይ ዚግብኣና ስለ ዝዀነ ኣይኰነን ዚውሃበና። የግዳስ፡ መግለጺ ጸጋ የሆዋ እዩ።—ሮሜ 12:3, 6፣ ኤፌ. 2:8, 9።

ስእልታት፦ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን። 1. ሓደ ሓው ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጻ ንዚርከብ ሻምብቆታት ይምርምር። 2. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ናይ ቋንቋ ምልክት ኣኼባ ወረዳ ብሓደ ሓው ቃለ መጠይቕ ይግበረላ። 3. ሓደ ሓው ኣብ ኣኼባ ጉባኤ መደረ የቕርብ።

ተውህቦና መግለጺ ጸጋ የሆዋ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)b


10. ብኸመይ ኢና ትሕትና ኸነማዕብል እንኽእል፧

10 ነቲ የሱስ ዝሓደገልና ኣብነት ብዕምቈት እንተ ሓሲብናሉ፡ ትሕትና ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ኣብታ የሱስ ንኣእጋር ሃዋርያቱ ዝሓጸበላ ምሸት እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንርአ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “የሱስ ከኣ [1] ኣቦ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦን [2] ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸን [3] ናብ ኣምላኽ ከም ዚኸይድን ፈሊጡ፡ . . . ኣእጋር እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሓጽብ . . . ጀመረ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ዮሃ. 13:3-5) የሱስ፡ እቶም ሃዋርያቱ ኣእጋሩ ኺሓጽቡሉ ኸም ዚግባእ ኪሓስብ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ግና፡ ሃብትን ምሾትን ዘለዎ ናብራ ኸም ዚግብኦ ገይሩ ኣይሓሰበን። (ሉቃ. 9:58) ትሑት እዩ ነይሩ፣ ብዘለዎ እውን ዕጉብ እዩ ነይሩ። ንዓና ኸኣ ፍጹም ኣብነት እዩ ሓዲጉልና።—ዮሃ. 13:15።

11. ደኒስ ትሕትና ብምምዕባሉ ዕግበት ኪስምዖ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ ነዘርላንድስ ዚነብር ደኒስ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ብትሕትና ኺመላለስ ጸዓረ። እዚ ግና ቀሊል ኣይነበረን። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ንኻልእ ሰብ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ኣብ ዚውሃበሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጠይ ትዕቢት ከም ዚዓቢ ወይ ዕግበት ከም ዝስእን ኣስተብሂለ እየ። ከምኡ ኼጋጥመኒ ኸሎ፡ ብዛዕባ ትሕትና እየ ዘጽንዕ። ኣብ ኣፕሊኬሽን JW Library® ገሊኡ ብዛዕባ ትሕትና ዚገልጽ ጥቕስታት ብቐሊሉ ረኺበ ምእንቲ ኸንብቦ ኣብ መለለዪ ኣቐሚጠዮ ኣለኹ። ገሊኡ ብዛዕባ ትሕትና ዚገልጽ መደረታት እውን ኣብ ተሌፎነይ ኣራጊፈዮ ኣለኹ፣ ብተደጋጋሚ እውን እሰምዖ እየ።a ኵሉ እቲ እንዓዮ ነገራት ንርእስና ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ንምምጻእ ምዃኑ ተማሂረ እየ። ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ የሆዋ ዚዓምሞ ዘሎ ነገራት ንእሽቶ እጃም ነበርክት ኢና።” ብዅነታትካ ዕግበት ትስእን እንተ ኣሊኻ፡ ትሕትና ኣማዕብል። እዚ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ኬደልድሎ፡ ዕግበት እውን ከም ዚስምዓካ ኺገብር እዩ።—ያእ. 4:6, 8።

ብዛዕባ ተስፋኻ ኣስተንትን

12. እንታይ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ እዩ ዕጉባት ክንከውን ዚሕግዘና፧ (ኢሳይያስ 65:21-25)

12 ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋና እንተ ኣስተንቲንና፡ ዕግበት ይስምዓና እዩ። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓላት፡ ሎሚ ህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኸም ዚርድኦ ይሕብረና፣ ኣብ መጻኢ ድማ ነዚ ጸገማትና እዚ ኸም ዚፈትሓልና የረጋግጸልና። (ኢሳይያስ 65:21-25 ኣንብብ።) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ውሑስን ምሹእን ኣባይቲ ኽንነብር ኢና፣ ትርጉም ዘለዎ ዕዮ ኺህልወና እዩ፣ ንጥዕና ዚጠቅም ጥዑም ምግቢ እውን ክንበልዕ ኢና። ንሕና ዀንና ደቅና ኣብ ሓደጋ ኸይንኣቱ ዜጨንቐና ነገር ኣይኪህሉን እዩ። (ኢሳ. 32:17, 18፣ ህዝ. 34:25) መጻኢና ዜደንቕ እዩ፡ ብርግጽ እውን ኪፍጸም እዩ።

13. ምናዳ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ኣብ ተስፋና ኸነተኵር ዘሎና፧

13 ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብ ተስፋና ኸነተኵር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና፣ ኵላትና ኣብዚ “ጽንኩር ግዜ” ስለ እንነብር እውን ጸገማት ኣሎና። (2 ጢሞ. 3:1) የሆዋ ዜድልየና ዘበለ መምርሕን ብርታዐን ደገፍን ብምሃብ ነዚ ኽንጻወሮ ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 145:14) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ክርስትያናዊት ተስፋና ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ትድግፈና እያ። ምናልባት ንስድራ ቤትካ ብስጋዊ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ትቃለስ ትህሉ ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ህይወትካ ቓልሲ ዀይኑ ድዩ ኪቕጽል፧ ኣይፋልን! የሆዋ ኣብ ገነት ዜድልየካ ዘበለ ኸም ዚህበካ፡ ሓለፋ እቲ ዜድልየካ እውን ከም ዚህበካ ቓል ኣትዩልካ ኣሎ። (መዝ. 9:18፣ 72:12-14) ምናልባት ምስ ብርቱዕ ቃንዛ፡ ምስ ሕዱር ጭንቀት፡ ወይ ምስ ከቢድ ጸገም ጥዕና ትቃለስ ትህሉ ትኸውን። ህይወትካ ብዘይ ተስፋ ኸምዚ እናበለ ድዩ ንሓዋሩ ኪቕጽል፧ ኣይፋልን። ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ሕማምን ሞትን ኣይኪህሉን እዩ። (ራእ. 21:3, 4) እቲ ተስፋ እቲ ድማ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዕጉባት ክንከውን፡ ካብ ቍጥዓን ምረትን እውን ሓራ ኽንከውን ይሕግዘና እዩ። ኣደዳ ግፍዒ፡ ሞት፡ ሕማም፡ ወይ ካልእ መከራ እናዀንና ኽነስና፡ ዕጉባት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሕጂ ዘሎና ጸገም ሽሕ ሳዕ ይኽበድ ብዘየገድስ፡ “ጸበባና ቐልጢፉ ዚሓልፍ” ከም ዝዀነ፡ ኣብታ ኣብ ቀረባ ግዜ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እውን ነባሪ እፎይታ ኸም እንረክብ ንፈልጥ ኢና።—2 ቈረ. 4:17, 18።

14. ከመይ ጌርና ኢና ተስፋና ኸነደልድል እንኽእል፧

14 ተስፋ ኣብ ዕግበትና ወሳኒ እጃም ስለ ዘለዋ፡ ከመይ ጌርና ኢና ተስፋና ኸነደልድል እንኽእል፧ ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ነገራት ብንጹር ምእንቲ ኺርኢ መነጸር ኪገብር ዜድልዮ፡ ንሕና እውን ነታ ናይ መጻኢ ገነት ብንጹር ምእንቲ ኽንርእያ ተስፋና ኸነደልድል ኣሎና። ናይ ገንዘብ ጸገማት የጨንቐና እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ገንዘብን ዕዳን ቍጠባዊ ዘይማዕርነትን ዘይህልወሉ እዋን ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ገሊኡ ፍሉይ መሰላት ስለ ዘይተዋህበና ንጭነቕ እንተ ኣሊና፡ ናብ ፍጽምና ምስ በጻሕና እሞ ንየሆዋ ንኣሽሓት ዓመታት ምስ ኣገልገልናዮ፡ እቲ ፍሉይ መሰላት ክሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ኸም ዘይከውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 6:19) ኣብ ፈለማ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ጭንቀትና ሓዲግና፡ ብዛዕባ መጻኢ ምስትንታን ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና፡ ናብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ መጻኢ ምጥማት ባህርያዊ ይዀነልና እዩ።

15. ካብቲ ክሪስታ ዝሃበቶ ሓሳባት እንታይ ትምሃር፧

15 ተስፋ ንሓንቲ ክሪስታ እትብሃል ሓብቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዘታ እስከ ንርአ። ክሪስታ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ደኒስ ሰበይቱ እያ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ንጭዋዳታተይ ዜማህምን ሕማም ስለ ዘሎኒ፡ ብብሽክለታ ስንኩላን እየ ዝንቀሳቐስ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ኣብ ዓራት ደቂሰ እየ ዘሕልፎ። መዓልቲ መዓልቲ እቕንዞ እየ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሓኪመይ ብዙሕ ተስፋ ኸም ዘይብለይ ነጊሩኒ እዩ። ከምኡ ምስ በለኒ ግና፡ ብኡብኡ፡ ‘ንሱ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ኣረኣእያ እተፈልየ እዩ’ ኢለ ሓሲበ። ኣነ ኣብ ተስፋይ እየ ዘተኵር፡ እዚ ድማ ናይ ኣእምሮ ሰላም ይህበኒ እዩ። ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጸገማት እጻወር እኸውን፣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ግና ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕራ እየ።”

“እቶም ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን”

16. ንጉስ ዳዊት፡ “እቶም [ንየሆዋ] ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን” ኢሉ ዝጸሓፈ ስለምንታይ እዩ፧

16 ዕግበት ዘለዎ ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ጸገማት የጋጥሞ እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት እንተ ወሓደ ሰለስተ ደቁ ሞይቶምዎ እዮም። ብጌጋ ተኸሲሱ፡ ተጠሊሙ፡ ንዓመታት እውን ተሃዲኑ እዩ። መከራ እናኣሕለፈ ኸሎ ግና፡ “እቶም [ንየሆዋ] ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን” በለ። (መዝ. 34:9, 10) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዝበለ፧ ምኽንያቱ፡ ንሕና ህዝቢ የሆዋ ሕጂ ኻብ ጸገም ናጻ ዝዀነ ህይወት ዘይንጽበ እኳ እንተ ዀንና፡ ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዘይጐድለና ግና ርግጸኛታት ኢና። (መዝ. 145:16) የሆዋ ኣብ ኵሉ መከራና ኸም ዚድግፈና እውን ንተኣማመን ኢና። እወ፡ ዕጉባት ክንከውን ንኽእል ኢና።

17. ናይ ዕግበት ምስጢር ንምፍላጥ ቈሪጽካ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧

17 የሆዋ ዕጉብ ክትከውን እዩ ዚደልየካ። (መዝ. 131:1, 2) ስለዚ፡ ናይ ዕግበት ምስጢር ክትፈልጥ ጽዓር። ኣመስጋኒ ንምዃን፡ ኣትኵሮኻ ንምሕላውን ትሑት ንምዃንን፡ ከምኡ ድማ እምነትካ ንምድልዳል ኣበርቲዕካ እንተ ጽዒርካ፡ “እወ፡ . . . ዕጉብ እየ” ኽትብል ኢኻ።—መዝ. 16:5, 6።

እዚ ዚስዕብ ነገራት፡ ዕጉብ ክትከውን ብኸመይ ይሕግዘካ፧

  • ኣመስጋኒ ምዃን

  • ኣትኵሮኻ ዘይምስሓትን ትሑት ምዃንን

  • ብዛዕባ ተስፋኻ ምስትንታን

መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”

a ንኣብነት፡ ኣብ jw.org ኣብ ዚወጽእ ኣምልኾ ንግሆ፡ ትሕትናዶ ትዕቢት፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጻ ናይ ጽገና ዕዮ ይዓዪ፣ ቋንቋ ምልክት ንእተማህረት ሓብቲ ኣብ ኣኼባ ወረዳ ቓለ መጠይቕ ይግበረላ፣ ሓደ ሓው ህዝባዊ መደረ የቕርብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ