ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ጥቅምቲ ገጽ 30-31
  • ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ጥቅምቲ ገጽ 30-31

ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ብ5 ጥቅምቲ 2024፡ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ፍሉይ ምልክታ ተነግረ፦ ሓውና ጆዲ ጄድሊን ሓውና ጄኮብ ራምፍን ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተሸይሞም። ክልቲኦም ኣሕዋት ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገሉ እዮም።

ጆዲ ጄድሊን ሰበይቱ ዳማሪስን

ሓውና ጄድሊ ኣብ ሚዙሪ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ተወሊዱ፣ ኣብ ሓቂ እውን እዩ ዓብዩ። ስድራ ቤቱ ሳሕቲ ኻብ ዚዕየ ኽሊ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ይነብሩ ነበሩ። ስለዚ፡ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካብ በበይኑ ድሕረ ባይታ ምስ ዝመጹ ብዙሓት ኣሕዋት ኪራኸብ ከኣለ። ፍቕሮምን ሓድነቶም ከኣ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕደረሉ። ብ15 ጥቅምቲ 1983 ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ዕድመ ዅትትና ኸሎ ተጠምቀ። ኣገልግሎት ይፈቱ ነበረ፣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ እውን፡ ኣብ መስከረም 1989 ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ።

ሓውና ጄድሊ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ወለዱ ንዕኡን ንሓብቱን ሒዞም ንምብጻሕ ናብ ቤት-ኤል ይኸዱ ነበሩ። እዚ ምብጻሓት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ሸቶ ኺገብሩ ኣለዓዓሎም፣ ውዒሎም ሓዲሮም እውን ነዚ ሸቶ እዚ ኺወቕዕዎ ኸኣሉ። ሓውና ጄድሊ ኣብ መስከረም 1990 ናብቲ ኣብ ዎልኪል ዚርከብ ቤት-ኤል ኣተወ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ክፍሊ ጽሬት፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ኣገልገለ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ቋንቋ ስጳንኛ ዚጥቀማ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት እናዓበያ ይኸዳ ብምንባረን፡ ኣሕዋት ኣድለይወን። ስለዚ፡ ሓውና ጄድሊ ኣብ ሓዲአን ድሕሪ ምእካብ፡ ስጳንኛ ኺምሃር ጀመረ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ዳማሪስ ምስ ዝስማ ኣብቲ ወረዳ እቲ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ሓብቲ ተራኸበ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ተመራዓዉ፣ ንሳ እውን ምስኡ ሓቢራ ኣብ ቤት-ኤል ከተገልግል ጀመረት።

ብ2005 ንእሙናት ወለዶም ንምክንኻን ካብ ቤት-ኤል ወጹ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ነበሩ። ሓውና ጄድሊ ኸኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ መምህር ኰይኑ ኣገልገለ፣ ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተን ኣብ ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸትን እውን ኣገልገለ።

ብ2013፡ ሓውና ጄድሊን ሓብትና ጄድሊን ንህንጸት ዎርዊክ ናብ ቤት-ኤል ኪመጹ ጻውዒት ቀረበሎም። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ኣብ ፓተርሰንን ዎልኪልን ኣገልጊሎም እዮም። ሓውና ጄድሊ ኣብ ክፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸትን ኣብ ኣገልግሎት ሓበሬታ ሆስፒታልን ኣገልገለ። ኣብ መጋቢት 2023 ከኣ፡ ሓጋዚ ኮሚተ ኣገልግሎት ኪኸውን ተሸመ። ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ ዕዮታት ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ፡ “ሓድሽ ዕዮ ኺውሃበካ ኸሎ፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ኣብ የሆዋ ኽትውከል ኣሎካ፣ ስለምንታይሲ፡ ንሱ እዩ ዜኽውን” ይብል።

ጄኮብ ራምፍን ሰበይቱ ኢንጋን

ሓውና ራምፍ ኣብ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ተወሊዱ። ብቝልዕነቱ ኣዲኡ ዘይንጥፍቲ እኳ እንተ ነበረት፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃሩ ግና ጻዕሪ ትገብር ነበረ። ኣብ ዓዓመት ከኣ፡ ነታ እምንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ዓባዩ ይበጽሓ ነበረ። ንሳ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ዝነበሮ ተገዳስነት ስለ ዘጐሃሃረቶ፡ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ሓተተ። ብ27 መስከረም 1992 ከኣ፡ ገና መንእሰይ ከሎ ተጠምቀ። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ኣዲኡ ዳግም ንጥፍቲ ዀነት፡ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ እውን ዕቤት ገይሮም ተጠምቁ።

ሓውና ራምፍ ብንእስነቱ፡ ፈለምቲ ኽሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ከም ዝዀኑ ይርኢ ነበረ። ስለዚ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ኣብ መስከረም 1995 ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብ 2000፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ንምግልጋል ናብ ኤኳዶር ገዓዘ። ኣብኡ ኸኣ ኢንጋ ምስ ዝስማ ካብ ካናዳ ዝመጸት ፈላሚት ተራኸበ፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ተመራዓዉ። ሓዳሮም ከኣ ኣብ ኤኳዶር፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ጕጅለ ጀመሩ። ሎሚ፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ፡ ድልድልቲ ጉባኤ ኣላ።

ድሕሪ ግዜ፡ ሓውና ራምፍን ሓብትና ራምፍን ኣብ ፈለማ ኣብ ኣገልግሎት ፍሉይ ፈላምነት፡ ደሓር ከኣ ኣብ ዕዮ ወረዳ ተመደቡ። ብ2011 ድማ ናብ መበል 132 ክፍሊ ጊልዓድ ተዓደሙ። ምስ ተመረቑ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ እተፈላለየ ዓድታት ኣገልገሉ። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ፡ ኣብ ከም ኣገልግሎት ቤት-ኤል፡ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት፡ ዕዮ ወረዳ ዝኣመሰለ በበይኑ ዓይነት ኣገልግሎት ተሳተፉ። ብዘይካዚ፡ ሓውና ራምፍ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ መሃረ።

ሓውና ራምፍን ሓብትና ራምፍን ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመልሱ። ናብቲ ኣብ ዎልኪል ዚርከብ ቤት-ኤል ኪኣትዉ እውን ጻውዒት ቀረበሎም፣ ኣብኡ ኸኣ ሓውና ራምፍ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ስልጠና ተዋህቦ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ናብ ጨንፈር ኤኳዶር ተመደቡ፣ ኣብኡ እውን ሓውና ራምፍ ኣብ ኮሚተ ጨንፈር የገልግል ነበረ። ብ2023 ድማ ናብ ዎርዊክ ተመደቡ። ኣብ ጥሪ 2024፡ ሓውና ራምፍ ሓጋዚ ኮሚተ ኣገልግሎት ኰይኑ ኼገልግል ተሸመ። ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎቱ ሓሳቡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ንሓደ ዕዮ ፍሉይ ዚገብሮ፡ ኣበይ ተገልግል ዘይኰነስ፡ ምስ መን ተገልግል እዩ” ይብል።

ነዚ እዞም ኣሕዋት እዚኦም ዝገበርዎ ጻዕሪ ነማስወሉ ኢና፣ ‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኸኣ ነኽብሮም ኢና።’—ፊል. 2:29።

ሕጂ 11 ቕቡኣት ኣሕዋት ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ፦ ማርክ ሳንደርሰን፡ ሳሙኤል ሀርድ፡ ስቲቨን ለት፡ ከነት ኩክ፡ ዴቪድ ስፕለይን፡ ጀፍሪ ዊንደር፡ ጀፍሪ ጃክሰን፡ ጄኮብ ራምፍ፡ ጆዲ ጄድሊ፡ ገራት ሎሽ፡ ገይጅ ፍሊግል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ