ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሕዳር ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ራእይ—ንጸላእቲ ኣምላኽ ዘለዎ ትርጉም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ፍርዲ ምፍጻም
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ነቶም ዜፍርሁ ኣራዊት ኣይትፍርሃዮም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሕዳር ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ልቢ ኣህዛብ ዜእትዎ “ሓሳብ” እንታይ እዩ፧

ራእይ 17:16, 17 ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚጅምረሉ እዋን ከምዚ ትብል፦ “እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ . . . መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ብምሃብ፡ ሓደ ሓሳብ ኪዀኑ፡ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ።” ኣብ ሕሉፍ፡ እቲ የሆዋ ኣብ ልቢ ኣህዛብ ዜእትዎ “ሓሳብ፡” ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ምጥፋእ ከም ዝዀነ ኣብ ጽሑፋትና ተገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ ግና፡ ምትዕርራይ ኣድልዩ ኣሎ። እቲ የሆዋ ኣብ ልቢ ኣህዛብ ዜእትዎ “ሓሳብ፡” ‘መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህቡ’ እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ምእንቲ ኺርድኣና፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እስከ ንመርምር።

ኣብቲ ትንቢት ተጠቒሶም ዚርከቡ ቐንዲ ገጸ ባህርያት መነመን እዮም፧ እታ “ኣመንዝራ፡” “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ እውን ተጸዊዓ ኣላ፣ ንሳ ድማ ንናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተመልክት። እቲ “ቐይሕ ኣራዊት” ከኣ ነቲ ሰላም ኬምጽእ ተባሂሉ ብ1919 ዝቘመ እተኣሳሰራ መንግስትታት ዚብሃል ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዚብሃል ዘሎ ውድብ የመልክት። (ራእ. 17:3-5) እቲ “ዓሰርተ ቐርኒ” ድማ ንዅሎም እቶም ነቲ ኣራዊት ዚድግፍዎ መንግስትታት የመልክት።

ኣብ መንጎ እታ ኣመንዝራን እቲ ቐይሕ ኣራዊትን እንታይ ርክብ ኣሎ፧ እታ ኣመንዝራ ኣብቲ ኣራዊት ከም “እተቐመጠት” ጌርካ ተገሊጻ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣራዊት ከም እትባርኾ፡ ጽልዋ ኸም እትገብረሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ክትቈጻጸሮ ኸም እትፍትን የመልክት።

እታ ኣመንዝራ እንታይ እያ ኽትከውን፧ እቲ ኣራዊትን እቶም ንዕኡ ዚድግፍዎ ዓሰርተ ቐርንን “ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋ” እዮም። ብጽልኢ ተላዒሎም ከኣ፡ ሃብታ ኺዝርፉ፡ እከያ እውን ኬቃልዑ እዮም። እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈረዶ ፍርዲ ኺፍጽሙ፡ ማለት ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዋ እዮም። (ራእ. 17:1፣ 18:8) በዚ ኸምዚ፡ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኪጠፍኣ እየን። እዚ ቕድሚ ምዃኑ ግና፡ የሆዋ ንኣህዛብ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር ኬግብሮም እዩ።

የሆዋ ንኣህዛብ እንታይ እዩ ኼግብሮም፧ “ሓይሎምን ስልጣኖምን . . . ነቲ [ቐይሕ] ኣራዊት [ምእንቲ ኺህብዎ]፡” ማለት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ምእንቲ ኺህብዎ፡ ኣብ ልቢ እቶም ዓሰርተ ቐርኒ “ሓሳቡ” ኼእቱ እዩ። (ራእ. 17:13) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብል። ሰብኣውያን መንግስትታት ሓይሎምን ስልጣኖምን ነቲ ኣራዊት ንምሃብ ባዕሎም ድዮም ኪውስኑ፧ ኣይፋልን! ነዚ መገዲ እዚ ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ኣምላኽ ጽልዋ ኸም ዜሕድረሎም ኣብቲ ትንቢት ተሓቢሩ ኣሎ። (ምሳ. 21:1፣ ምስ ኢሳይያስ 44:28 ኣረኣኢ።) እሞኸ በብቝሩብ ድዩ እቲ ስልጣን ኪመሓላለፍ፧ ኣይፋልን! የግዳስ፡ ብሃንደበት ወሳኒ ለውጢ እዩ ኺግበር። ድሕሪኡ፡ እቲ ሓድሽ ስልጣን ዝረኸበ ኣራዊት ንውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓንሳእ ንሓዋሩ ብምጥፋእ፡ ፍርዲ የሆዋ ኺፍጽም እዩ።

እሞ ደኣ እንታይ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧ መንግስትታት በብቝሩብ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ደገፎም ይህብዎ ኸም ዘለዉ ዚሕብር ጸብጻባት ዜና ኽንከታተል ኣየድልየናን እዩ። የግዳስ፡ የሆዋ ኣብ ልቢ ኣህዛብ፡ ስልጣኖም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ ብሃንደበት ሓሳብ ከም ዜእትወሎም ክንጽበ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ ኰነ፡ ብርቱዕ ጸበባ ኣጋ ምጅማሩ ኸም ዝዀነ ኽንፈልጥ ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሃንደበታዊ ለውጢ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ “ንንቃሕን ቀልብና ንሓሉን”!—1 ተሰ. 5:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ