ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwex ዓንቀጽ 13
  • ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ ዝመለለይኦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ ዝመለለይኦም
  • ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንትሑታት ናብ ሓቂ ይስሕቦም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ቃሎም ሓልዮም ኢዮም!
    ንቕሑ!—2000
  • 20 ምስ መምህረይ ብኸመይ ኢየ ክሰማማዕ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ናይ ምሉእ ህይወተይ ተስፋ ፈጺምካ ዘይሙማት ዝብል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ijwex ዓንቀጽ 13
ኣብ መዳጐኒ ደንበ ስርዓት ናዚ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚልለይሉ ዝነበሩ ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ እተለጠፎን ቍጽሪ እሱር ዘለዎን ሽራጥ ሽራጥ ዲቪዛ።

ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ ዝመለለይኦም

ኣብ ፈረንሳይ እትነብር ማውድ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንስንኩላን ተምሃሮ እያ ትሕግዝ። ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ንሳ እትሰርሓሉ ኽፍሊ ዝነበሩ ተምሃሮ ብዛዕባ እቲ ብስርዓት ናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለትን መዳጐኒ ደምበታትን ይምሃሩ ነበሩ። እሱራት እቲ መዳጐኒ፡ እተፈላለየ ቕርጽን ሕብርን እተለጠፎ ዲቪዛ እዮም ዚኽደኑ ነይሮም። ቅርጽን ሕብርን እቲ ጨርቂ፡ እቲ ሰብ እተኣስረሉ ምኽንያት እዩ ዚሕብር ነይሩ።

እቲ መምህር፡ ናብቲ ገሊኦም እሱራት ተኸዲኖምዎ ዝነበሩ ዲቪዛ እተለገበ ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ እናኣመልከተ፡ “እዚኦም፡ ግብረ ሶዶማውያን ስለ ዝነበሩ እዮም መስለኒ” በለ። ድሕሪ ትምህርቲ፡ ማውድ ነቲ መምህር፡ ስርዓት ናዚ፡ ነቲ ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ ከም መለለዪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጥቀምሉ ኸም ዝነበሩ ገለጸትሉ።a ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ዚገልጽ፡ ገለ ጽሑፋት ሒዛትሉ ኸም እትመጽእ ነገረቶ። እቲ መምህር፡ ነቲ ሓሳብ ተቐቢሉ ንማውድ፡ እቲ ሓበሬታ ነቶም ተምሃሮ ኸተካፍሎም ሓቲትዋ።

ኣብ ካልእ ክፍለ ግዜ፡ ሓንቲ ኻልእ መምህር ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ኽትምህር ከላ፡ እቶም እሱራት እተኸድንዎ እተፈላለየ ምልክታት ኣብ ሰሌዳ ተርእዮም ነይራ። እቲ ጁኽ ዝሕብሩ ስሉስ ኵርናዕ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዜመልክት ኣብቲ ሰሌዳ ብንጹር ተራእዩ እዩ። ድሕሪ ትምህርቲ፡ ማውድ ነታ መምህር ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ዚገልጽ ሓበሬታ ሃበታ። እታ መምህር ነዚ ሓበሬታ እዚ ተቐቢላ፡ ማውድ ነቶም ተምሃሮ ብዛዕባኡ ኽትገልጸሎም ዕድል ሃበታ።

ማውድ ሰለስተ ሕታማት ሒዛ።

ማውድ ነቲ እተጠቕመትሉ ሕታማት ሒዛ

ነታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ፡ ናይ 15 ደቒቕ መግለጺ ንምሃብ ተዳልያ እኳ እንተ ነበረት፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ “ምሉእ ሰዓት ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ” ተባሂሉ ተነግራ። መጀመርታ፡ ማውድ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘውረድዎ መስጐጕቲ ዚገልጽ ቪድዮ ኣርኣየቶም። እታ ቪድዮ፡ ስርዓት ናዚ 800 ቘልዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ወለዶም ፈልዮም ወሲዶምዎም ኣብ ዚብል ትርኢት ምስ በጽሐት፡ ማውድ ነታ ቪድዮ ደው ኣቢላ፡ ካብኣቶም ናይ ሰለስተ ቘልዑ ተመክሮ ኣንበበትሎም። ማውድ ነቲ ቪድዮ ኣርእያ ምስ ወድአት፡ ገርሃርት ሽታይናኸር እተባህለ ወዲ 19 ዓመት ኦስትርያዊ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ብ1940 ብናዚ ቀቕድሚ ምቕንጻሉ፡ ቍሩብ ሰዓታት ኣቐዲሙ ዝጸሓፎ ናይ ስንብታ ደብዳበ ብምንባብ እያ ደምዲማቶ።b

ማውድ ነታ ኻልአይቲ ኽፍሊ እውን ተመሳሳሊ መግለጺ ኣቕረበትሎም። ሳላ እቲ ማውድ ዘርኣየቶ ትብዓት፡ ክልቲኦም መምህራን ብዛዕባ ግዳያት መዳጐኒ ደንበታት ስርዓት ናዚ ኺምህሩ ኸለዉ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይጠቐስዎም ኣይሓልፉን እዮም።

a ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ እቶም ሽዑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ፡ ኣብ ጀርመን ዚቕመጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስርዓት ናዚ ምድጋፍ ስለ ዝኣበዩ ይእሰሩ ነይሮም እዮም።

b ገርሃርት ሽታይናኸር ንስርዓት ናዚ ምድጋፍ ስለ ዝኣበየ ንሞት ተፈሪዱ። ኣብታ ናይ ስንብታ ደብዳበኡ፡ “ገና ቘልዓ እየ። ጐይታ ሓይሊ እንተ ሂቡኒ ጥራይ እየ ኽጸንዕ ዝኽእል፣ ልማኖይ ከኣ እዚ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ገርሃርት ተቐትለ። ኣብ መቓብሩ፡ “ንኽብሪ ኣምላኽ ሞይቱ” ዚብል ተጻሕፈ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ