panitan/stock.adobe.com
የሱስ ንድኽነት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ
የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ንእተሸገሩን ዝነበረቶ ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 9:36) ሕሉፍ ሓሊፉ ኸኣ ንጥቕሚ ኻልኦት ኪብል ህይወቱ ሰዊኡ እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 15:13) ኣብ ቀረባ ግዜ እውን እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ነቲ ኸም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ንድኽነት ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ኺገብረሉ ኸተለዓዕሎ እያ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዜጸናንዕ ቃላት ገይሩ የሱስ እንታይ ከም ዚገብር ይሕብረና፦
“ነቶም ኣብ መንጎ ህዝብኻ ዘለዉ ትሑታት ይጣበቐሎም፣ ንደቂ ድኻ ድማ የድሕኖም።”—መዝሙር 72:4።
ነቲ የሱስ ዝገበረልናን ነቲ ብሕጂ ዚገብረልናን ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ነርኢ፧ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ፡ ማለት ብዛዕባ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ብዝያዳ ብምፍላጥ እዩ። (ሉቃስ 4:43) ከምኡ ንምግባር፡ ነታ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብባ።