ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 22
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ድሕሪ ሓጺር እዋን እትህሉ ገነታዊት ምድሪ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • መንግስቲ ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2013
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 22
Jesus Christ enthroned as king of God’s Kingdom

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

መንግስቲ ኣምላኽ ብየሆዋ ዝቘመት ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። “መንግስቲ ኣምላኽ” ካብ ሰማይ ኰይና ስለ እትገዝእ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንግስተ ሰማያት” እውን ተባሂላ ኣላ። (ማርቆስ 1:14, 15፣ ማቴዎስ 4:17) እዛ መንግስቲ እዚኣ ብብዙሕ ነገራት ምስ ሰብኣውያን መንግስትታት ትመሳሰል እኳ እንተ ዀነት፡ ብዅሉ መገዲ ግና ካባታተን ዝበለጸት እያ።

  • ገዛእቲ። ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ሸይምዎን ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ገዛኢ ዚበልጽ ስልጣን ሂብዎን እዩ። (ማቴዎስ 28:18) የሱስ ትውክልቲ ዚግበሮን ደንጋጺ መራሒ ምዃኑን ስለ ዘርኣየ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ንጽቡቕ ጥራይ እዩ ዚጥቀመሉ። (ማቴዎስ 4:23፣ ማርቆስ 1:40, 41፣ 6:31-34፣ ሉቃስ 7:11-17) የሱስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ፡ ምስኡ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ‘ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚነግሱ’ ሰባት መሪጹ እዩ።—ራእይ 5:9, 10።

  • ንውሓት። መንግስቲ ኣምላኽ ከምተን ተራእየን ዝጠፍኣ ሰብኣውያን መንግስትታት ስለ ዘይኰነት፡ ‘ከቶ ዘይትጠፍእ’ እያ።—ዳንኤል 2:44።

  • ተገዛእቲ። ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ብቕዓት ዜማልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ መበቈሉ ወይ እተወልደሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

  • ሕግታት። ሕግታት (ወይ ትእዛዛት) መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሕማቕ ባህርይ ጥራይ ኣይኰነትን እትኽልክል። የግዳስ፡ ተገዛእታ ዝለዓለ ስነ ምግባራዊ ባህርይ ከም ዚህልዎም እያ እትገብር። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ። እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’” (ማቴዎስ 22:37-39) ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዜፍቅሩ እንተ ዀይኖም፡ ንኻልኦት ሰባት ዚጠቅም ነገራት ኪገብሩ ይድረኹ እዮም።

  • ትምህርቲ። መንግስቲ ኣምላኽ ንተገዛእታ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓት ተቕውም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ነቲ ስርዓታት ከም ዚትግብርዎ እውን ትምህሮም እያ።—ኢሳይያስ 48:17, 18።

  • ተልእኾ። መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ኣፍ ተገዛእታ እናመንዝዐት ነቶም ገዛእታ ኣይተሀብትምን እያ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ማለት እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸም ዚነብሩ ዚገልጽ መብጽዓ ኸም ዚፍጸም እያ እትገብር።—ኢሳይያስ 35:1, 5, 6፣ ማቴዎስ 6:10፣ ራእይ 21:1-4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ