ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 24
  • ኣብ ዓለም ሰላም ዘይተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ዓለም ሰላም ዘይተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስለምንታይ እዮም ደቂ ሰብ ሰላም ኬስፍኑ ዘይከኣሉ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ናይ ሓቂ ሰላም—ካበየናይ ምንጪ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሰላም—ከመይ ጌርካ ትረኽባ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 24
A fighter jet

ኣብ ዓለም ሰላም ዘይተረኽበ ስለምንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ብደቂ ሰብ ዚግበር ጻዕሪ ፈሺሉ እዩ፣ ንመጻኢ እውን እንተዀነ ብሰንኪ ብዙሕ ምኽንያት ምፍሻሉ ኣይተርፎን እዩ፣ ምኽንያቱ፦

  • “ዚመላለስ ሰብ . . . ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።” (ኤርምያስ 10:23) ሰባት ንገዛእ ርእሶም ኪገዝኡ ኸም ዚኽእሉ ዀይኖም ኣይኰኑን ተፈጢሮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነባሪ ሰላም ኬስፍኑ ኣይክእሉን እዮም።

  • “ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ። መንፈሱ ይወጽእ፡ ናብ ምድሪ ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሓሳባቱ ይጠፍእ።” (መዝሙር 146:3, 4) እቶም ጽቡቕ ድራኸ ዘለዎም መራሕቲ እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ ጠንቂ ውግእ ዝዀነ ጸገማት ዜወግድ ነባሪ ፍታሕ ኬምጽኡ ኽእለት የብሎምን።

  • “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ . . . ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ጠላማት፡ ነቓጻት፡ ብትዕቢት እተነፍሑ” ኪዀኑ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት ኢና እንነብር ዘለና፣ ባህርያት ሰባት ድማ ሰላም ኪሰፍን ኣጸጋሚ ገይርዎ እዩ።

  • “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም።” (ራእይ 12:12) ድያብሎስ እቲ ጸላኢ ኣምላኽ፡ ኣብ ከባቢ ምድሪ ስለ እተሓጽረ፡ ነቲ ጭካነ ዝመልኦ መንፈሱ ናብ ሰባት ከም ዚመሓላለፍ ይገብር ኣሎ። ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ስለ ዝዀነ፡ ብሰላም ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና።—ዮሃንስ 12:31።

  • መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) ኣብ ዓለም ሰላም ብምስፋን ድሌትና ኸተዕግበልና እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ሰብኣውያን መንግስትታት ኣይኰናን።—መዝሙር 145:16።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ