ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 25
  • ኣብ ምድሪ ሰላም ዚሰፍን ብኸመይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ምድሪ ሰላም ዚሰፍን ብኸመይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናይ ሓቂ ሰላም—ካበየናይ ምንጪ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ነታ ናይ ሓቂ ሰላም ድለያ ሰዓባውን!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ዓለምለኻዊ ሰላም ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን!
    ንቕሑ!—2002
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 25
People of different ethnic groups

ኣብ ምድሪ ሰላም ዚሰፍን ብኸመይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ምድሪ ሰላም ኪሰፍን ዚኽእል፡ ብጻዕሪ ደቂ ሰብ ዘይኰነስ፡ በታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምህር ርአ።

  1. ኣምላኽ ‘ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ኺገብረሉ’ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ‘ነቶም ጽቡቕ ፍቓዱ ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ምድሪ ሰላም’ ኬምጽኣሎም ዝኣተዎ መብጽዓ ኺፍጽሞ እዩ።—መዝሙር 46:9፣ ሉቃስ 2:14።

  2. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽትገዝ እያ። (ዳንኤል 7:14) ኣብ መላእ ዓለም እትገዝእ መንግስቲ ስለ ዝዀነት፡ ነቲ ሱር ሓያሎ ግጭት ዝዀነ ሃገራውነት ከተጥፍኦ እያ።

  3. እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ “መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ እቲ ንሱ ዜስፍኖ ‘ሰላም ከኣ መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።’—ኢሳይያስ 9:6, 7።

  4. ኣምላኽ፡ ‘ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ስለ ዚጸልኦ፡’ እቶም ወትሩ ዚዋግኡ ሰባት ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ቦታ ኣይኪህልዎምን እዩ።—መዝሙር 11:5፣ ምሳሌ 2:22።

  5. ኣምላኽ ንተገዛእቱ ብኸመይ ብሰላም ከም ዚነብሩ ይምህሮም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍረ እቲ ትምህርቲ፡ “ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ከኣ ገዘሞታት ኪገብሩ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊም እውን ውግእ ኣይኪምሃሩን እዮም” ብምባል ይገልጽ።—ኢሳይያስ 2:3, 4።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሚልዮናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብኸመይ ብሰላም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ይምሃሩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 5:9) ዓሌትና እተፈላለየ፡ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ከኣ እንነብር እኳ እንተ ዀንና፡ ኣንጻር ብጻይና ኣጽዋር ኣይነልዕልን ኢና።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሰላም ኪነብሩ ይምሃሩ ኣለዉ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ