ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 29
  • ናብ ቅዱሳት ክጽልስ ግቡእ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ቅዱሳት ክጽልስ ግቡእ ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናብ ጻድቃን ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ናይ ሓቂ ቕዱሳን ብኸመይ ክረድኡኻ ይኽእሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ናብ የሱስ ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምቕራብ
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 29

ናብ ቅዱሳት ክጽልስ ግቡእ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ብስም የሱስ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ክንጽሊ ኸም ዚግብኣና እዩ ዚገልጽ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናብ ቅዱሳት፡ ናብ ጻድቃን፡ ናብ መላእኽቲ፡ ወይ ናብ ካልእ ኪጽልዩ ኣይመሃሮምን።

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” እውን ኢልዎም እዩ። (ዮሃንስ 14:6) የሱስ ጥራይ እዩ ንኣምላኽ ምእንታና ኺልምን ዚኽእል።—እብራውያን 7:25።

ናብ ኣምላኽን ናብ ቅዱሳትን ክጽሊ እኽእል ድየ፧

ኣምላኽ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ” ኢሉ እዩ። (ዘጸኣት 20:5፡ ትርጉም 1956) ኣምላኽ “ቀናእ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ኒው ኣመሪካን ባይብል ዘሎ እግረ ጽሑፍ፡ “ንበይኑ ተኣማንነት ይደሊ” ይብል። ኣምላኽ ተኣማንነትና ወይ ኣምልኾና ንበይኑ ጥራይ ኪኸውን፡ ጸሎትና ድማ ናብኡ ጥራይ ኪቐርብ እዩ ዚደሊ።—ኢሳይያስ 48:11።

ናብ ካልእ ናብ ዝዀነ ይኹን፡ ዋላ እውን ናብ ቅዱሳት ወይ ናብ መላእኽቲ እንተ ጸሊና፡ ንኣምላኽ ነጕህዮ ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ ንሓደ መልኣኽ ኪሰግደሉ ምስ በለ፡ እቲ መልኣኽ፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ! ኣነስ ከማኻን ከምቶም ብዛዕባ የሱስ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎም ኣሕዋትካን ባርያ እየ። ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” ኢሉ ኸልኪልዎ እዩ።—ራእይ 19:10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ