ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwfq ዓንቀጽ 33
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፕሮተስታንት ድዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፕሮተስታንት ድዮም፧
  • ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ኽፋል ፕሮተስታንት ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ቈልዑ እንታይ ኪመሃሩ ኣለዎም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ijwfq ዓንቀጽ 33
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንኻልእ ሰብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሃይማኖታዊ እምነቱ የካፍሎ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፕሮተስታንት ድዮም፧

ኣይኰኑን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት ኢና፣ ንገዛእ ርእስና ግና ከም ፕሮተስታንት ኣይንቘጽራን ኢና። ስለምንታይ፧

ፕሮተስታንትነት፡ “ንናይ ሮማ ካቶሊክ ዚቃወም ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ” ከም ዝዀነ ይግለጽ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትምህርትታት ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኣይንሰማምዓሉን ኢና፣ ግናኸ፡ በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት ንገዛእ ርእስና ኸም ፕሮተስታንት ኣይንቘጽራን ኢና፦

  1. ብዙሕ እምነታት ፕሮተስታንት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ይጋጮ እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ሓደ እዩ” ይብል እምበር፡ ስላሴ ኸም ዝዀነ ኣይምህርን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5፣ ዮሃንስ 14:28) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንእኩያት ብገሃነም እሳት ዘይኰነስ፡ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዚቐጽዖም እዩ ዚምህር።—መዝሙር 37:9፣ 2 ተሰሎንቄ 1:9።

  2. ንቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኰነ ንኻልእ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ኣይንቃወምን ወይ ክንሕድስ ኣይንጽዕርን ኢና። ብኣንጻሩ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኽን ካልኦት ሰባት ኣብዚ ብስራት እዚ እምነት ምእንቲ ኼሕድሩ ኽንሕግዞም ንጽዕርን ኢና። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ንዓና ዜገድሰና፡ ንኻልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ምሕዳስ ዘይኰነስ፡ ንቕኑዓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ሓቂ ምምሃር እዩ።—ቈሎሴ 1:9, 10፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ