ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 29
  • ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንታይ ምገበርካ፧
  • ጌጋታትካ ኽትእመን ዜለዓዕለካ ሰለስተ ምኽንያታት
  • ካብ ጌጋታትካ ብኸመይ ትምሃር፧
  • ብዛዕባ ጌጋታት ግቡእ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ካብ ጌጋኻ ትምሃር ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ካብ ጌጋታትካ ተምሃር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ነቲ ኣብ ቺለ ዝርከብ ዘርኢ ሓቂ ማይ ምስታዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 29
ክልተ ቘልዑ ነቲ ብዅዕሶኦም ዝሰበርዎ ቬትሮ ማኪና ይርእዩ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንጌጋታተይ ብኸመይ ክሕዞ እኽእል፧

  • እንታይ ምገበርካ፧

  • ጌጋታትካ ኽትእመን ዜለዓዕለካ ሰለስተ ምኽንያታት

  • ካብ ጌጋታትካ ብኸመይ ትምሃር፧

እንታይ ምገበርካ፧

ንካሪና እንታይ ከም ዘጋጠማ ኣንብብ። እዚ ንዓኻ እንተ ዜጋጥመካ፡ እንታይ ምገበርካ፧

ካሪና፦ “ናብ ቤት ትምህርቲ ብልዑል ፍጥነት እናዘወርኩ ክኸይድ ከለኹ፡ ሓደ ፖሊስ ደው ኣቢሉ ቲኬት ሂቡኒ። በዚ ኣመና ተበሳጭየ! ብዛዕባ እዚ ንማማ ምስ ነገርክዋ፡ ንባባ ኽነግሮ ኸም ዘሎኒ ነጊራትኒ። ንዕኡ ኽነግሮ ግና ኣይደለኹን።”

እንታይ ምገበርካ፧

  1. ምርጫ ሀ፦ ተጽቅጥ፣ ምናልባት ባባ ብዛዕባኡ ኣይሰምዕን ይኸውን።

  2. ምርጫ ለ፦ ዘጋጠመካ ነገር ንኣቦኻ ብልክዕ ትነግሮ።

ምርጫ ሀ ንምምራጽ ትፍተን ትኸውን። ምናልባት ኣዴኻ ንኣቦኻ ኸም ዝነገርካዮ ገይራ ትሓስብ ትኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ምስ ትኬት ትራፊክ ኰነ ምስ ካልእ ኣብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ጕዳይ፡ ጌጋታትካ ኽትእመን ዜለዓዕለካ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎካ።

ጌጋታትካ ኽትእመን ዜለዓዕለካ ሰለስተ ምኽንያታት

  1. 1. ከምኡ ምግባር ቅኑዕ ነገር ስለ ዝዀነ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኪስዕብዎ ዚግባእ መለክዒ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር [ንደሊ ኢና]” ይብል።—እብራውያን 13:18።

    “ብቕንዕና ንምምልላስ፡ ተግባራተይ ዜስዕበለይ ሓላፍነት ንምስካም፡ ጌጋ ኽገብር ከለኹ ድማ ብኡብኡ ጌጋይ ንምእማን ብዙሕ እየ ጽዒረ።”—ኣለክሲስ።

  2. 2. ጌጋታቶም ዚእመኑ ሰባት ይቕረታ ስለ ዚረኽቡ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣ ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ” ይብል።—ምሳሌ 28:13።

    “ጌጋኻ ምእማን ትብዓት ይሓትት እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ በዚ ኸምዚ እዮም ሰባት ዚኣምኑኻ። ብቕንዕና ኸም እትመላለስ ይርእዩ እዮም። ጌጋኻ እንተ ተኣሚንካ፡ ንሕማቕ ነገር ናብ ጽቡቕ ኢኻ እትቕይሮ።”—ሪቻርድ።

  3. 3. ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ስለ ዜሐጕሶ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ይብል።—ምሳሌ 3:32።

    “ከቢድ ጌጋ ምስ ገበርኩ፡ ጌጋይ ክእመን ከም ዘሎኒ ተገንዚበ። ብመገዲ የሆዋ እንተ ዘይተመላሊሰ፡ በረኸቱ ኣይረክብን እየ።”—ሬቸል።

እሞ ደኣ ካሪና ነቲ ጌጋኣ ብኸመይ ሒዛቶ፧ ነቲ ብፍጥነት ብምዝዋራ እተዋህባ ትኬት ካብ ኣቦኣ ኽትሓብኦ ፈተነት። ንሓዋሩ ግና ክትሓብኦ ኣይከኣለትን። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ከተዘንቱ ኸላ ኸምዚ ትብል፦ “ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ፡ ባባ ናይ መድሕን ክፍሊትና ኺምርምር ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ስመይ፡ ብፍጥነት ብምዝዋር እተቐጻዕኩሉ ትኬት ረኺቡ። ኣብ ዓብዪ ሽግር እየ ኣትየ። ዋላ እውን ማማ፡ ከምቲ ዝበለትኒ ስለ ዘይገበርኩ ተቘጢዓትኒ!”

ትምህርቲ፦ ካሪና፡ “ጌጋኻ ምሕባእ፡ መሊሱ ጥራይ እዩ ዜጋድደልካ። ጸኒሑ የኽፍለካ እዩ!” ትብል።

ካብ ጌጋታትካ ብኸመይ ትምሃር፧

ኵሉ ሰብ ይጋገ እዩ። (ሮሜ 3:23፣ 1 ዮሃንስ 1:8) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ኸኣ፡ ጌጋና ምቕባልን ምእራምን፡ ምልክት ትሕትናን ብስለትን እዩ።

ድሕሪኡ፡ ካብ ጌጋታትካ ኽትምሃር ኣሎካ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም መንእሰያት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣይጥቀሙሉን እዮም። ከምቲ ፕሪሲላ ንእትብሃል መንእሰይ እተሰምዓ ዓይነት ስምዒት ይስምዖም ይኸውን። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ ጌጋታተይ እምብዛ እሓዝን ነይረ። ብዛዕባ ርእሰይ ትሑት ኣረኣእያ ስለ ዝነበረኒ፡ ንጌጋታተይ ክስከሞ ዘይክእል ኣመና ዓብዪ ነገር ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። ዝገብሮ ይጠፍኣኒ ነይሩ፡ ተስፋ ኸም ዘይብለይ ገይረ እውን እሓስብ ነይረ።”

ሓንቲ ጓል ማኪና እናዘወረት ብመስትያት ንድሕሪት ትርኢ

ሓድሓደ ግዜ፡ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ ዘክር፦ ኣብ ሕሉፍ ጌጋታትካ ምትኳር፡ ማኪና እናዘወርካ ናብ ድሕሪት ዜርኢ መስትያት ከም ምጥማት እዩ። ኣብ ሕሉፍ እንተ ኣተኲርካ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ብድሆታት ንምስጋር ብቕዓትን ዓቕምን ከም ዘይብልካ ዀይኑ ጥራይ እዩ ዚስምዕካ።

ኣብ ክንዳኡስ፡ ንምንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘይትሕዝ፧

“ንጌጋታትካ ምልስ ኢልካ ርኣዮ፡ ምእንቲ ኸይትደግሞ ድማ ካብኡ ተምሃር። ምእንቲ ኸይጐትተካ ግና፡ ኣብኡ እምብዛ ኣይተተኵር።”—ኢሊዮት።

“ጌጋ ብዝገበርኩ መጠን፡ ዝሓሽኩ ሰብ ክኸውንን ኣብ ዚቕጽል ግዜ ነቲ ዅነታት ብኻልእ መገዲ ኽሕዞን ዚሕግዝ ትምህርቲ ብምርካብ፡ ንጌጋታተይ ከም መምሃሪ እየ ዝጥቀመሉ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ዝሓሸ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ በዚ ኸምዚ ትዓቢ ኢኻ።”—ቪራ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ኮነር

“ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ጌጋታቶም ኣመና ይበሳጨዉ እዮም፡ ገሊኦም ግና ኣይግድሶምን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መንጎ እንተ ዀንካ ይሓይሽ፣ ካብ ጌጋታትካ ምእንቲ ኽትምሃርን ምእንቲ ኸይትደግሞን ኢልካ፡ ብዛዕባኡ ብመጠኑ እንተ ተገደስካ ይሓይሽ።”—ኮነር።

ዳሚ

“ጐየይቲ እንተ ወዲቖም፡ ብዛዕባ ኽብሮም ከይተጨነቑ በቲ ዘለዎም ብርታዐ ተጠቒሞም መሊሶም እዮም ዚትንስኡ። ጌጋ ኽትገብር ከለኻ፡ ከምኡ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ። ካብ ጌጋታትካ እንተ ተማሂርካን ካብቲ ዝወደቕካሉ ንምትንሳእ ብርታዐኻ እንተ ተጠቒምካን፡ ዝሓሽካ ሰብ ኢኻ እትኸውን።”—ዳሚ።

ዚፖራ

“ንጌጋታትካ ብሃናጺ መገዲ እንተ ዘከርካዮ ይሓይሽ። ካብኡ ትምህርቲ ርኸብ፡ ነዚ ድማ ንጌጋታትካ ንዘይምድጋም ተጠቐመሉ። ተዘክሮኡ ግና ከም ጸሊም ደበና ኣብ ልዕሌኻ ኼንጸላሉ ኣይተፍቅድ። ነቲ ትምህርቲ ተቐቢልካ ናብ ቅድሚት ገስግስ።”—ዚፖራ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ