ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 96
  • ሓጢኣት እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓጢኣት እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ኣምላኽ
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • የሆዋ: ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣምላኽ፡ ሓጢኣትና ኽንናዘዝ ይደልየና ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ሓጢኣት ዘይህልወሉ ግዜ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 96
ዕላማኡ ዝሰሓተ ፍላጻታት

ሓጢኣት እንታይ እዩ

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ዚጻረር ዝዀነ ይኹን ተግባር፡ ስምዒት፡ ወይ ሓሳብ ሓጢኣት እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌጋ ወይ ዓመጻ ብምግባር ሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ እውን ኣብኡ ይጠቓለል እዩ። (1 ዮሃንስ 3:4፣ 5:17) እትፈልጦ ቕኑዕ ዘይምግባር እውን ሓጢኣት ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ያእቆብ 4:17።

ኣብቲ በዅሪ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተን ንሓጢኣት ዜመልክታ ቓላት፡ “ዕላማ ምስሓት” ዚብል ትርጉም ኣለወን። ንኣብነት፡ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ሓደ ኽፋል ሰራዊት እምኒ ብምውንጫፍ ኣዝዮም ክኢላታት ብምንባሮም “ዘይስሕቱ” ተባሂሎም ተገሊጾም ነበሩ። እዚ ኣገላልጻ እዚ ቃል ብቓሉ እንተ ዚትርጐም፡ “ዘይሓጥኡ” ምተባህለ ነይሩ። (መሳፍንቲ 20:16) ስለዚ፡ ምሕጣእ ኪብሃል ከሎ፡ ዕላማ እቲ ፍጹም ስርዓታት ኣምላኽ ምስሓት ማለት እዩ።

ኣምላኽ ፈጣሪ ኸም ምዃኑ መጠን ንሰባት ስርዓታት ኬውጽኣሎም መሰል ኣለዎ። (ራእይ 4:11) ብተግባራትና ኣብ ቅድሚኡ ተሓተትቲ ኢና።—ሮሜ 14:12።

ካብ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ምዃን ይከኣል ድዩ፧

ኣይከኣልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ እውን ጐዲልዎም እዩ” ይብል። (ሮሜ 3:23፣ 1 ነገስት 8:46፣ መክብብ 7:20፣ 1 ዮሃንስ 1:8) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፧

እቶም ኣብ ፈለማ ዝነበሩ ሰባት፡ ማለት ኣዳምን ሄዋንን፡ ኣብ መጀመርታ ሓጢኣት ኣይነበሮምን። ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ ፍጹማት እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 1:27) ንኣምላኽ ብዘይምእዛዞም ግና ፍጽምናኦም ኣጥፍኡ። (ዘፍጥረት 3:5, 6, 17-19) ንደቆም ከኣ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኣውረስዎም። (ሮሜ 5:12) ስለዚ፡ ከምቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝበሎ፡ “ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ብስሕተት ተሓታቲ እየ” ኽንብል ንኽእል ኢና።—መዝሙር 51:5.

ገሊኡ ሓጢኣት ካብቲ ኻልእ ዝገደደ ድዩ፧

እወ። ንኣብነት ሰብ ሶዶም “እኩያት . . . ኣዝዮም ሓጥኣን” ምንባሮምን ሓጢኣቶም “ኣመና በርቲዑ” ምንባሩን መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (ዘፍጥረት 13:13፣ 18:20) ንዕቤት ሓጢኣት ዚውስን ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

  1. ክብደት። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምንዝርና፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ስርቂ፡ ስኽራን፡ ዘረፋ፡ ቅትለት፡ መናፍስትነት ዝኣመሰለ ከቢድ ሓጢኣት ከነርሕቕ የጠንቅቐና እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9-11፣ ራእይ 21:8) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኻብቲ ኸይሓሰብካ ብዘይፍላጥ ዚግበር ሓጢኣት፡ ንኣብነት ካብቲ ንኻልኦት ዝሃሲ ቃላት ወይ ተግባራት እተፈልየ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። (ምሳሌ 12:18፣ ኤፌሶን 4:31, 32) እንተዀነ ግና፡ ናብ ዝገደደ ምጥሓስ ሕጊ ኣምላኽ ኪመርሕ ስለ ዚኽእል፡ ንዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ኣነኣኢስና ኸይንርኢ መጽሓፍ ቅዱስ የተባብዓና እዩ።—ማቴዎስ 5:27, 28።

  2. ድራኸ። ገሊኡ ሓጢኣት ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ሰኣን ምፍላጥ ዚግበር እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:30; 1 ጢሞቴዎስ 1:13) መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝበለ ሓጢኣት ዕሽሽ እኳ እንተ ዘይበሎ፡ ካብቲ ዀነ ኢልካ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ ዚግበር ሓጢኣት ግና ፈልዩ ይርእዮ እዩ። (ዘሁልቍ 15:30, 31) ደይ መደይ ኢልካ ዚግበር ሓጢኣት ካብ ‘እኩይ ልቢ’ እዩ ዚመጽእ።—ኤርምያስ 16:12።

  3. ተደጋጋምነት። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓንሳእ ጥራይ ዚፍጸም ሓጢኣት፡ ካብቲ ብተደጋጋሚ ንነዊሕ ግዜ ዚግበር ሓጢኣት ፈልዩ ይርእዮ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:4-8) እቶም ቅኑዕ ምግባር ተማሂሮም ክነሶም ‘ፈትዮም ብሓጢኣት ዚመላለሱ’ ዘበሉ፡ ካብ ኣምላኽ ብርቱዕ ፍርዲ ይቕበሉ እዮም።—እብራውያን 10:26, 27።

እቶም ከቢድ ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት፡ ብዕቤት ሓጢኣቶም ዓቕሎም ይጸብቦም እዩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣ ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ።” (መዝሙር 38:4) እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እኩይ መገዱ፡ ክፉእ ከኣ ሓሳቡ ይሕደግ፣ ንሱ ብዙሕ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብቲ ዚምሕሮ የሆዋ፡ ናብ ኣምላኽና ይመለስ” ብምባል ተስፋ ይህብ እዩ።—ኢሳይያስ 55:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ