ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 108
  • ትንቢት እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትንቢት እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ብመሪሕነት መንፈሱ ዘጽሓፎ ብኸመይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኣምላኽ ዝረኣዮ ኣሎዶ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነቲ የሱስ ከም ዝዓበየ ሙሴ መጠን ዘለዎ ግደ ምርዳኡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 108
ዮሃንስ መጥምቕ

ትንቢት እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ትንቢት፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዚመሓላለፍ መልእኽቲ፡ ወይ መለኮታዊ ራእይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትንቢትሲ ሰባት [ነብያት] ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ” ኢሉ ይገልጽ እዩ። (2 ጴጥሮስ 1:20, 21) ስለዚ፡ ነብዪ ኺብሃል ከሎ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ተቐቢሉ ንኻልኦት ዜመሓላልፍ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:18።

ነብያት ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ዚቕበሉ ብኸመይ እዮም፧

ኣምላኽ ሓሳቡ ንነብያቱ ንምምሕልላፍ እተፈላለየ መገዲ እዩ ተጠቒሙ፦

  • ጽሑፍ። ኣምላኽ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሩ ብቐጥታ ንሙሴ ብምሃብ፡ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ነዚ መገዲ እዚ ተጠቒሙሉ እዩ።—ዘጸኣት 31:18።

  • ብመላእኽቲ ኣቢሉ ብቓል ዚመሓላለፍ መልእኽቲ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ብመልኣኽ ገይሩ ንሙሴ ናብ ፈርኦን ግብጺ መልእኽቲ ኼብጽሕ መምርሒ ሂብዎ እዩ። (ዘጸኣት 3:2-4, 10) ልክዕ ቃላት ምምሕልላፍ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ገይሩ ንነብያቱ የጽሕፎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንሙሴ፡ “ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ዝኣቱ በዚ ቓላት እዚ እዩ እሞ፡ ነዚ ቓላት እዚ ጽሓፎ” ኢልዎ እዩ።—ዘጸኣት 34:27።a

  • ራእያት። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ነብዪ ምሉእ ብምሉእ ነቒሑ ኸሎ እውን ራእይ ይውሃቦ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 1:1፣ ኣንባቆም 1:1) ገሊኡ ራእያት ኣዝዩ ህያው ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ እቲ ረኣዪ እውን ኣብቲ ራእይ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 9:28-36፣ ራእይ 1:10-17) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ እቲ ረኣዪ ኣብ ተመስጦ ኣትዩ ኸሎ ራእይ ይቕበል ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:10, 11፣ 22:17-21) ኣምላኽ፡ ብሕልሚ ኣቢሉ እውን ንዝደቀሰ ነብዪ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ እዩ።—ዳንኤል 7:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10።

  • ንሓሳብ ነብያት ምምራሕ። ኣምላኽ መልእኽቱ ምእንቲ ኼመሓላልፍ ንሓሳብ ነብያቱ መሪሕዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ” ይብል። እታ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ” እትብል ሓረግ፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ ትርጉም 1956) ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ናብ ኣእምሮ ኣገልገልቱ ንምእታው፡ መንፈስ ቅዱስ ወይ ንጡፍ ሓይሉ ተጠቒሙ እዩ። እቲ መልእኽቲ ናይ ኣምላኽ እዩ፣ ነቲ ቓላት ግና እቶም ነብያት እዮም ሓርዮምዎ።—2 ሳሙኤል 23:1, 2።

ትንቢት ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ምንባይ ጥራይ ድዩ ዜጠቓልል፧

ኣይፋልን፣ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ምንባይ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ መልእኽቲ ኣምላኽ፡ ዋላ እውን ብተዘዋዋሪ መገዲ ብዛዕባ መጻኢ እዩ ዚገልጽ። ንኣብነት፡ ነብያት ኣምላኽ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ እኩይ መገዲ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቖምዎም እዮም። እቲ እተነግሮም መጠንቀቕታታት፡ ነቲ መጠንቀቕታ እንተ ኣቕሊቦምሉ ኣብ መጻኢ ዚረኽብዎ በረኸትን እንተ ዘየቕሊቦምሉ ኣብ መጻኢ ዚረኽቦም መዓትን ዝሓዘ እዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 25:4-6) እቲ ውጽኢት ከኣ ኣብቲ እቶም እስራኤላውያን ንምስዓብ ዝመረጽዎ መገዲ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ።—ዘዳግም 30:19, 20።

ገለ ኻብቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘይገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ

  • ሓደ እዋን እስራኤላውያን ንኣምላኽ ኪሕግዞም ምስ ለመንዎ፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ብምእባዮም ከም ዘይሓገዞም ዚገልጸሎም ነብዪ ልኢኹሎም እዩ።—መሳፍንቲ 6:6-10።

  • የሱስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኺዛራረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወታ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይተገሊጹሉ ብኻልእ ኪፈልጦ ዘይክእል ነገራት ነጊርዋ እዩ። ብዛዕባ መጻኢ እኳ እንተ ዘይተነበየ፡ ነብዪ ምዃኑ ኣለልያቶ እያ።—ዮሃንስ 4:17-19።

  • የሱስ ፈተና ኺወርዶ ኸሎ፡ ጸላእቱ ገጹ ሸፊኖም እናወቕዑ፡ “እስከ ተነበ! መን እዩ ወቒዑካ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ እዮም። ከምኡ ኺብሉ ኸለዉ ንየሱስ ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ኣይኰኑን ዚሓትትዎ ነይሮም፣ የግዳስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እቲ ዝወቕዖ መን ምዃኑ ኺጠቅስ እዮም ደልዮምዎ ነይሮም።—ሉቃስ 22:63, 64።

a ኣብዚ ኣብነት እዚ፡ የሆዋ ንሙሴ ብቐጥታ እተዛረቦ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ንምምሕልላፍ መላእኽቲ ኸም እተጠቕመ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:53፣ ገላትያ 3:19።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ