ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 83
  • ንኣምላኽ ዝረኣዮ ኣሎዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ዝረኣዮ ኣሎዶ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕጂ ንኣምላኽ ብኸመይ “ክንርእዮ” ንኽእል፧
  • ሙሴን ኣብርሃምን ካልኦትን ንኣምላኽ ኣይረኣይዎን ድዮም፧
  • መገድታት የሆዋ ምፍላጡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ‘ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ምምልላስ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • መላእኽቲ ብኸመይ ይጸልዉና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 83
ናብ ሰማይ ዚጥምት ሰብኣይ

ንኣምላኽ ዝረኣዮ ኣሎዶ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ቃል ብቓሉ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን። (ዘጸኣት 33:20፣ ዮሃንስ 1:18፣ 1 ዮሃንስ 4:12) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ይብል፣ መንፈስ ኪብሃል ከሎ ድማ ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ዘይከኣል ዓይነት ህይወት የመልክት።—ዮሃንስ 4:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:17።

እንተዀነ ግና፡ መላእኽቲ መንፈሳውያን ፍጡራት ስለ ዝዀኑ፡ ንኣምላኽ ብቐጥታ ኺርእይዎ ይኽእሉ እዮም። (ማቴዎስ 18:10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ገሊኦም ሰባት ምስ ሞቱ መንፈሳዊ ኣካል ሒዞም ናብ ሰማይ ስለ ዚትንስኡ፡ ሽዑ ንኣምላኽ ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም።—ፊልጲ 3:20, 21፣ 1 ዮሃንስ 3:2።

ሕጂ ንኣምላኽ ብኸመይ “ክንርእዮ” ንኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ነቲ ንምስትውዓል ዜመልክት ምሳልያዊ ምርኣይ ይጠቕሶ እዩ። (ኢሳይያስ 6:10፣ ኤርምያስ 5:21፣ ዮሃንስ 9:39-41) በዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ሰብ ንኣምላኽ ‘ብኣዒንቲ ልቡ፡’ ማለት ንኣምላኽን ንባህርያቱን ምእንቲ ኺፈልጥ እምነት ብምሕዳር ኪርእዮ ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 1:18) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዓይነት እምነት ንምህናጽ ዜኽእለና ስጕምትታት ይገልጸልና እዩ።

  • ካብ ፍጥረት ብዛዕባ ኸም እኒ ፍቕሪ፡ ልግሲ፡ ጥበብ፡ ሓይሊ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ተምሃር። (ሮሜ 1:20) እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ብዛዕባ ፍጥረታት ኣምላኽ መዘኻኸሪ ምስ ተዋህቦ፡ ንኣምላኽ ብኣዒንቱ ኸም ዝረኣዮ ዀይኑ ተሰሚዕዎ እዩ።—እዮብ 42:5።

  • ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ ንኣምላኽ ፈለጦ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ “እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ” ዚብል መረጋገጺ ይህበና እዩ።—1 ዜና መዋእል 28:9፣ መዝሙር 119:2፣ ዮሃንስ 17:3።

  • ብህይወት የሱስ ኣቢልካ ንኣምላኽ ፍለጦ። የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ስለ ዘንጸባረቖ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 14:9።

  • ንኣምላኽ ባህ ብዜብል መገዲ ንበር እሞ ንሱ እንታይ ከም ዚገብረልካ ርአ። የሱስ፡ “ጽሩይ ዝልቦም፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ። ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ገሊኦም ንኣምላኽ ባህ ዜብልዎ ሰባት ብትንሳኤ ናብ ሰማይ ምስ ከዱ፡ ኣብኡ “ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም።”—ማቴዎስ 5:8፣ መዝሙር 11:7።

ሙሴን ኣብርሃምን ካልኦትን ንኣምላኽ ኣይረኣይዎን ድዮም፧

ሰባት ንኣምላኽ ቃል ብቓሉ ኸም ዝረኣይዎ ኣብ ዚመስል ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ሓቂ ነቲ ንኣምላኽ ወኪሉ ዝመጸ መልኣኽ ከም ዝረኣዩ፡ ወይ ከኣ ራእይ ከም ዝረኣዩ ኻብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።

መላእኽቲ።

ብግዜ ጥንቲ፡ ኣምላኽ ናብ ሰባት መላእኽቲ ይልእኽ ነይሩ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ንዕኡ ወኪሎም ንሰባት ይርኣይዎምን ብስሙ ይዛረብዎምን ነይሮም እዮም። (መዝሙር 103:20) ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ኣምላኽ ንሙሴ ኻብ እትነድድ ቈጥቋጥ ተዛሪብዎ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ “ሙሴ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከይጥምት ስለ ዝፈርሀ፡ ገጹ ኸወለ” ይብል እዩ። (ዘጸኣት 3:4, 6) ይኹን እምበር፡ ሙሴ ንኣምላኽ ቃል ብቓሉ ኣይረኣዮን፣ ከመይሲ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ፡ “መልኣኽ የሆዋ” ኸም እተራእዮ ይገልጽ እዩ።—ዘጸኣት 3:2።

ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ንሙሴ ገጽ ንገጽ ይዛረቦ ነበረ” ኺብል ከሎ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ናይ ውሽጡ ተዛሪብዎ ማለት እዩ። (ዘጸኣት 4:10, 11፣ 33:11) ከም ሓቂ፡ ሙሴ ገጽ ኣምላኽ ኣይረኣየን፣ ከመይሲ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተቐበሎ ሓበሬታ፡ “ብመላእኽቲ እተመሓላለፈ” እዩ ነይሩ። (ገላትያ 3:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:53) እንተዀነ ግና፡ ሙሴ ኣብ ኣምላኽ ኣዝያ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ፡ “ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—እብራውያን 11:27።

ኣምላኽ ከምቲ ንሙሴ እተዛረቦ ገይሩ እውን፡ ንኣብርሃም ብመላእኽቲ ገይሩ ተዛሪብዎ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቈት ከይመርመረ ኼንብቦ ኸሎ፡ ኣብርሃም ቃል ብቓሉ ንኣምላኽ ከም ዝረኣዮ ኺመስሎ ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 18:1, 33) እንተዀነ ግና፡ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ ምስ እንምልከት፡ እቶም ናብ ኣብርሃም ዝመጹ “ሰለስተ ሰብኡት” ከም ሓቂ ብኣምላኽ እተላእኩ መላእኽቲ እዮም ነይሮም። ኣብርሃም ድማ ከም ወኪላት ኣምላኽ ገይሩ እዩ ርእይዎም፡ ንየሆዋ ብቐጥታ ይዛረብ ከም ዘሎ ገይሩ እውን እዩ ተዛሪብዎም።—ዘፍጥረት 18:2, 3, 22, 32፣ 19:1።

ራእያት።

ኣምላኽ ብራእያት ኣቢሉ እውን ንሰባት ተራእይዎም እዩ፣ ራእያት ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዚርአ ምርኢታት እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሙሴን ካልኦት እስራኤላውያንን ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ “ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረኣይዎ” ኺብል ከሎ፡ ከም ሓቂ “ራእይ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ [እዮም] ርእዮም።” (ዘጸኣት 24:9-11) ብተመሳሳሊ፡ ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነብያት፡ ‘ንየሆዋ ኸም ዝረኣይዎ’ ገይሩ ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 6:1፣ ዳንኤል 7:9፣ ኣሞጽ 9:1) ኣብ ኵሉ እዚ መዳያት እዚ፡ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ ንኣምላኽ ብቐጥታ ርእዮምዎ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባኡ ራእይ እዮም ርእዮም።—ኢሳይያስ 1:1፣ ዳንኤል 7:2፣ ኣሞጽ 1:1።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ