ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 142
  • “ኣልፋን ኦሜጋን” መን ወይ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣልፋን ኦሜጋን” መን ወይ እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ “ኣልፋን ኦሜጋን” ኢሉ ዚጽውዕ፧
  • “ቀዳማይን ዳሕራይን” መን እዩ፧
  • ራእይ 22:13፡ የሱስ “ኣልፋን ኦሜጋን” ምዃኑ መርትዖ ትኸውን ድያ፧
  • የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ገነት ዘተስፈወና ተስፋ ብኸመይ እዩ ውሑስ ገይሩልና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • የሱስ መተባብዒ ሒዙ ይመጽእ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ኣምላኽ ክንደይ ስም ኣለዎ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 142
ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳመይትን ዳሕረይትን ፊደላት ግሪኽኛ

“ኣልፋን ኦሜጋን” መን ወይ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

“ኣልፋን ኦሜጋን” ዚብል ስያመ ነቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። እዚ ስያመ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ይርከብ።—ራእይ 1:8፣ 21:6፣ 22:13።a

ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ “ኣልፋን ኦሜጋን” ኢሉ ዚጽውዕ፧

ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳመይትን ዳሕረይትን ፊደላትን ግሪኽኛ እየን። እቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ንመጽሓፍ ራእይ እውን ዜጠቓልል ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ በዚ ቛንቋ እዚ እዩ ተጻሒፉ። እቲ እዘን ፊደላት ግሪኽኛ ዘለወን ቦታ ድማ፡ የሆዋ በይኑ መጀመርታን መወዳእታን ምዃኑ ብምሳልያዊ መገዲ ንምግላጽ ተዓይዩሉ ኣሎ። (ራእይ 21:6) ካብ ዘለኣለም ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ ንዘለኣለም እውን ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዚነብር ንሱ ጥራይ እዩ።—መዝሙር 90:2።

“ቀዳማይን ዳሕራይን” መን እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ቓላት እዚ ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱ የሱስን ተጠቒሙሉ ኣሎ፣ ግናኸ፡ ኣብ ክልቲኦም በበይኑ ትርጉም እዩ ዘለዎ። ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  • ኣብ ኢሳይያስ 44:6፡ የሆዋ፡ “ኣነ ቐዳማይን ዳሕራይን እየ። ብዘይካይ ኣምላኽ የልቦን” ኢሉ ኣሎ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ የሆዋ ዘለኣለማዊ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዚጐልሕ ዘሎ፣ ብዘይካኡ ኻልእ የልቦን። (ዘዳግም 4:35, 39) እምበኣር፡ ኣብዚ መዳይ እዚ “ቐዳማይን ዳሕራይን” ኪብሃል ከሎ፡ ምስቲ “ኣልፋን ኦሜጋን” ሕደ ትርጉም እዩ ዘለዎ።

  • ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ራእይ 1:17, 18፣ 2:8፡ “ቀዳማይን [ፕሮቶስ፡ ኣልፋ ኣይኰነን] ዳሕራይን [ኢስክሃቶስ፡ ኦሜጋ ኣይኰነን]” ዚብል ስያመ ይርከብ እዩ። ኣብ ከባቢ እዘን ፍቕድታት ዘሎ ሓሳብ ከኣ፡ እቲ በቲ ስያመ እተጸውዐ ኣካል፡ ሞይቱ ኸም ዝነበረን ከም ብሓድሽ ህያው ከም ዝዀነን ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ እዘን ፍቕድታት እዚአን ነቲ ሞይቱ ዘይፈልጥ ኣምላኽ ኣየመልክታን እየን። (ኣንባቆም 1:12) የሱስ ግና ሞይቱን ተንሲኡን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:13-15) ካብ ደቂ ሰብ ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ሒዙ ናብቲ ሕጂ “ንዘለኣለመ ኣለም” ዚነብረሉ ሰማይ ዝተንስአ ቐዳማይ ንሱ እዩ። (ራእይ 1:18፣ ቈሎሴ 1:18) ነቲ ኻብኡ ንነጀው ዚፍጸም ኵሉ ትንሳኤ ዚገብሮ ኸኣ የሱስ እዩ። (ዮሃንስ 6:40, 44) ስለዚ፡ የሆዋ ብቐጥታ ዘተንስኦ ናይ መወዳእታ ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚ ዓይነት ትንሳኤ እውን ዳሕራይ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:40) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ “ቀዳማይን ዳሕራይን” ኪብሃል ይከኣል እዩ።

ራእይ 22:13፡ የሱስ “ኣልፋን ኦሜጋን” ምዃኑ መርትዖ ትኸውን ድያ፧

ኣይፋልን። ኣብ ራእይ 22:13 መን ይዛረብ ከም ዘሎ ብንጹር ኣይተገልጸን፣ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እውን በበይኖም ተዛረብቲ ኣለዉ። ፕሮፌሰር ዊልያም ባርክለይ ብዛዕባ እዚ ኽፋል መጽሓፍ ራእይ እዚ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ፡ “ብዘይ ንጹር መስርዕ እዩ ሰፊሩ ዘሎ፣ . . . መን ብሓቂ ይዛረብ ከም ዘሎ ርግጸኛ ንምዃን ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ዘ ረቨለሽን ኦቭ ጆን፡ 2ይ ጥራዝ፡ እተኸለሰ ሕታም፡ ገጽ 223) እምበኣር፡ ኣብ ራእይ 22:13 ዚርከብ “ኣልፋን ኦሜጋን” ዚብል ስያመ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ኣብ ካልእ ቦታታት እዚ መጸውዒ እዚ እተዋህቦ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት።

a ኣብ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዚብሃል ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ራእይ 1:11 ራብዓይ ሳዕ ይርከብ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ዝቐደመ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ስለ ዘይርከብ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዝደሓረ ቕዳሓት ጽሑፋት እተወሰኸ ምዃኑ ዚሕብር ብምዃኑ፡ መብዛሕትኡ ዘመናዊ ትርጉማት ነዚ ኣልጊስዎ ኣሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ