ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 83
  • ንፈተና ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንፈተና ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንፈተና ብኸመይ ከም እትቃወም
    ንቕሑ!—2014
  • ንሰብኣዊ ድኻም ምስናፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ፈተና
    ንቕሑ!—2017
  • ‘ናብ ፈተና ምእንቲ ኸይትኣትዉ’
    ንቑሕ ኩን!
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 83
ሓደ መንእሰይ፡ ወድን ጓልን ፍቕራዊ ቕርርብ ኪህልዎም፡ ክልተ ኣወዳት ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኺርእዩ፡ ሓንቲ ጓል ድማ ብጥቓኡ ኽትሓልፍ ምስ ረኣየ ይፍተን

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንፈተና ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ [ኣሎ]” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ሮሜ 7:21) ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንግጉይ ትምኒታትካ ንምጽራር ክትሕግዘካ እያ።

  • ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ፈተናን ጸቕጢ መዛኑን መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕዱ ይደጋገፍ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ስነ ምግባር የበላሽዎ እዩ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:33፡ እግረ ጽሑፍ) ካብ ካልኦት ሰባት ወይ ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዚወርድ ጸቕጢ፡ ኣብ ልብኻ ናብ ፈተና ኺመርሕ ዚኽእል ትምኒት ኬሕድር፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ‘እከይ ንምግባር ደድሕሪ ብዙሓት ከም እትስዕብ’ ኪገብረካ ይኽእል እዩ።—ዘጸኣት 23:2።

“ተፈታውነትን ተቐባልነትን ንምርካብ ዚወርደካ ጸቕጢ፡ ካልኦት ዚገብርዎ ዘበለ ናብ ምግባር ኬብጽሓካ ይኽእል እዩ።”—ጀረሚ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እቲ ኻልኦት ንዓኻ ዘለዎም ኣረኣእያ እምብዛ ዜተሓሳስበካ እንተ ዀይኑ፡ ፈተና ኺብርትዓካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧—ምሳሌ 29:25።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ብሰንኪ ጸቕጢ መዛኑ፡ ኣብ መትከላትካ ኣይትለማለም።

ክትገብሮ እትኽእል

ንእምነታትካ ፍለጦ። እንታይ ከም እትኣምን ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ካልኦት ዚቈጻጸርዎ መጻወቲ ኢኻ እትኸውን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ፡ “ንዅሉ መርምርዎ፣ ነቲ ሰናይ ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምዕዶ ስዓብ። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ንእምነታትካ ብዝያዳ ብእተረዳእካዮ መጠን፡ ብቐሊሉ ኣጽኒዕካ ኽትሕዞን ምስኡ ንዚጻረር ፈተናታት ክትነጽግን ኢኻ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ኣምላኽ ንጥቕምኻ ምዃኑ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧

“ንዝኣምነሉ ነገር ጸኒዐ እንተ ቘይመን ብፈተና እንተ ዘይተሰኒፈን፡ ካልኦት ብዝያዳ እዮም ዜኽብሩኒ።”—ኪምበርሊ።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣርኣያ፦ ዳንኤል። ገና መንእሰይ ከሎ፡ ሕግታት ኣምላኽ ንምሕላው “ብልቡ ቘረጸ።”—ዳንኤል 1:8።

ኣብ መሓውሩ ኣግማድ እተኣስረሉ፡ ካልኦት ከም መጻወቲ ናብዝን ናብትን ዚጐታትትዎ መንእሰይ

እንታይ ከም እትኣምን ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ካልኦት ዚቈጻጸርዎ መጻወቲ ኢኻ እትኸውን

ንድኽመታትካ ፍለጦ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ትምኒት ንእስነት፡” ማለት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ንእስነት ብርቱዕ ዝዀነ ትምኒት ይዛረብ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) እዚ ድማ ንጾታዊ ትምኒት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ካልኦት ንምምስሳል ዘሎካ ትምኒትን ገና ኸይበሰልካ ኸለኻ ናጽነትካ ንምርካብ ዘሎካ ትምኒትን የጠቓልል።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን” ይብል። (ያእቆብ 1:14) እሞ ደኣ ንዓኻ እንታይ ትምኒት እዩ ብዝያዳ ዚፍትነካ፧

“ኣየናይ ፈተናታት ከም ዚብርትዓካ፡ ገዛእ ርእስኻ ብቕንዕና ገምግም። ነቲ ፈተናታት እቲ ብኸመይ ከም እትቃለሶ ምርምር ግበር፡ ክትጥቀመሉ እትኽእል ነጥብታት እውን ጽሓፍ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ፈተና እቲ ኣብ ዚቕጽል ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብኸመይ ከም እትጻረሮ ኽትፈልጥ ኢኻ።”—ሲልቪያ።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣርኣያ፦ ዳዊት። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ካልኦት ብዝወረዶ ጸቕጢ ወይ ብገዛእ ትምኒቱ ይስነፍ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ ጌጋታቱ ተማህረ፡ ኬመሓይሽ እውን ጸዓረ። ናብ የሆዋ ድማ፡ “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ ዝዀነ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ኣንብር” ኢሉ ጸለየ።—መዝሙር 51:10።

ገዛእ ርእስኻ ተቘጻጸር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር” ይብል። (ሮሜ 12:21) ስለዚ፡ ግድን ብፈተና ኽትሰዓር ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ቅኑዕ ንምግባር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ጌጋ ንምግባር ኣብ እትፍተነሉ እዋን፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ገዛእ ርእስኻ ኽትቈጻጸርን ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብርን እትኽእል፧

“ነቲ ፈታኒ ዝዀነኒ ነገር ምስ ዝገብሮ እንታይ ስምዒት ኪፈጥረለይ ከም ዚኽእል ኣርሒቐ እሓስብ እየ። ዕግበት ድዩ ኺስምዓኒ፧ ምናልባት ከምኡ ይስምዓኒ ይኸውን፡ ግናኸ ንእተወሰነ ህሞት እዩ። ኣብ ነዊሕ ግዜኸ ጽቡቕ ድዩ ኺስምዓኒ፧ ኣይፋልን፡ ሕማቕ እዩ ኺስምዓኒ። እሞ ደኣ እዝስ የዋጽእ ድዩ፧ ኣየዋጽእን እዩ!”—ሶፊያ።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣርኣያ፦ ጳውሎስ። ሕማቕ ዝንባለታት ከም ዘለዎ እኳ እንተ ተኣመነ፡ ገዛእ ርእሱ ግና ይቈጻጸር ነበረ። “ንሰብነተይ ብጽኑዕ እግስጾን አግዝኦን ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 9:27፡ እግረ ጽሑፍ።

ቀንዲ ነጥቢ፦ ንፈተና እንታይ ምላሽ ከም እትህብ፡ ንስኻ ኢኻ እትውስን።

ፈተናታት ግዜያዊ ምዃኑ ኣይትረስዕ። መሊሳ ዝስማ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ፡ “እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዓብዪ ፈተና ዚዀነኒ ዝነበረ ነገራት፡ ሕጂ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። ነዚ ኽሓስበሉ ኸለኹ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ፈተናታት እውን ከም ዚሓልፍ፡ ሓደ መዓልቲ ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ ኸኣ ነዚ ተጻሪረ ብምስጋረይ ከም ዝሕጐስ እዩ ዜረጋግጸለይ” ትብል።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ኢሊቪያ

“ቈራጽነት ምግባርን ጸኒዐ ንምቛም ትብዓት ምጥራይን፡ ንፈተና ኽጻረር ሓጊዙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ነገር ንዘይምግባር ምስ ወሰንኩ፡ ነቲ ውሳነይ እሕልዎ እየ፣ ዳግም ኣይሓስበሉን እየ ወይ ብናይ ካልኦት ውሳነ ኣይጽሎን እየ።”—ኢሊቪያ።

ጃረድ

“መንእሰያት ናብ ፓርቲ ንምኻድ፡ ኵሉ እቲ ኣብኡ ዚግበር ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ጾታዊ ርክብን ከኣ ንምግባር ብርቱዕ ጸቕጢ የጋጥሞም እዩ። ብዛዕባ እዚ ጸቕጥታት እዚ ምስ ወለደይ ብግህዶ ምዝርራብ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ናጻ ግዜይ ብዕዮ ትሑዝ ምዃን፡ ካብቲ ጌጋ ንምግባር ዚመጸኒ ፈተና ኽርሕቕ ይሕግዘኒ እዩ።”—ጃረድ።

ማያን

“ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ፈተናታት፡ ንኻልኦት ጌጋ ዘይኰነ፡ ንዓይ ግና ጌጋ ዝዀነ ፈተና ምጽራር እዩ፣ ንኣብነት፡ ናይ መዘናግዒ ምርጫ ኸምኡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ጸቕጥታት ንምስናፍ እንታይ ኢልካ ኸም እትኣምን ክትፈልጥ ኣሎካ፣ እዚ ኸኣ ግዜን ተመክሮን ይሓትት እዩ።”—ማያን።

ጁልያን

“ምስ ፈተና ብዚተሓሓዝ፡ ገዛእ ርእስኻ ብቕንዕና ኽትግምግም ኣሎካ። ኣየናይ ክፋል ኢንተርነት ፈታኒ ዝዀነ ብዕሉግ ነገር ከም ዜቕርበልካ ኽትፈልጥ ኣሎካ፣ ከምኡ ምስ ኣጋጠመካ እንታይ ከም እትገብር እውን ክትፈልጥ ኣሎካ። ብፈተና ምእንቲ ኸይትስነፍ፡ ስልቲ ኺህልወካ ኣለዎ።”—ጁልያን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ