ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 4 ገጽ 14-15
  • ፈተና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈተና
  • ንቕሑ!—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፈተና እንታይ እዩ፧
  • ፈተና ምስ ኣጋጠመካ ቐልጢፍካ ስጕምቲ ኽትወስድ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
  • ከመይ ጌርካ ንገዛእ ርእስኻ ኻብ ፈተና ኽትከላኸለላ ትኽእል፧
  • ንፈተና ብኸመይ ከም እትቃወም
    ንቕሑ!—2014
  • ንሰብኣዊ ድኻም ምስናፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንፈተና ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንፈተና ኽትቃወሞ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 4 ገጽ 14-15
ሓደ ሰብኣይ ብጽብቕቲ ማኪናን ብሽጋራን ብምግብን ብሰበይትን ብገንዘብን ይፍተን

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ | ፈተና

ፈተና

ገለ ኻብቲ ንፈተና ኢድካ ምስ እትህብ ዚመጽእ ሳዕቤናት ምፍራስ ሓዳርን ስእነት ጥዕናን ናይ ሕልና ስቓይን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ካብዚ መፈንጠራ እዚ ብኸመይ ከነምልጥ ንኽእል፧

ፈተና እንታይ እዩ፧

ሓደ ነገር እንተ ስሒቡካ ወይ ማሪኹካ፡ ብፍላይ ከኣ ግጉይ ነገር ምስ ዚኸውን፡ በቲ ነገር እቲ ተፈቲንካ ኣለኻ ማለት እዩ። ንመረዳእታ፡ ናብ ዕዳጋ ምስ ከድካ፡ ባህ ዝበለትካ ንብረት ርኢኻ ንበል። ነታ ንብረት ብቐሊሉ ኽትሰርቃ ኸም እትኽእል፡ ፈጺምካ ድማ ከም ዘይትተሓዝ ኣብ ኣእምሮኻ ሓሳብ ይመጸካ። ሕልናኻ ግና፡ ‘ኣይትግበሮ!’ ይብለካ። ስለዚ፡ ነቲ ሓሳብ ነጺግካ ናብ ካልእካ ትኸይድ። ኣብታ ህሞት እቲኣ እቲ ፈተና ኣብቂዑ እዩ፣ ንስኻ ድማ ተዓዊትካ ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ልብኻ ጌጋ ኺገብር እንተ ተደናዲኑ ወይ ተፈቲኑ፡ እኩይ ሰብ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኵላትና ኸም እንፍተን ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) እቲ ብሓቂ ዜገድስ፡ ምስ ተፈተንና እንወስዶ ስጕምቲ እዩ። ገሊኦም ብዛዕባ ዘይግቡእ ትምኒት ብቐጻሊ ይሓስቡ እሞ፡ ውዒሎም ሓዲሮም ነቲ ፈተና ኢዶም ይህቡ። ገሊኦም ከኣ ከም ግጉይ ገይሮም ብምርኣይ ቀልጢፎም ይነጽግዎ።

“ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን።”—ያእቆብ 1:14።

ፈተና ምስ ኣጋጠመካ ቐልጢፍካ ስጕምቲ ኽትወስድ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ግጉይ ተግባር ዚመርሕ ነገር እንታይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ያእቆብ 1:15፡ “[ዘይግቡእ] ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ” ትብል። ብሓጺሩ፡ ብዛዕባ ግጉይ ትምኒት ብቐጻሊ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ከምቲ ጥንስቲ ሰበይቲ ውዒላ ሓዲራ ምውላዳ ዘይተርፋ፡ ንሕና እውን ትምኒትና ምፍጻሙ ኣብ ዘይተርፍ ደረጃ ንበጽሕ። ኰይኑ ግና፡ ባሮት ዘይግቡእ ትምኒት ካብ ምዃን ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ንትምኒታትና ኽንቈጻጸሮ እውን ንኽእል ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ኣእምሮና ዘይግቡእ ትምኒታት ኬማዕብል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዘይግቡእ ትምኒታት ኬርሕቖ እውን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧ ኣብ ካልእ ነገራት፡ ማለት ኣብ ሃናጺ ንጥፈታት፡ ምስ ፈታዊና ኣብ እንገብሮ ዝርርብ፡ ወይ ድማ ኣብ ጥዑይ ሓሳባት ብምትኳር እዩ ኸምኡ ዚገብር። (ፊልጲ 4:8) ንፈተና ኢድካ ምሃብ ብዛዕባ ዜምጽኦ ሳዕቤናት ምስትንታን እውን ሓጋዚ እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ስምዒታዊ፡ ኣካላዊ፡ ወይ መንፈሳዊ ጕድኣት ምስትንታን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (ዘዳግም 32:29) ጸሎት እውን ብዙሕ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። የሱስ ክርስቶስ፡ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን” ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 26:41።

“ኣይትታለሉ፦ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7።

ከመይ ጌርካ ንገዛእ ርእስኻ ኻብ ፈተና ኽትከላኸለላ ትኽእል፧

እቲ ሓቂ፦

ፈተና እንታይ ምዃኑ ኣይትስሓቶ፣ ንሓደ ዓሻ፡ ገርሂ፡ ወይ ዘይጥንቁቕ ሰብ ናብ ሓደጋ ዚመርሖ መፈንጠራ ወይ መህረሪ እዩ። (ያእቆብ 1:14፡ እግረ ጽሑፍ) ብፍላይ ናብ ምንዝርና ዚመርሕ ፈተና፡ ከቢድ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 7:22, 23።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

የሱስ ክርስቶስ፡ “የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ፡ ጐጥጒጥካ ደርብያ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 5:29) የሱስ ቃል ብቓሉ ብዛዕባ ዓይንና ይዛረብ ከም ዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። የግዳስ፡ ንኣምላኽ ባህ ከነብሎን ንዘለኣለም ክንነብርን እንተ ደሊና፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትና ኽንቀትሎ፡ ማለት ንግጉይ ተግባራትና ኸነወግዶ ኸም ዘሎና እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ቈሎሴ 3:5) እዚ ኸኣ ንፈተና ምእንቲ ኽንነጽጎ ቘራጽ ስጕምቲ ኽንወስድ የድልየና ማለት እዩ። ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ “ንኣዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ጸልዩ እዩ።—መዝሙር 119:37።

ሓቂ እዩ፡ ርእስኻ ምግታእ ቀሊል ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ‘ስጋ ድኹም እዩ።’ (ማቴዎስ 26:41) ስለዚ፡ ጌጋታት ንገብር ኢና። ግናኸ፡ ካብ ልቢ እንተ ተጣዒስናን ግጉይ ነገራት ምግባር ልማድ ከይንገብሮ ኣበርቲዕና እንተ ተቓሊስናን፡ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ‘ኪምሕረናን ኪርሕርሓልናን’ እዩ። (መዝሙር 103:8) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜጸናንዕ እዩ!

“ኦ ያህ፡ ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧” —መዝሙር 130:3።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ