ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 86
  • ስሒር ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስሒር ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዚማርኽ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መናፍስትነት እንታይ ይምህር፧
    ንቕሑ!—2017
  • ሓተታ መናፍስቲ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንድያብሎስን ንፍሕሶኡን ተጻረሮ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 86
ክልተ ጐራዙ ስሒራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ቀደም መጽሓፍ ይርእያ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ስሒር ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ድዩ፧

እንታይ ይመስለካ፧

  • ካብ ሆሮስኮፕ፡ ካብ ሰሌዳ ዊጃ፡ ወይ ካብ ሳይክያተኛ ምኽሪ ምድላይ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧

  • ዛንታታት ስሒር ኣብ መንጎ ሰናይን ክፉእን ዚግበር ምሳልያዊ ቓልሲ ዜመልክት ምሳልያዊ ዛንታታት ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ትርጕም ኣለዎ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መናፍስታዊ ተግባራት ስለምንታይ ከም ዚማርኽን ስለምንታይ ክትጥንቀቕ ከም ዘሎካን ክትገልጽ እያ።

  • ዚማርኽ ስለምንታይ እዩ፧

  • ክትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ዚማርኽ ስለምንታይ እዩ፧

ኢንዱስትሪ መዘናግዒ ብዙሕ መኽሰብ ምእንቲ ኺረክብ፡ ብቐንዱ ስሒራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ጸወታታት ቪድዮን መጻሕፍትን ብብዝሒ የፍሪ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሓያሎ መንእሰያት ኣብ ቈጸራ ኸዋኽብትን ኣጋንንትን ቫምፓየራትን ጠንቈልትን ተገዳስነት ኣሕዲሮም ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ገለ ኻብቲ ምኽንያታት እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  • ህንጥዮት፦ መንፈሳውያን ፍጡራት ብሓቂ እንተ ኣልዮም ኪፈልጡ ዘለዎም ድሌት

  • ሻቕሎት፦ ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጡ ዘለዎም ድሌት

  • ርክብ፦ ምስ ዚሞቱ ሰቦም ኪዛራረቡ ዚገብርዎ ፈተነ

እዚ ምኽንያታት እዚ ጌጋ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ መጻኢ ኽትፈልጥ ምህንጣይ ወይ ንዝሞቱ ሰብካ ምንፋቕ ባህርያዊ እዩ። እዚ ግና ሓደገኛ ኪኸውን ስለ ዚኽእል ክትጥንቀቐሉ ኣሎካ።

ክትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን መናፍስታዊ ተግባራት መጠንቀቕታ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ከምዚ ይብል፦

“ዚጥንቍል፡ ወይ ስሒር ዚገብር፡ ወይ ፋል ዚደሊ፡ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ስራይ ዚገብር፡ ወይ ንጠያቒ መናፍስቲ ዚሓትት፡ ወይ ጠንቋሊ፡ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገር እዚ ዚገብር ዘበለ ዅሉስ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።”—ዘዳግም 18:10-12።

መጽሓፍ ቅዱስ ንመናፍስታዊ ተግባራት ኣበርቲዑ ዚዅንኖ ስለምንታይ እዩ፧

  • መናፍስታዊ ተግባራት ምስ ኣጋንንቲ ርክብ ክትፈጥር እዩ ዜተባብዕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም መላእኽቲ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዓለዉን ጸላእቱ ኸም ዝዀኑን ይምህረና እዩ። (ዘፍጥረት 6:2፣ ይሁዳ 6) እዞም ኣጋንንቲ ዚብሃሉ እኩያት መላእኽቲ ብጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ስሒር ዚገብሩን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን ኣቢሎም ንሰባት የስሕቱ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ምክፋል፡ ጸላእቲ ኣምላኽ እዩ ዚገብረና።

  • መናፍስታዊ ተግባራት፡ ‘ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጡ ይኽእሉ’ ዚብል ናይ ሓሶት እምነት እዩ ዜስፋሕፍሕ። ይኹን እምበር፡ “ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ” ኺብል ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ።—ኢሳይያስ 46:10፣ ያእቆብ 4:13, 14።

  • መናፍስታዊ ተግባራት፡ ምዉታት ምስ ህያዋን ኪዛራረቡ ኸም ዚኽእሉ ዚገልጽ ናይ ሓሶት እምነት እዩ ዜስፋሕፍሕ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም፣ . . . ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን” እዩ ዚብለና።—መክብብ 9:5, 10።

በዚ ምኽንያታት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ መናፍስትነት ካብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ተግባራት ይርሕቁ እዮም። ዞምቢታትን ቫምፓየራትን ካልእ ልዕለ ባህርያዊ ነገራትን ዜርኢ መዘናግዒ የወግዱ እዮም። ማርያ ዝስማ ጐርዞ፡ “ምስ መናፍስታዊ ተግባራት ዚተሓሓዝ ክፋል ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ክርእዮ የብለይን” ትብል።a

ሓደ ዀተቴ ኻብ ሕጋዊ ትካል እተደወለሉ ይመስሎ፡ ከም ሓቂ ሓደ ገበነኛ እዩ ደዊሉሉ

ከምቲ ሓደ ገበነኛ ኻልእ ሰብ ከም ዝዀነ መሲሉ ኼታልለካ ዚፍትን፡ ኣጋንንቲ እውን ነቶም ዝሞቱ ሰብካ መሲሎም ኬታልሉኻ ይፍትኑ እዮም

ክትገብሮ እትኽእል

  • ምስ ስሒር ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ተግባራት ወይ መዘናግዒ ብምውጋድ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ጽሩይ ሕልና” ኺህልወካ ጽዓር።—ግብሪ ሃዋርያት 24:16።

  • ምስ ስሒር ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገራት እንተ ኣልዩካ፡ ኣወግዶ። ግብሪ ሃዋርያት 19:19, 20 ኣንብብ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ እዚ እንታይ ሰናይ ኣብነት ከም ዝሓደጉ ኣስተብህል።

ኣስተውዕል፦ ምስ ስሒር ዚተሓሓዝ ተግባራትን መዘናግዕን ምስ እተወግድ፡ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዝዀንካ ኢኻ እተረጋግጽ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንልቡ ኸተሐጕሶ ኢኻ።—ምሳሌ 27:11።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ብራንዶን

“ናይ ቈልዑ መደባት እውን ከይተረፈ፡ ስሒርን ኣስማትን ስራይን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን የጠቓልል እዩ። ይኹን እምበር፡ ዘዳግም 18:10 እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዚገብሩ ኣብ መንጎና ኺህልዉ ኸም ዘይግባእ ትገልጽ እያ። እዚ ኺብሃል ከሎ ድማ፡ ኣብ መዘናግዒና እውን ኪህልዉ ኣይግባእን ማለት እዩ።”—ብራንዶን።

ሮዝ

“እቲ እትርእዮ ዘለኻ መደብ ተለቪዥን ወይ ፊልም መናፍስታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ምርኣይ ኣቋርጾ። ዋላ እውን ንኣዕሩኽካ ባህ ከም ዘይበለካ ኽትነግሮም ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ኣይትፍራህ። ጽሩይ ሕልና ኻብ ዝዀነ ይኹን መደባት ተለቪዥን ወይ ፊልም ይበልጽ እዩ።”—ሮዝ።

a ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሉ ጽውጽዋያዊ ዛንታታት ብቐጥታ መናፍስታዊ ተግባራት የስፋሕፍሕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኦም ተደሪኾም ንዝዀነ ይኹን መናፍስታዊ ተግባራት ወይ ነዚ ዜስፋሕፍሕ መዘናግዒ የወግዱ እዮም።—2 ቈረንቶስ 6:17፣ እብራውያን 5:14።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ