ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 90
  • ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንርእስኻ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኣንብብ
  • ኣረኣእያኻ ጽልዋ ኣለዎ!
    ንቕሑ!—2016
  • ምስ ገሊኦም ተመሳሲለ ኽነብር እንተ ዘይክኢለኸ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ወለደይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኽጥቀም እንተ ዘይፈቐዱለይከ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ውሉዳትን ማሕበራዊ መራኸብን—2ይ ክፋል፦ ንውሉድካ ብዛዕባ ግቡእ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ብኸመይ ትምህሮ፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 90
ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ጸሊም ደበና ዝናም እናዘነማ፡ ኣሉታዊ ነገር ትሓስብ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧

  • ንርእስኻ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧

  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኣንብብ

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ንርእስኻ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧

  • ኣወንታዊ

    “ብእተኻእለኒ መጠን ኣብ ህይወተይ ሓጐስን ህድኣትን ኪህልወኒ እጽዕር እየ። ስለምንታይ እዩ እሞ ወትሩ ፍሽሑው ገጽ ዘይህልወኒ፧”—ቫለሪ።

  • ኣሉታዊ

    “ገለ ጽቡቕ ነገር ምስ ዜጋጥመኒ፡ ቀልጢፈ ‘እዚኣ ገለ ኣላታ’ ኢለ እሓስብ እየ።”—ሪበካ።

  • ክውንነታዊ

    “ኣወንታዊ ምዃን መወዳእታኡ ናብ ጓሂ እዩ ዚመርሕ፡ ኣሉታዊ ምዃን ድማ ሕማቕ እዩ። ክውንነታዊ ኣረኣእያ ግና ንነገራት ከምቲ ዘለዎ ኽትወስዶ ይሕግዘካ እዩ።”—ኣና።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጉስ ልቢ ዘለዎ . . . ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 15:15) ዘየድሊ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ሓዲጎም፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኺሕዙ ዚጽዕሩ ሰባት ብዝያዳ ሕጉሳት ይዀኑ እዮም። ዝያዳ ፈተውቲ እውን የጥርዩ እዮም። ከመይሲ፡ ምስ ጸዋግ ሰብ ግዜ ኼሕልፍ ዚደሊ የልቦን።

ኰይኑ ግና፡ ኣብ ህይወት ነቲ ኣወንታዊ ዝዀነ ሰብ እውን ከይተረፈ ዜጋጥሞ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት፦

  • ኣብ ዜናታት ብዛዕባ ውግእ፡ ግብረ ሽበራ፡ ወይ ገበን ብቐጻሊ ትሰምዕ ትኸውን።

  • ኣብ ስድራ ቤትካ ጸገማት ኣጋጢሙካ ይኸውን።

  • ምስ ብሕታዊ ድኽመታትካ ትቃለስ ትኸውን።

  • ፈታዊኻ ንስምዒትካ ጐዲእዎ ይኸውን።

ነዚ ብሓቂ ዚኸውን ዘሎ ነገራት ዓይንኻ ኣብ ክንዲ እትዕምት ወይ ኣብኡ ብምትኳር ኣብ ክንዲ እትምረር፡ ሚዛናዊ ንምዃን ጽዓር። ክውንነታዊ ኣረኣእያ፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸተወግድን በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ነገራት ተስፋ ኸይቈረጽካ ነቲ ሓቂ ኽትቅበሎን ይሕግዘካ እዩ።

ዝናም ምስ ጸሓየ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ገጻ ይበርህ

ጸሓይ ከም እትወጽእ ብምትእምማን፡ ነቲ ኸም መሸምቦባ ዝኣመሰለ ጸገማት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ

ክትገብሮ እትኽእል

  • ብዛዕባ ጕድለታትካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን” ይብል እዩ። (መክብብ 7:20) ጕድለታት ስለ ዘሎካን ጌጋታት ስለ እትገብርን ዘይትረብሕ ኢኻ ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ እዚ ሰብ ምዃንካ እዩ ዜርኢ።

    ክውንነታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪህልወካ ይኽእል፧ ጕድለታትካ ኸተሰንፍ ጽዓር፡ ካብ ርእስኻ ግና ፍጽምና ኣይትጸበ። ካሌብ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ኣብ ጕድለታተይ ንዘይምትኳር ጻዕሪ እገብር እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብኡ ተማሂረ ምምሕያሻት ክገብር እጽዕር እየ” ይብል።

  • ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድራ።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሓድሕድና ብምትህልላኽን ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ ኣይንድለ” ይብል እዩ። (ገላትያ 5:26) ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ንስኻ ኣብ ዘይተዓደምካሉ ምትእኽኻባት እተሳእለ ስእልታት ምስ እትርኢ፡ ትዅሪ ትኸውን። ሕሉፍ ሓሊፍካ ድማ ነቶም ናይ ቀረባ ፈተውትኻ፡ ከም ዝኸፍኡ ጸላእቲ ጌርካ ኽትርእዮም ትጅምር ትኸውን ኢኻ።

    ክውንነታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪህልወካ ይኽእል፧ ናብ ኵሉ ምትእኽኻባት ክትዕደም ከም ዘይትኽእል ተገንዘብ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚልጠፍ ስእልታት ድማ እተወሰነ ነገራት ጥራይ እዩ ዜርኢ። ኣለክሲስ እትብሃል መንእሰይ፡ “ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ጸጽቡቑ ጥራይ እዮም ዚልጥፉ። ተራ ነገራት ኣይልጥፉን እዮም” ትብል።

  • ምናዳ ኣብ ስድራ ቤትካ ገባር ሰላም ኩን።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ይብል እዩ። (ሮሜ 12:18) ነቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ኽትቈጻጸሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ነቲ እትህቦ ምላሽ ግና ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ ሰላማዊ ንምዃን ክትውስን ትኽእል ኢኻ።

    ክውንነታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪህልወካ ይኽእል፧ ነቲ ኣብ ስድራ ቤትካ ኣጋጢሙ ዘሎ ውጥረት፡ ኣይተጋድዶ፣ ኣብ ክንዳኡስ ከምቲ ምስ ካልኦት ሰባት እትገብሮ ሰላማዊ ኹን። ሓንቲ መሊንዳ ዝስማ መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ዋላ ሓደ ሰብ ፍጹም ኣይኰነን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምጕድዳእ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ጕዳይ እንሕዘሉ መገዲ ጥራይ ኢና ኽንውስን ዘሎና—ወይ ብሰላም፡ ወይ ብኻልእ።”

  • መማሰዊ ኹን።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣመስገንቲ ኹኑ’ ይብለና እዩ። (ቈሎሴ 3:15) መማሰዊ ምዃን፡ ኣብቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ሕማቕ ነገራት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ጽቡቕ ነገራት ከተተኵር ይሕግዘካ እዩ።

    ክውንነታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪህልወካ ይኽእል፧ ንጸገማትካ ኣሚንካ ተቐበሎ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዘሎ ጽቡቕ ነገራት እውን ኣይትረስዓዮ። ሪበካ ዝስማ መንእሰይ፡ “ኣብ መዓልቲ መዓልቲ፡ ኣብ መዝገበይ ሓደ ኣወንታዊ ነገር እጽሕፍ እየ። ጸገማት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ከስተንትነሉ ዝኽእል ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ከም ዘሎ ንርእሰይ ከዘክራ እደሊ እየ” ትብል።

  • እንታይ ዓይነት ኣዕሩኽ ከም እትሓሪ መርምር።

    መጽሓፍ ቅዱስ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ይብል እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:33) መዋዕልትኻ ነቐፍቲ፡ መቃጨጭቲ፡ ወይ መማረርቲ ምስ ዚዀኑ፡ እቲ ኣሉታዊ ባህርያቶም ይለግበካ እዩ።

    ክውንነታዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪህልወካ ይኽእል፧ ኣዕሩኽና ኣጸጋሚ ነገራት ምስ ዜጋጥሞም፡ ንእተወሰነ እዋን ብዛዕባ ህይወቶም የማርሩ ይዀኑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ደግፎም፡ ብጸገማቶም ግና ኣይትወሓጥ። ሚሸል ዝስማ መንእሰይ፡ “ኣሉታዊ ምስ ዝኣተሓሳስባኦም ሰባት ጥራይ ክንውዕል የብልናን። ኣብ ሕሳብ፡ ኣሉታ ተደመሮ ኣሉታ፡ ኣሉታ እዩ ዚኸውን” ትብል።

ብዛዕባኡ ብዝያዳ ኣንብብ

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሎሚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ፡ “ጽንኩር ግዜ” ኢልዎ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብዛ ኣሉታዊ ነገራት ዝመልኣ ዓለም፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ይኸብደካዶ፧ እምበኣር፡ “መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ኤማ

“ሓድሓደ እዋን፡ ኣሉታዊ ነገራት ምስ ዝሓስብ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሓስቦ ዘለኹ ጕዳይ ዘለዎ ጥቕምን ጕድኣትን እጽሕፍ እየ። እዚ ድማ ነቲ ነገር ካብ ካልእ ሸነኽ ክርእዮ ይሕግዘኒ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ኣሉታዊ ዝመስል ኵነታት፡ ኣወንታዊ ነገራት ይህልዎ እዩ።”—ኤማ።

ጀሲ

“ብዛዕባ ኣሉታዊ ነገራት ክሓስብ ከለኹ፡ ንሓደ ሰብ ንምሕጋዝ እፍትን ወይ ንኻልኦት ክገብሮ ዝኽእል ነገራት አናዲ እየ። የሱስ ምሃብ ከም ዘሐጕስ ገሊጹ እዩ፣ ንኻልኦት ብምሃብ ነቲ ኣሉታዊ ሓሳባት እቃለሶ እየ።”—ጀሲ።

ክለሳ፦ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከወግድ እኽእል፧

ብዛዕባ ጕድለታትካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ጕድለታትካ ኸተሰንፍ ጽዓር፡ ካብ ርእስኻ ግና ፍጽምና ኣይትጸበ።

ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣይተወዳድራ። ናብ ሓደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ስለ ዘይተዓደምካ ኣይትዀሪ።

ምናዳ ኣብ ስድራ ቤትካ ገባር ሰላም ኩን። ነቲ ዘሎ ውጥረት፡ ኣይተጋድዶ፣ ኣብ ክንዳኡስ ሰላማዊ ኹን።

መማሰዊ ኹን። ንጸገማት ኣሚንካ ተቐበሎ፣ እንተዀነ ግና፡ ነቲ ኣብ ህይወትካ ዘሎ ጽቡቕ ነገራት እውን ኣይትረስዓዮ።

እንታይ ዓይነት ኣዕሩኽ ከም እትሓሪ መርምር። በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ኢዶም ዘይህቡ ኣዕሩኽ ሕረ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ