መብርሂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ
ምሳሌ 17:17—“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር”
“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።
“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።”—ምሳሌ 17:17፡ ትርጉም 1956።
ትርጉም ምሳሌ 17፡17
ናይ ሓቂ ፈተውቲ እሙናት እዮም። ልክዕ ከም ናይ ስጋ ኣሕዋት ብፍላይ ኣብ ግዜ ጸገም እሙናትን ሓለይትን እዮም።
“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር።” እዛ ሓረግ እዚኣ “ፈተውቲ ወትሩ ፍቕሮም የርእዩ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። እታ ን“ፍቕሪ” እትገልጽ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ነቲ ሰብ ዘሎና ናይ ፍቕሪ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት፣ የግዳስ ብግብሪ እትርአ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እያ እተመልክት። (1 ቈረንቶስ 13:4-7) ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ዘላቶም ፈተውቲ ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ምስ ዚፍጠር ወይ ኣብ ህይወቶም ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም፡ ዕርክነቶም ብቐሊሉ ኣይብተኽን እዩ። ብዘይካዚ፡ ብናጻ ይቕረ ይባሃሃሉ እዮም። (ምሳሌ 10:12) ፈታዊኦም ጽቡቕ ኪረክብ ከሎ ኣይቀንኡን እኳ ደኣስ ምስኡ እዮም ዚሕጐሱ።—ሮሜ 12:15።
“ናይ ሓቂ ፈታዊ . . . ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው እዩ።” እዛ ምስላ እዚኣ ኣብ መንጎ ናይ ስጋ ኣሕዋት ፍሉይ ቅርርብ ከም ዘሎ እያ እተመልክት። ስለዚ ንሓደ እተጸገመ ፈታዊና ብእተኻእለና መጠን ምስ እንሕግዝ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ሓው ወይ ሓብቲ ዚገብሮ ነገር ኢና እንገብር ዘለና። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኸምዚኦም ዝበሉ ፈተውቲ ዘሎ ማእሰር ሓድነት ብፈተና ኣይብተኽን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዝያዳ እዩ ዚድልድል።
ኣብ ከባቢ ምሳሌ 17፡17 ዘሎ ሓሳባት
መጽሓፍ ምሳሌ ንኣንባቢ ኸም ዚሓስብ ዚገብሮ፡ ብመሳጢ ቓላት እተጻሕፈ ጥበባዊ ሓሳባት ዝሓዘት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እያ። ንመብዛሕትኡ ኽፋል እዛ መጽሓፍ ንጉስ ሰሎሞን እዩ ጽሒፍዋ። መልክዕ ኣጸሓሕፋኣ ልክዕ ከም ኣጸሓሕፋ ግጥሚ እብራይስጢ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ረምታ ምስስልን ንጽጽርን እያ እትጥቀም። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሓደ መስመር ዘሎ ሓሳባት ምስቲ ቐጺሉ ዘሎ ዚሰማማዕ ወይ ዚጻረር እዩ። ምሳሌ 17፡17 ሓደ ኣብነት ብምስስል እተጻሕፈት ግጥሚ እያ። ከመይሲ፡ እቲ ኻልኣይ ክፋል እታ ጥቕሲ ነቲ ቐዳማይ ክፋል ዜራጉድ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ። ምሳሌ 18፡24 ድማ ክልተ ሓሳባት እያ እተነጻጽር። “ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”
ሰሎሞን ንምሳሌ 17፡17 ኪጽሕፋ ኸሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦኡ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦልን ዝነበረ ጥብቂ ዕርክነት ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 13:16፣ 18:1፣ 19:1-3፣ 20:30-34, 41, 42፣ 23:16-18) ዳዊትን ዮናታንን ናይ ስጋ ዝምድና እኳ እንተ ዘይነበሮም ካብ ኣሕዋት ንላዕሊ ይቀራረቡ ነይሮም። ዮናታን ምእንቲ እቲ መንእሰይ ፈታዊኡ ህይወቱ ኣሕሊፉ ኺህብ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።a
ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ምሳሌ ንምፍላጥ፡ ነዛ ሓጻር ቪድዮ ርኣያ።
a “ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።