ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbv ዓንቀጽ 60
  • ምሳሌ 17:17—“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምሳሌ 17:17—“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር”
  • መብርሂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትርጉም ምሳሌ 17፡17
  • ኣብ ከባቢ ምሳሌ 17፡17 ዘሎ ሓሳባት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • እንታይ ይመስለካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
ዝያዳ ርአ
መብርሂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbv ዓንቀጽ 60

መብርሂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምሳሌ 17:17—“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር”

“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም።

“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።”—ምሳሌ 17:17፡ ትርጉም 1956።

ትርጉም ምሳሌ 17፡17

ናይ ሓቂ ፈተውቲ እሙናት እዮም። ልክዕ ከም ናይ ስጋ ኣሕዋት ብፍላይ ኣብ ግዜ ጸገም እሙናትን ሓለይትን እዮም።

“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር።” እዛ ሓረግ እዚኣ “ፈተውቲ ወትሩ ፍቕሮም የርእዩ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። እታ ን“ፍቕሪ” እትገልጽ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ነቲ ሰብ ዘሎና ናይ ፍቕሪ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት፣ የግዳስ ብግብሪ እትርአ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እያ እተመልክት። (1 ቈረንቶስ 13:4-7) ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ዘላቶም ፈተውቲ ኣብ መንጎኦም ዘይምርድዳእ ምስ ዚፍጠር ወይ ኣብ ህይወቶም ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም፡ ዕርክነቶም ብቐሊሉ ኣይብተኽን እዩ። ብዘይካዚ፡ ብናጻ ይቕረ ይባሃሃሉ እዮም። (ምሳሌ 10:12) ፈታዊኦም ጽቡቕ ኪረክብ ከሎ ኣይቀንኡን እኳ ደኣስ ምስኡ እዮም ዚሕጐሱ።—ሮሜ 12:15።

“ናይ ሓቂ ፈታዊ . . . ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው እዩ።” እዛ ምስላ እዚኣ ኣብ መንጎ ናይ ስጋ ኣሕዋት ፍሉይ ቅርርብ ከም ዘሎ እያ እተመልክት። ስለዚ ንሓደ እተጸገመ ፈታዊና ብእተኻእለና መጠን ምስ እንሕግዝ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ሓው ወይ ሓብቲ ዚገብሮ ነገር ኢና እንገብር ዘለና። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኸምዚኦም ዝበሉ ፈተውቲ ዘሎ ማእሰር ሓድነት ብፈተና ኣይብተኽን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዝያዳ እዩ ዚድልድል።

ኣብ ከባቢ ምሳሌ 17፡17 ዘሎ ሓሳባት

መጽሓፍ ምሳሌ ንኣንባቢ ኸም ዚሓስብ ዚገብሮ፡ ብመሳጢ ቓላት እተጻሕፈ ጥበባዊ ሓሳባት ዝሓዘት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እያ። ንመብዛሕትኡ ኽፋል እዛ መጽሓፍ ንጉስ ሰሎሞን እዩ ጽሒፍዋ። መልክዕ ኣጸሓሕፋኣ ልክዕ ከም ኣጸሓሕፋ ግጥሚ እብራይስጢ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ረምታ ምስስልን ንጽጽርን እያ እትጥቀም። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ሓደ መስመር ዘሎ ሓሳባት ምስቲ ቐጺሉ ዘሎ ዚሰማማዕ ወይ ዚጻረር እዩ። ምሳሌ 17፡17 ሓደ ኣብነት ብምስስል እተጻሕፈት ግጥሚ እያ። ከመይሲ፡ እቲ ኻልኣይ ክፋል እታ ጥቕሲ ነቲ ቐዳማይ ክፋል ዜራጉድ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ። ምሳሌ 18፡24 ድማ ክልተ ሓሳባት እያ እተነጻጽር። “ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”

ሰሎሞን ንምሳሌ 17፡17 ኪጽሕፋ ኸሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦኡ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦልን ዝነበረ ጥብቂ ዕርክነት ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 13:16፣ 18:1፣ 19:1-3፣ 20:30-34, 41, 42፣ 23:16-18) ዳዊትን ዮናታንን ናይ ስጋ ዝምድና እኳ እንተ ዘይነበሮም ካብ ኣሕዋት ንላዕሊ ይቀራረቡ ነይሮም። ዮናታን ምእንቲ እቲ መንእሰይ ፈታዊኡ ህይወቱ ኣሕሊፉ ኺህብ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።a

ዮናታንን ዳዊትን ኣብ መእተዊ እቲ በዓቲ ኾፍ ኢሎም። ዮናታን ኬጸናንዖ ኸሎ ዳዊት ጽን ኢሉ ይሰምዖ።

ምሳሌ ምዕራፍ 17፡ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣንብብ። እዚ ንምንባብ ቀሊል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብድምጺ እተቐድሐ ኣውድዮ፡ መግለጺታት፡ መወከሲታት፡ ስእልታት፡ ቪድዮታት፡ ከምኡ እውን ካርታታት ዝሓዘ እዩ።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ምሳሌ ንምፍላጥ፡ ነዛ ሓጻር ቪድዮ ርኣያ።

a “ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ