ጎርጊ ፖርቺልያን | ታሪኽ ህይወት
“ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ ኽጸንዕ ደጊፋትኒ”
ናብቲ ኣብ ሳይበርያ ኣብታ ዘይትምሽእ ዞባ ማገዳን ናብ ዚርከብ ደንበ ሸቕሊ ኺስደድ ከለኹ፡ ወዲ 23 ዓመት እየ ነይረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኻብ ዝጥመቕ ሓደ ዓመት ጥራይ እየ ገይረ ነይረ። ውዑይን ተመክሮ ዘይብለይን ስለ ዝነበርኩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ንሓደ መተኣስርተይ፡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነተይ ክነግሮ ምስ ፈተንኩ ኽንበኣስ ቍሩብ እዩ ተሪፉና ነይሩ።
ኮሚኒስት ነበር ክነሰይ፡ ሓደ ኻብቶም ከም ጸላእቲ መንግስቲ ዝርኣዩ ዝነበሩ ጕጅለ ሃይማኖት ኪኸውን ዝደረኸኒ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ኣብተን ኣብ ደንበ ሸቕሊ ተሓይረለን ዝነበርኩ ዓመታት፡ ፍቕርን ስልጠናን የሆዋ፡ ባህርያተይ ከመሓይሽ ዝሓገዘኒ ብኸመይ እዩ፧
ፍትሕን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ምንዳይ
ብ1930 ኣብ ሰሜናዊ ሞልዶቫ እትርከብ ድኻታት ዚነብሩላ፡ ታባኒ ኣብ እትብሃል ቍሸት እየ ተወሊደ። ወለደይ ንሽዱሽቴና ደቆም ንምዕባይ፡ ኣብ ኮማዊ ሕርሻ ተጊሆም ይዓይዩ ነይሮም። ድኻታት ኢና ኔርና። ኣደይ ኣባል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሩስያ እያ ነይራ፣ ኣቦይ ከኣ ካቶሊክ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቶም ኣቕሽሽቲ ዚገብርዎ ሕማቕ ተግባራት ይካትዑ ነይሮም።
ኣብ 18 ዓመተይ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ትምህርትታት ኮሚኒስት የስፋሕፍሑ ምስ ዝነበሩ ኮምስሞል ዚብሃሉ ማሕበር መንእሰያት ተጸምበርኩ። ዕላማ እቲ ማሕበር፡ መንእሰያት ኣባላት ሰልፊ ኮሚኒስት ምግባር እዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸነሐ፡ ናይ ሓንቲ ኣብ ከባቢና እትርከብ ጕጅለ ጸሓፊ ኪኸውን ተመረጽኩ። ምሕዝነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሒ ኣዝዩ ይስሕበኒ ነይሩ፡ እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ግፍዕን ብልሽውናን ኣስፋፊሑ ስለ ዝነበረ፡ ናይ ባዶነት ስምዒት ተሰምዓኒ።
ንጡፍ ኣባል ኮምስሞል ከም ምዃነይ መጠን፡ ነቲ መንግስቲ ሕብረት ሶቭየትa ኣብያተ ክርስትያናት ኪዕጸዋን ጕጅለታት ሃይማኖት ኪፈርሳን ዘውጽኦ ኣዋጅ ካብ ምድጋፍ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። ኣብ ቍሸትና እተወሰኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይሮም እዮም። ዋላ እኳ ሓቀኛታትን ሰላማውያንን ከም ዝዀኑ እንተ ኣስተብሃልኩ፡ ጥሩፋት እዮም ዚመስሉኒ ነይሮም። ቍሩብ ጸኒሑ፡ ሓደ ኻባታቶም ንመብዛሕትኡ ሕቶታተይ ከም ዚምልሰለይ ግና ኣይፈልጥን እየ ነይረ።
ሓወቦይ ዲሚትሪ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብታ ቍሸት ዝነበሩ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ግንቦት 1952፡ “ጎርጊ ኣብ ህይወትካ እንታይ ክትገብር ሓሲብካ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ብጀካኡ ተገዲሱ ኸምዚ ኢሉ ዝሓተተኒ ኻልእ ሰብ ኣይነበረን። ሓቂ ንምዝራብ፡ ዘይተመለሰለይ ብዙሕ ሕቶታት እዩ ነይሩኒ። ንኣብነት፡ ንገዛእ ርእሰይ፡ “ኣምላኽ እንተ ሃልዩ፡ እዚ ዅሉ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” ኢለ ብቐጻሊ እሓትታ ነይረ። ቀጺለን ኣብ ዝነበራ ሸሞንተ መዓልትታት፡ ዲሚትሪ ንሕቶይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰለይ። ሓድሓደ ግዜ፡ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ንዘራረብ ኔርና።
ሓድሓደ ግዜ ምሸት፡ ጎርጊን ዲሚትሪን ብመጽሓፍ ቅዱስ ንምምይያጥ የምስዩ ነይሮም
ድሕሪ እዚ ምይይጣት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቑም ነገር ከጽንዕ ወሰንኩ። ኣዝዩ ዜፍቅረኒ ሰማያዊ ኣቦ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። (መዝሙር 27:10) ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ንየሆዋ ኣዝየ አፍቅሮ ስለ ዝነበርኩ ግና፡ ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስድ ሓጊዙኒ እዩ። እቲ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ኣቦ መንበር እኳ እንተ ኣፈራርሃኒ፡ ካብ ሰልፊ ኮሚኒስት ግና ወጻእኩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝጅምር ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ገበርኩ፣ ኣብ መስከረም 1952፡ ርእሰይ ንየሆዋ ወፍየ ተጠመቕኩ።
ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ ተፈተነት
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ንየሆዋ ዘላትኒ ፍቕሪ ብተግባር ክርኢ እደሊ ስለ ዝነበርኩ፡ ናብተን ኣብ ኣቝሻት ዚርከቡ ኣመንቲ ብጾተይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ከበጻጽሕ ወለንተኛ ዀንኩ። ከምኡ ምግባር ሓደገኛ እዩ ነይሩ፣ እቶም ነበርቲ፡ ሓድሽ ሰብ ርእዮም እንተ ጠርጢሮም ንሰበ ስልጣናት ኪነግሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። አረ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ጠርጢሮምኒ ነይሮም እዮም፣ ሓደ ኻብቶም ናብ ጉባኤ ሰሊኾም ዝኣተዉ ምስጢራዊ ፖሊስ ከይከውን ፈሪሆም ነይሮም። ብዙሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሰላይ ከም ዘይኰንኩ ንጹር ኰነ። ካብ ዝጥመቕ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ፡ እተኸልከለ ጽሑፋት ኣበጻጺሕካ ተባሂለ ኸም ገበነኛ ተቘጺረ ተኣሰርኩ።
ኣብቲ ኸይተፈረድኩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸናሕኩሉ ኣስታት ሓደ ዓመት፡ ፖሊስ መትከለይ ምእንቲ ኺገድፍ ብዙሕ ይምርምሩኒ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኣቐዲመ ንየሆዋ ኣምላኽ ዓሚቍ ፍቕሪ ኣማዕቢለ ነይረ እየ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣብ ከተማ ኦዲሰ ዩክረይን ዚርከብ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ምድላዋት ተገብረ። እቶም ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይነበሩ ወለደይን ኣሕዋተይን ኣሓተይን፡ ናብቲ ቤት ፍርዲ ተጸውዑ።
ንፍርዲ ኣብ ዝቐረብኩሉ እዋን፡ ምስ ሓደገኛ ኑፋቐ ተጸምቢርካ ተባሂለ ተኸሰስኩ። እቶም ሰበ ስልጣን ከም እተጸለልኩ ንወለደይን ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ኬእምንዎም ይደልዩ ነይሮም። ወለደይ ነዚ ምስ ሰምዑ ሸቐልቀል በሉ። እናበኸዩ ኸኣ ንእምነተይ ኪሓድጎ ለመኑኒ። ኣነ ግና ህድእ ኢለ ንኣደይ፦ “ኣይትጨነቒ። ኣይተታለልኩን። ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝምነዮ ዝነበርኩ እየ ረኺበ፣ ፈጺመ ድማ ኣይሓድጎን እየ” በልክዋ። (ምሳሌ 23:23) ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ንየሆዋ ግና ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ ነይረ እየ፣ ስለዚ፡ ናብኡ ኽለግብ ክኢለ እየ። ድሕሪ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመት፡ ወለደይ ብዛዕባ እምነተይ ዝያዳ ኺፈልጡ ጀመሩን ሓቂ ምዃኑ ተገንዘቡን፡ ንሳቶም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ።
ወለዲ ጎርጊ ኣብ ቤት ፍርዲ ኸለዉ፡ ምስ ኑፋቐ ሓቢርካ ተባሂሉ ይኽሰስ
ን15 ዓመት ኣብ ደንበ ሸቕሊ ኺዓዪ ተፈረደኒ፣ ስለዚ፡ ናብ ዞባ ኮልይማ ብባቡር ከድኩ፣ እታ ዝኸድኩላ ቦታ ቐንዲ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ሳይበርያ ዚርከባ ደንበታት ሸቕሊ እያ ነይራ። ሓለውትን ፖሊስን፡ እሱራት ምቍጽጻር ምእንቲ ኺጥዕሞም፡ ይቕጥቁጡናን ብጥሜት የሳቕዩናን ነይሮም። ኣብ መጀመርታ፡ እዚስ ‘ክትዋጽኣሉ ዘይከኣል እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ።
ፍቕራዊ ሓልዮት ኣምላኽን ስልጠናን ምርካብ
ኣብቲ ደንበ ምስ በጻሕኩ ቝሩብ ጸኒሑ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ 34 ዝዀኑ እሱራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብጥበብ “ኣብ ጕጅለኹም ዮናዳብ ኣለዉዶ፧” ኢሎም ሓተቱኒ። ብኡብኡ መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ከም ዝዀኑ ፈለጥኩ። ከመይሲ፡ ከምዚ ዓይነት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓላት ዚጥቀሙ ንሳቶም ጥራይ እዮም። እዞም ምኩራት ኣሕዋት ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ኸም ዘሎኒ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ምስትውዓል ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ባህርያት ኬማዕብል እውን ሓጊዞምኒ እዮም።
ኣብቲ ደምበ፡ መካኒክ ኰይነ እዓዪ ነይረ። ሓደ መዓልቲ ማትፍዪ ዝስሙ መሳርሕተይ፡ 50 ስም ቅዱሳት ብቓሉ ኸም ዚዝክር ብጃህራ ነገረኒ። ብዛዕባ እቶም ቅዱሳት ዚብሎም ዜሕርቅ ነገር ስለ እተዛረብክዎ፡ ኪሃርመኒ ምስ በለ ሃደምኩ። ድሕሪኡ፡ ኣሕዋት ኪስሕቁ ምስ ረኣኽዎም ሓረቕኩ። “ስለምንታይ ደኣ ትስሕቁ፧ ክሰብኽ እደሊ እየ” ኢለ ጨደርኩሎም። ንሳቶም ግና ብለውሃት፡ “ዕላማና ብስራት ምስባኽ ደኣ እምበር፡ ንሰባት ምሕራቕ ኣይኰነን” ኢሎም ኣዘኻኸሩኒ። (1 ጴጥሮስ 3:15) ማትፍዪ ንመንግስቲ ዚጻረር እሱር እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓለውትን ንሰበ ስልጣንን ዜርእይዎ ዝነበሩ ኣኽብሮት ይምሰጥ ነበረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣሕደረ። ነታ ብሕቡእ ኣብ ፊስቶ ብዝሑሉ ማይ እተጠመቐላ ምሸት ወትሩ እየ ዝዝክራ።
ኣብቲ ደምበ ምስ በጻሕና ቝሩብ ጸኒሑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኽንርከብ ዓደሙና። ኣብ መጀመርታ፡ ኣብቲ ኣኼባ ምእካብ ኣበና። ከመይሲ፡ ኣብኡ ምእካብ ከም ምስታፍ ጌርና ቘጺርናዮ ስለ ዝነበርና ምስ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ዘይቃዶ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና ነይሩ። (ዮሃንስ 17:16) ስለዚ፡ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ጸልማት ሸላ ተኣሰርና። ካብታ ሸላ ምስ ወጻእና፡ ፈቃራት ኣሕዋት ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ምእካብና ንበይኑ፡ ምስ ገለልትነትና ኸም ዘይጻረር ነገሩና። ብኣንጻሩ ግና፡ ነዚ ንምስክርነት ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ ነገሩና። እዞም ፈቃራት ኣሕዋት ዝያዳ ጥበበኛታትን ተዓጻጸፍትን ክንከውን ብለውሃት ሓጊዞምና እዮም።
እቲ ኣሕዋት ብዓቕሊ ዝሃቡና ስልጠና፡ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ ብንጹር ከም ዝርኢ ገይሩኒ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እሱር ቀሺ ሓለቓ ተቘጻጸርቲ ሒሳብ ኰይኑ ተሸመ። ኵሉ ሳዕ ኣብ እዋን ምግቢ ኽንራኸብ ከለና፡ “ሰላም ወዲ ድያብሎስ” ይብለኒ ነይሩ። ሓደ መተኣስርተይ ድማ ብሕጫጨ “ሰላም ባባ ዘይትብሎ” በለኒ። እቲ ዜሕዝን ድማ ምኽሩ ሰሚዐ ኸምኡ በልኩ፣ ስለዚ፡ ብዜስካሕክሕ መገዲ ተቐጥቀጥኩ። ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ምስ ፈለጡ፡ ዘይግቡእ ነገር ከም ዝገበርኩ ኽግንዘብ ሓገዙኒ። (ምሳሌ 29:11) ጸኒሐ ነቲ ቐሺ ይቕረታ ሓተትክዎ።
ናብ ደምበ ሸቕሊ ቕድሚ ምኻደይ፡ ምሸት ወይ ኣጋ ወጋሕታ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብሕቡእ እእከብ ነይረ እየ። ኣብቲ ደምበ ግና እንሕባኣሉ ቦታ ኣይነበረን። ስለዚ፡ መዓልቲ መዓልቲ ሓለውቲ ኣብ ዚርእይዎ ቦታ ኸቢብና ደው ንብል እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲምና ብንኣሽቱ ወረቐት ዝጸሓፍናዮ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመያየጥ ኔርና። ሸቶና ብእተኻእለ መጠን ብዙሕ ጥቕስታት ንምሽምዳድን ወትሩ ንምዝካርን እዩ ነይሩ። ኣኼባ እናገበርና ፖሊስ እንተ መጺኡ ግና፡ ነቲ ወረቐት ቀልጢፍና ንውሕጦ ኔርና።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መሕብኢ ኣብ ዘይብሉ ደምበ ሸቕሊ ሓለውቲ ኣብ ዚርእይዎ ቦታ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ
ተሓዪረ እኳ እንተ ነበርኩ ፍቕሪ የሆዋ ግና ኣይተፈልየንን
ኣብ መጀመርታ 1960ታት፡ ጎርጊ ኻብ ደምበ ሸቕሊ ምስ ወጸ
ብ1959 ካብቲ ደንበ ምስ ወጻእኩ፡ ኣብ ካዛክስታን ናብ ትርከብ ዞባ ካራጋንዳ ተጠረዝኩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ትሕቲ ኽትትል እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንመርዓይ 20 መዓልቲ ፍቓድ ኪውሃበኒ ንሰበ ስልጣን ሓተትክዎም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሩስያ ናብ እትርከብ ዞባ ቶምስክ ገሽኩ፡ ኣብኡ ሓንቲ ማርያ እትብሃል እምንትን ተፈታዊትን ሓብቲ እፈልጥ ነይረ እየ። ከም ኣመለይ፡ “ማርያ ንወረዘ ዝኸውን ግዜ የብለይን ተመርዓውኒ” ኢለ ብቐጥታ ሓተትክዋ። ንሳ ድማ ‘ሕራይ’ በለትኒ፣ ስለዚ፡ ንእሽቶ ውራይ ገበርና። ማርያ፡ ብዙሕ ፈተናታት ምጽዋረይ ኣኽቢራ ትርእዮ ስለ ዝነበረት፡ ንየሆዋ ምግልጋል ምእንቲ ክቕጽል ክትሕግዘኒ ደልያ ሕራይ በለትኒ።—ምሳሌ 19:14።
ኣብ ከባቢ 1960ታት፡ ብጋህዲ ኣብ በቤት ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና ኔርና፣ እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ እምነትና ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ንምምስካር ዝረኸብናዮ ዅሉ ኣጋጣሚ ንጥቀመሉ ኔርና። ሰባት ናብ ገዛኦም ኪዕድሙና ኸለዉ፡ ወይ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ንእንረኽቦም ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ነካፍሎም ኔርና። ንኻልኦት እንምስክረሉ ኣጋጣሚታት እውን ነናዲ ኔርና። ንኣብነት፡ ኪሽየጥ ናብ እተዳለወ ገዛውቲ ንኸይድ እሞ፡ ነቶም ሰብ ዋና መንፈሳዊ ርእሰ ነገር ኣበጊስና ኸነመያይጦም ንጽዕር ነበርና። ኣነን ማርያን በዚ ኣቀራርባ ተጠቒምና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጀመርናዮም ሽዱሽተ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም እዮም።
ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ እዋን ምርጫ ንምስክር ኔርና። ሓደ መዓልቲ፡ ኣነን ካልኦት ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ናብ እንዓየሉ ፋብሪካ፡ ምስጢራዊ ፖሊስ መጹ። ኣብ ቅድሚ ኣስታት 1,000 ዝዀኑ መሳርሕትና፡ ‘ስለምንታይ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖለቲካ ዘይሳተፉ’ ኢሎም ሓተቱና። ሓደ መሃንድስን እተወሰኑ ሰራሕተኛታትን ተጣበቝልና። ሓላፍነት ዚስምዓናን ህርኩታትን ከም ዝዀንና ነቶም ፖሊስ ነገርዎም። እቲ ተግባሮም፡ ብኣእምሮና እንዝክሮ ጥቕስታት እናጠቐስና ብዛዕባ መትከልና ኽንገልጽ ኣተባብዓና። ብትብዓት ስለ ዝመስከርና ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ስለ ዘሕደሩ፡ ዓመት ከይመልአ ተጠምቁ።
ኣብ መጀመርታ 1970ታት፡ ኣብ ካዛክስታን ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ፣ ስለዚ፡ ንመጀመርታ ግዜ ዓብዪ ኣኼባ ምውዳብ ኣድላዪ ዀይኑ ተሰምዓና። እንተዀነ ግና፡ ብኸመይ ኢና ሰበ ስልጣን ከይፈለጡ ኽንገብሮ እንኽእል፧ ምስቲ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ኸተማ አልማቲ ዚግበር መርዓ ኣተሓሒዝና ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ኽንገብር ወሰንና። እተኣከብናሉ ምኽንያት ንመርዓን ንክርስትያናዊ ኣኼባን እዩ ነይሩ፣ ንመርዓትን ንመርዓውን ዜሰንዩ ልዕሊ 300 ሰባት ነይሮም። ሰበይተይን ካልኦት ሒደት ኣሓትን ነቲ ቦታ ኺስልማን ጥዑም ምግቢ ኪኽሽናን ተጊሀን ዓየያ። ነቶም ኣጋይሽ ዝያዳ ዘሐጐሶም ግና በቶም ኣሕዋት ዝቐረበ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ብዙሕ ህዝቢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ኣቕረብኩ።
ፍቕሪ ኣምላኽ ፈተናታት ክንጻወር ሓጊዛትና
ጎርጊን ሰበይቱ ማርያን ምስ ጓሎም ልዩድመላ
እታ ፍቕርቲ ሰበይተይ ማርያ፡ ክሳዕ መወዳእታ ህይወታ እምንቲ ደጋፊት ኰይና እያ ቐጺላ። ወትሩ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እተቐድም ልእምትን ተገዛኢትን እያ ነይራ። ብኣካላዊ ድልድልቲ እኳ እንተ ነበረት፡ ብሃንደበት ግና ኦስቲዮፖሮሲስ ዚብሃል ሕማም ሓዛ፣ ንኣስታት 16 ዓመት ድማ ዓዲ ውዒል ኰነት። ብ2014 ክሳዕ እትመውት፡ ምስታ ልዩድመላ ዝስማ ርሕርሕቲ ጓልና ዄንና ጽቡቕ ጌርና ንኣሊያ ኔርና።
እታ ፍቕርቲ ሰበይተይ ማርያ ኣብ እትሳቐየሉ እዋን ዝገብሮ ይጠፍኣኒ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ክሳዕ ዕለተ ሞታ መጽሓፍ ቅዱስን ዜተባብዕ ዓንቀጻትን ብሓባር ነንብብ ኔርና። መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም ነዕልል ኔርና። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ጥቓኣ ኾፍ ኢለ ድምጸይ ከየስማዕኩ እበኪ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ዜደንቕ ተስፋታት የሆዋ ብዜንበብና መጠን፡ ንሃድእን ንምጽዋር ዜድልየና ብርታዐ ንርክብን ኔርና።—መዝሙር 37:18፣ 41:3።
ጎርጊን ልዩድመላን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ
ካብታ ፍቕሪ የሆዋ ዘስተማቐርኩላ ግዜ ጀሚረ፡ ወትሩ ደገፉን ሓልዮቱን ኣይተፈልየንን። (መዝሙር 34:19) ተመክሮ ዘይብለይ መንእሰይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ በቶም ባህርያተይ ከመሓይሽ ብዓቕሊ ዝሓገዙኒ ኣሕዋት ኣቢለ ፍቕሪ የሆዋ ርእየ እየ። ኣብ ደንበ ሸቕሊ ተሓዪረለን ኣብ ዝነበርኩ እዋን፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ምስ ኣጋጠመኒ፡ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ደጊፉኒ እዩ። ነታ ፍቕርቲ ሰበይተይ ማርያ ኽሳዕ ዕለተ ሞታ ኽኣልያ እውን ዜድልየኒ ሓይሊ ሂቡኒ እዩ። ሎሚ፡ ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ብሓቂ ደጊፋትኒ እያ ኽብል እኽእል እየ።
a ክሳዕ 1991 ካዛክስታን፡ ሞልዶቫ፡ ዩክረይን ክፍሊ ሕብረት ሶቭየት ነበር እየን ነይረን