ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/10 ገጽ 15
  • ኣኦርታ ድንቂ ንድፊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኦርታ ድንቂ ንድፊ
  • ንቕሑ!—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንልክዕነት ትንቢት ዚምስክር ድምጺ ኣልቦ ምስክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ንውህበት ህይወት ግቡእ ኣኽብሮት ይሃሉኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ንቕሑ!—2001
g01 8/10 ገጽ 15

ኣኦርታ ድንቂ ንድፊ

ኣኦርታ ኻብቲ ሊቃውንቲ ቕድም ዝሓስብዎ ዝነበሩ ንላዕሊ እተሓላለኸ “መስመር ሻምብቆ” ኢዩ። መጀመርታ ኽትሪኦ ኸለኻ: ከምቲ ዓንቃሪቦ ዝቕርጹ መትሓዝ ጽላል ኢዩ ዝመስል። እዚ ግን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ኣይኰነን። ኣኦርታ ብኽልተ ኣንፈት ዝዕቀን ቀሊል ጥውዮ ዘይኰነስ ብሰለስተ ኣንፈት ዝዕቀን ከም ካብ ሞላ እተቘርጸ ፍርቂ ኽባዊ ዝዓይነቱ ቕርጺ ኢዩ ዘለዎ። ኣብ ሓደ ጸፊሕ ቦታ ምስ እነቐምጦ እናተጠቕለለ ንላዕሊ ገጹ ኢዩ ዝድይብ።

ስለምንታይ እዚ ንድፊ እዚ ሃልይዎ፧ ነቲ ደም ልክዕ ከምቲ ውሕጅ ክጥወ ኸሎ ዝገብሮ ቐስታዊ ቕርጺ ሒዙ ኸም ዝጥምዘዝ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ውሽጢ እቲ ኣኦርታ ሕምብሊል ከም ዝብል ይገብሮ። ውሕጅ ናብ ዝጥወየሉ ኣንፈት ዘሎ ታሕተዋይ ሸነኽ እቲ ማይ ፍጥነቱ ይቕንስ ኢዩ: እዚ ድማ ዝግ ኢሉ ዝተርፍ ነገራት ንኽህሉ ይሕግዝ። በቲ ላዕለዋይ ሸነኽ ግን እቲ ውሕጅ ብፍጥነት ስለ ዝጓዓዝ ነቲ ገማግም እውን ከይተረፈ እናባሕጐጎ ይኸይድ። ኣብ ኣኦርታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፍጥነት ፍልልይ እንተ ዝህሉ ነይሩ እቲ ደም ፍጥነት ብዝቕንሰሉ ሸነኽ ስብሒ ምተኣከበ ነይሩ: እዚ ድማ ሓደገኛ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣኦርታ ነቲ ደም ሕምብሊል ከም ዝብል ስለ ዝገብሮ ስብሒ ተላሕጊጉ ምእንቲ ኸይተርፍ ብማዕረ ንዅሉ ሸነኽ የጽርዮ።

ኣኦርታ ብርግጽ ድንቂ ኽበሃል ዝከኣል ንድፊ ኢዩ! እምበኣር እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ” ንኽብል ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 139:⁠14

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣኦርታ

[ምንጪ ስእሊ]

Blood cell background on page 15: Lennart Nilsson

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ