ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/2 ገጽ 21-26
  • ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ተወከል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ተወከል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ዓለማዊ ጥበብ ምውካል ኣርሕቕ
  • ነቲ ናይ ምጥርጣር ዝንባለ ተቓለሶ
  • ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መምርሒ ምስዓብ
  • መንእሰያት​—⁠ንቓል ኣምላኽ ስምዕዎ
  • ንሓቂ ናትካ ገይርካያዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ምጥርጣር ንእምነትካ ከማስና ስቕ ኢልካ ኣይትግደፎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ዕዉት ክርስትያናዊ ሓዳር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንመርዓኹም ነባሪ ማእሰር ግበርዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/2 ገጽ 21-26

ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ተወከል

“እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።”​—⁠መዝሙር 9:10

1. ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ጌና ምትእምማን ክህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም: እቲ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ንኽትውከል ዝቐርብ ዕድመ ተግባራውነትን ሓቅነትን ዘይብሉ ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ጥበብ ኣምላኽ ንነዊሕ ግዜ ሓቅነቱን ተግባራውነቱን ከረጋግጽ ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጣሪ: ናይ መርዓን ስድራቤትን ጀማሪ ኢዩ: ካብ ዝዀነ ካልእ ኣካል ብዝበለጸ ድማ ድሌትና ይፈልጥ ኢዩ። ከምቲ ናይ ሰብ መሰረታዊ ድሌታት ዘይተለወጠ: እቶም ድሌታት እቲኣቶም ዝማልእሉ መሰረታውያን መገድታት ድማ ጌና ኣይተለወጡን። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ምኽሪ ዘበናት ይገብር እኳ እንተ ተጻሕፈ: ኣብ ህይወት ዓወት ንምርካብን ግድላት ንምፍታሕን ጌና ዝበለጸ መምርሒ ይህብ ኢዩ። ንዕኡ ምስዓብ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና እተራቐቐት: ሳይንሳዊት ዓለም እውን ከይተረፈ ብዙሕ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ!

2. (ሀ) ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ኣብ ህይወት ህዝቢ የሆዋ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኢዩ ኣፍርዩ ዘሎ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ንዕኡን ንቓሉን እዙዛት ዝዀኑ እንታይ ካልእ ዝያዳ ነገር ኢዩ ተመባጺዕሎም ዘሎ፧

2 ኣብ የሆዋ ምውካልን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ምውዓልን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተግባራዊ ጥቕምታት የምጽእ ኢዩ። ሓቅነት ናይዚ ድማ ኣብ ህይወት ናይቶም ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተኣማንነትን ትብዓትን ዘለዎም ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርአ ኢዩ። ኣብ ፈጣርን ኣብ ቃሉን ምውካል ንሳቶም ግቡእ ቦታ ከም ዝህብዎ ይረጋግጽ ኢዩ ዘሎ። (መዝሙር 9:9, 10) ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ብጽሬት: ተኣማንነት: ኣፍራይነት: ንህይወትን ጥሪትን ካልኦት ብምኽባር: ከምኡውን ኣብ ብልዕን መስተን ሚዛናውያን ዝዀኑ ሰባት ገይርዎም ኢዩ። ምቕሉል: ዕጉስ: መሓሪ: ከምኡውን ይቕረ በሃልን ካልእ ብዙሕ ባህርያትን ብምፍራይ: ኣብ ውሽጢ ናይ ስድራቤት ዓንኬል ግቡእ ፍቕርን ልምምድን ከም ዝህሉ ገይሩ ኢዩ። ብዓብይኡ ኸኣ ናይ ቍጥዓ: ጽልኢ: ቅትለት: ቅንኢ: ፍርሂ: ትህኪት: ትዕቢት: ሓሶት: ምጥቃን: ስድነት: ከምኡውን ናይ ርኽሰት ሕማቕ ፍረ ከም ዘርሕቑ ኰይኖም ኢዮም። (መዝሙር 32:10) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነቶም ሕግታቱ ዝሕልዉ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝረኽቡ ካብ ምምብጻዕ ንላዕሊ ኢዩ ዝገብር። የሱስ እቶም ናይ ክርስትና መገዲ ዝስዕቡ “ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ውሉድ: ግርሁ: ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት: ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክረኽቡ ኢዮም በለ።​—⁠ማርቆስ 10:​29, 30

ኣብ ዓለማዊ ጥበብ ምውካል ኣርሕቕ

3. ክርስትያናት ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ምውካል እናቐጸሉ ኸለዉ: ሓድሓደ ግዜ ምስ እንታይ ግድላት ኢዮም ዝጋጠሙ፧

3 ንዘይፍጹማት ሰባት ግድል ዝዀኖም ነቲ ኣምላኽ ዝሓቶ ናብ ምንኣስ ወይ ምርሳዕ ስለ ዝዘዝዉ ኢዩ። ብቐሊሉ ዝበለጸ ከም ዝፈልጡ ወይ ካብቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ምሁራት ሰባት ዝመጽእ ጥበብ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ከም ዝልዕል: ዝያዳ ዘመናዊ ከም ዝዀነ ክሓስቡ ይጅምሩ። ኣብ ማእከል እዛ ዓለም እዚኣ ይነብሩ ብምህላዎም: ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳሳባ ከማዕብሉ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ: ሰማያዊ ኣቦና ምኽሩ ንኽንሰምዕ እቲ ፍቕራዊ ዕድመ ክዝርግሓልና ኸሎ: ግቡእ መጠንቀቕታታት እውን ይሕውሰሉ ኢዩ:- “ወደየ: ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውስኸልካ እዩ እሞ: ንሕገይ ኣይትረስዓዮ: ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል: ንእግዚኣብሄር ፍራህ: ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ።”​—⁠ምሳሌ 3:​1, 2, 5-7

4. “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕሽነት” ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ናይዛ ዓለም እዚኣ ጥበብ ብብዝሕን ካብ ብዙሕ ምንጭታትን ክርከብ ዝኽእል ኢዩ። ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ትካላት ኣሎ: ከምኡውን “መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን።” (መክብብ 12:12) ሎሚ እቲ ናይ ኮምፒዩተር ዓለም ዝለዓለ ናይ ሓበሬታ መገዲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ከም ዝህብ ይመባጻዕ። ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ፍልጠት ምህላው ንዓለም ዝለበመት ወይ ድማ ግድላ ከም እትፈትሕ ኣይገብራን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ናይ ዓለም ኵነታት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ይገድድ ኢዩ ዘሎ። ርዱእ ብዝዀነ መገዲ: መጽሓፍ ቅዱስ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ” ብምባል ይነግረና።​—⁠1 ቈረንቶስ 3:​19, 20

5. መጽሓፍ ቅዱስ ን“ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝምልከት እንታይ መጠንቀቕታታት ኢዩ ዝህብ፧

5 ኣብዚ መወዳእታ እዋን ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት: ሰይጣን ድያብሎስ: እቲ ዓቢ መታለሊ: ኣብ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምትእምማን ንምቍጽጻር: ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ናይ ሓሶት መደረጋሕ ክፍኑ ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር ኢዩ። ንመንፈሳዊ ነገራት ብዝለዓለ መገዲ ዝነቕፉ ሰባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ርግጸኝነትን ሓቅነትን ዝብድህ ብዙሕ ናይ ግምት መጽሓፍቲ ጽሒፎም ኢዮም። ጳውሎስ ነቲ ክርስትያን ብጻዩ “ኣታ ጢሞቴዎስ: ካብቲ: ገሊኦም ተአሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ: ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሓቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ” ብምባል ኣጠንቂቕዎ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:​20, 21) መጽሓፍ ቅዱስ ወሲኹ “ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ: ብልማድ ሰብ: ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ: ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ: ተጠንቀቑ” ብምባል የጠንቅቕ።​—⁠ቈሎሴ 2:⁠8

ነቲ ናይ ምጥርጣር ዝንባለ ተቓለሶ

6. ምጥርጣራት ኣብ ልቢ ሱር ምእንቲ ከይሰድድ ንምክልኻል ትኩር ምዃን ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ናይ ድያብሎስ ካልእ እኩይ ሜላ ድማ ኣብ ኣእምሮ ምጥርጣራት ምዝራእ ኢዩ። ኣብ እምነት ገለ ድኻም ንምርኣይን ንምምዝማዙን ካብ ቅድም ብዝበለጸ ትኩር ኢዩ። ምጥርጣራት ዝስምዖ ዝዀነ ሰብ እቲ ብድሕሪ እዚ ምጥርጣራት እዚ ዘሎ ኣካል እቲ ንሄዋን “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ዝበላ ምዃኑ ክዝክር ኣለዎ። እቲ ፈታኒ ሓንሳብ ኣብ ኣእምሮኣ ምጥርጣር ምስ ተኸለላ: እቲ ዝቕጽል ስጕምቲ: እቲ ደሓር ዝኣመነቶ ሓሶት ምንጋራ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:​1, 4, 5) ከምቲ ሄዋን ዝዀነቶ: ብምጥርጣር እምነትና ንኸየነጥፍእ ትኩራት ክንከውን የድልየና። ብዛዕባ የሆዋ: ቃሉ: ወይ ማሕበሩ ኣብ ልብኻ ንእሽቶ ምጥርጣር ፈኸም ክብል እንተድኣ ጀሚሩ: ናብ ሓደ ንእምነትካ ከጥፍእ ዝኽእል ነገር ቅድሚ ምዕባዩ ንኸተርሕቖ ቕልጡፍ ስጕምቲ ውሰድ።​—⁠ምስ 1 ቈረንቶስ 10:12 ኣረኣእዮ።

7. ጥርጣራት ምሒኻ ንምጥፋእ እንታይ ክግበር ይከኣል፧

7 እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ሕጂ እውን እቲ መልሲ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ምውካል ኢዩ። “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪወሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ: ከይተጠራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።” (ያእቆብ 1:​5, 6፣ 2 ጴጥሮስ 3:​17, 18) ስለዚ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ምቕራብ እቲ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ። (መዝሙር 62:⁠8) ድሕርዚ: ካብቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ፈቃራት ተዓዘብቲ ሓገዝ ንምሕታት ኣይትወላወል። (ግብሪ ሃዋርያት 20:​28፣ ያእቆብ 5:​14, 15፣ ይሁዳ 22) ነቲ ብሰንኪ ትዕቢት ወይ ገለ ጌጋ ኣተሓሳስባ ክመጽእ ዝኽእል ናይ ምጥርጣራትካ ምንጪ ንኸተለልዮ ክሕግዙኻ ኢዮም።

8. ናይ ክሕደት ኣተሓሳስባ መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ኢዩ ዝጅምር: እቲ ፈውሲኸ እንታይ ኢዩ፧

8 ነቲ ናይ ከሓድቲ ሓሳባት ወይ ዓለማዊ ፍልስፍናታት ምንባብ ወይ ምስማዕ: መርዛም ዝዀነ ምጥርጣራት ኣተኣታትዩ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ከምዚ ኢሉ ይመክር:- “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር። ነቲ ፍረ ዜብሉ: ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ: እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 2:​15-17) ኣደዳ ዕልወት ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት መጀመርታ ኣብ ማሕበር የሆዋ ብኸመይ ከም ዝርኣዩ ብምጕርምራም: በቲ ጌጋ ዝዀነ ኣንፈት ምጅማሮም ዘገርም ኢዩ። (ይሁዳ 16) ኣብቲ እምነታት ጕድለት ምርካብ ጸኒሑ ዝመጽእ ኢዩ። ከምቲ ሓደ ሓኪም ንመንሽሮ ቈሪጹ ንኸውጽኣ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ዝወስድ: ካብ ኣእምሮኻ ናይ ምጕርምራም ዝንባለ: በቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነገራት ዝካየደሎም ኣገባብ ናይ ዘይምዕጋብ ኣተሓሳስባ ካብ ኣእምሮኻ ንምሕካኽ ቐልጢፍካ ስጕምቲ ውሰድ። (ቈሎሴ 3:​13, 14) ነዞም ምጥርጣራት እዚኣቶም ዘዕቢ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣርሕቆ።​—⁠ማርቆስ 9:⁠43

9. ጽቡቐ ዝዀነ ልሙድ ቲኦክራቲካዊ ዕዮታት: ብእምነት ጥዑያት ንኽንከውን ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

9 ናብ የሆዋን ናብ ማሕበሩን ኣጸቢቕካ ልገብ። እሙን ኴንካ ነቲ ብቘራጽነት “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” ዝበለ ጴጥሮስ ምሰሎ። (ዮሃንስ 6:​52, 60, 66-68) ከም ሓደ ‘ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኣሉ’ እትኽእል ዓቢ ዋልታ ኰይኑ ንእምነትካ ብርትዕቲ ገይሩ ንኽሕልዋ: ቃል የሆዋ እተጽንዓሉ ጽቡቕ መደብ ይሃሉኻ። (ኤፌሶን 6:16) ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ንኻልኦት ብፍቕሪ ብምክፋል: ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንጡፍ ኩን። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝባረኸካ ሞሳ ብዘለዎ መገዲ ኣስተንትን። ፍልጠት ሓቂ ስለ ዘሎካ ኣመስጋኒ ኹን። ኣብቲ ጽቡቕ ዝዀነ ልሙድ ክርስትያናዊ ዕዮታት ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ምግባር: ንኽትሕጐስ: ንኽትጽመም: ካብ ምጥርጣራት ድማ ናጻ ንኽትከውን ክሕግዘካ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 40:4፣ ፊልጲ 3:​15, 16፣ እብራውያን 6:​10-12

ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መምርሒ ምስዓብ

10. ኣብ ክርስትያናዊ መርዓታት የሆዋ መምርሒ ክህበካ ክትሓትት ብፍላይ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ንሰብኣይን ሰበይትን ከም ምርዑዋት ጽምዲ ኰይኖም ብሓንሳብ ክነብሩ ኢሉ ክሰርዕ ከሎ: የሆዋ ብዝምችእ መገዲ ንምድሪ ክመልእዋ ጥራይ ዘይኰነስ: ሓጐሶም ንምዕባይ እውን ኢዩ ዓሊሙ ነይሩ። ይኹን እምበር: ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ናብቲ ናይ መርዓ ርክብ ከቢድ ግድላት ኣምጺኡ ኢዩ። ክርስትያናት እውን ዘይፍጹማት ብምዃኖምን ናይዚ ዘመናዊ ናብራ ጸቕጥታት ድማ የሕልፉ ብምህላዎምን: ካብዚ ናጻ ኣይኰኑን። እንተዀነ ግን: ክርስትያናት: ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ክሳዕ እተወከሉ ኣብ ሓዳርን ቈልዑ ኣብ ምዕባይን ጽቡቕ ዓወት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ክርስትያናዊ ሓዳር ንዓለማዊ ተግባራትን ጠባያትን ዝኸውን ቦታ የሎን። ቃል ኣምላኽ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ብምባል ይምዕደና።​—⁠እብራውያን 13:⁠4

11. ናይ ሓዳር ግድላት ክፈትሑ ኸለዉ: ክልቲኦም ናይ መርዓ ብጾት ክፈልጥዎ ዘለዎም እንታይ ኢዩ፧

11 ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ እተፈጸመ መርዓ ናይ ፍቕሪ: ዕግበት: ከምኡውን ናይ ዕቝባ ሃዋህው ኢዩ ዘለዎ። ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይን ነቲ ናይ ርእስነት መምርሒ ይርድእዎን የኽብርዎን ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ: ጸገማት ዝለዓል ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ሸለል ብምባሎም ኢዩ። ነዊሕ ዝወሰደ ግድል ክፈትሑ ኸለዉ: ክልቲኦም ናይ መርዓ ብጾት እቲ ግድል ብሓቂ እንታይ ከም ዝዀነ ኣብ ምፍላጥ ከተኵሩ ጠቓሚ ኢዩ: ከምኡውን ኣብ ክንዲ ነቲ ምልክታት ነቲ ጠንቅታት ከልግሱ ክዓይሉ ኣለዎም። ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ዝርርብ ናብ ሒደት ምስምማዕ ወይ ናብ ዘይምስምማዕ እንተድኣ ኣምሪሑ: እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ዘየዳሉ ሓገዝ ክህቦም ንሓደ ፈቃር ሽማግለ ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም።

12. (ሀ) ንኸመይ ዝበለ ልሙድ ናይ ሓዳር ግድላት ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ዝህብ፧ (ለ) ብወገን ክልቲኦም ናይ መርዓ ብጾት ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ክገብርዎ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እቲ ግድል ንምርድዳእ: ናይ ሓድሕድ ስምዒታት ምክብባር: ንርእስነት ምኽባር: ወይ ውሳነታት ብኸመይ ከም ዝግበር ዘጠቓልል ድዩ፧ ንምዕባይ ቈልዑ: ወይ ነቲ ናይ ጾታዊ ርክብ ሚዛን ምሕላው ዝምልከት ድዩ፧ ወይስ ናይ ስድራቤት ሚዛን ገንዘብ: ምዝንጋዕ: ሕብረት: እታ ሰበይቲ ስራሕ ክትቍጸር ኣለዋዶ ወይስ የብላን: ወይ ኣበይ ከም እትነብሩ ዝብል ኢዩ፧ እቲ ግድል እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ብሕግታት ወይ ብተዘዋዋሪ መገዲ ብመምርሒታት ገይሩ ተግባራዊ ምኽሪ ይህብ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:​4, 5, 9፣ 1 ቈረንቶስ 7:​1-40፣ ኤፌሶን 5:​21-23, 28-33፣ 6:​1-4፣ ቈሎሴ 3:​18-21፣ ቲቶስ 2:​4, 5፣ 1 ጴጥሮስ 3:​1-7) ክልቲኦም ናይ መርዓ ብጾት: ስሱዕ ሕቶታት ካብ ምቕራብ ምስ ዝቝጠቡን ኣብ ሓዳሮም ድማ ናይ ፍቕሪ ምሉእ መግለጺታታ ምስ ዝህሉን: ዓቢ ሓጐስ ይርከብ ኢዩ። ኣድላዪ ለውጥታት ንምግባር: ንነገራት ድማ ብመገዲ የሆዋ ንምግባር: ብወገን ክልቲኦም ናይ መርዓ ብጾት ሓደ ዓብላሊ ባህጊ ክህሉ ኣለዎ። “ነቲ ቓል ዜቕልበሉ ሰናይ ይረክብ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 16:⁠20

መንእሰያት​—⁠ንቓል ኣምላኽ ስምዕዎ

13. ክርስትያን መንእሰያት ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ብርቱዕ እምነት ሒዞም ክዓብዩ ቀሊል ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

13 እዛ እክይቲ ዓለም ብዅሉ ኸቢባቶም ከላ ክርስትያን መንእሰያት ኣብ እምነት ድልዱላት ክዀኑ ቐሊል ኣይኰነን። ሓደ ምኽንያት ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ:’ ሰይጣን ድያብሎስ: “ተትሒዛ” ስለ ዘላ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) መንእሰያት በዚ ንሕማቕ ጽቡቕ ከም ዝመስል ክገብር ዝኽእል እኩይ ጸላኢ መጥቃዕቲ ይወርዶም ኢዩ። ቅድም ንዓይ ዝብል ኣረኣእያታት: ስሱዕ ህርፋን: ነቲ ርኹስን ጨካንን ዝዀነ ነገራት ምምናይ: ከምኡውን ደድሕሪ ባህታ ብዘይ ቅጥዒ ምስዓብ​—⁠ኵሉ እዚ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ “ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዝገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር [“መንፈስ:” ትሓዓ ]” ተገሊጹ ዘሎ: ሓደ ናይ ሓባር: ዓብላሊ ናይ ኣተሓሳስባ ቅዲ ኣለዎ። (ኤፌሶን 2:​1-3) ሰይጣን ነዚ “መንፈስ” እዚ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መጻሕፍቲ: ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ክርከብ ዝኽእል ሙዚቃ: ኣብ ስፖርት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ዓይነት መዘናግዒታት ብጕርሒ ኣእትይዎ ኢዩ። ወለዲ ንደቆም ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ብምውካል ክዓብዩ ብምሕጋዝ ንኸምዚ ዝበለ ጽልዋታት ከሎ ጌና ንኽምሕውዎ ትኩራት ምዃን የድልዮም ኢዩ።

14. መንእሰያት ‘ካብ ትምኒት ጕብዝና ክሃድሙ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

14 ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ መተዓይይቱ ጢሞቴዎስ ከምዚ ዝብል ኣባታዊ ምኽሪ ሃቦ:- “ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም: ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣስኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዐብ።” (2 ጢሞቴዎስ 2:22) ኵሉ “ትምኒት ጕብዝና” ሕማቕ እኳ እንተ ዘይኰነ: መንእሰያት ካብኡ ‘ክሃድሙ’ ኣለዎም ምኽንያቱ እዞም ነገራት እዚኣቶም ንኣምላኻዊ ዕዮታት ዝኸውን ግዜ ከም ዝስእኑ ብምግባር ክሕዝዎም ከፍቅድሎም የብሎምን። ምህናጽ ኣካላት: ስፖርት: ሙዚቃ: መዘናግዒ: ፍሉይ ዝንባለታት: ከምኡውን ጕዕዞ ግድን ጌጋ እኳ እንተዘይኰኑ: ኣብ ህይወት ዓቢ ቦታ ዝወሃቦም እንተድኣ ኰይኑ: መፈንጠራ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ካብ ትርጕም ዘይብሉ ዕላላት: ወዘኽዘኽ ካብ ምባል: ኣብ ጾታዊ ርክብ ዘይጥዑይ ተገዳስነት ካብ ምግባር: ብዘይ ስራሕ ኮፍ ካብ ምባልን ካብ ምስልካይን: ከምኡውን ወለደይ ኣይተረድኡንን ኢልካ ካብ ምጕርምራም ምሉእ ብምሉእ ህደም።

15. ንሓደ መንእሰይ ድርብ ናብራ ንኽህልዎ ኣበርክቶ ዝገብሩ: ኣብ ናይ ገዛ ብሕቱነት እንታይ ነገራት ከጋጥሙ ይኽእሉ፧

15 ንመንእሰያት ኣብቲ ናይ ገዛ ብሕቱነት እውን ከይተረፈ ሓደጋ ኽቃጸዎም ይኽእል ኢዩ። ርኽሰት ወይ ዓመጽ ዘንጸባርቕ ናይ ቲቪ ትርኢታትን ቪድዮን ዝርአ እንተድኣ ኰይኑ: ሕማቕ ነገራት ናይ ምግባር ባህጊ ክትከል ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 1:​14, 15) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ: እከይ ጽልኡ” ብምባል ይመኽረና። (መዝሙር 97:10፣ 115:11) ሓደ ሰብ ክልተ ገጽ ዘለዎ ናብራ ክነብር ይፍትን እንተድኣ ኣሎ የሆዋ ይፈልጦ ኢዩ። (ምሳሌ 15:⁠3) ክርስትያን መንእሰያት: ኣብ ውሽጢ ክፍልኹም ርኣዩ። ኣብቲ ናይ መንደቕ ስእልታት ናይ ስፖርት ወይ ናይ ርኹሳት ዝዀኑ ውሩያት ደረፍቲዶ ወይስ ጽቡቕ መዘኻኸሪታት ዝዀኑ ጥዑያት ነገራት ኢኹም እትሰቕሉ፧ (መዝሙር 101:⁠3) ኣብ መቐመጥ ክዳውንትኹም ግቡእ ዝዀነ ክዳውንቲ ድዩ ዘሎኩም: ወይስ ገለ ካብ ክዳውንትኹም ናይዛ ዓለም እዚኣ ቅጥዒ ዘይብሉ ናይ ኣከዳድና ቅድታት ዘንጸባርቕ ኢዩ፧ ነቲ ሕማቕ ዝዀነ ንምቕዳሕ ንፈተና ኢድኩም እንተድአ ሂብኩም ጕርሒ ብዘለዎ መገድታት ገይሩ ሰይጣን ከፈንጥረኩም ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ብምባል ይመክር።​—⁠1 ጴጥሮስ 5:⁠8

16. ሓደ መንእሰይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝዀርዓሉ ንክኸውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ብኸመይ ክሕግዞ ምኸኣለ፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምስ ካልኦት እትገብሮ ሕብረት ክትዕዘቦ ይነግረካ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ኣዕሩኽካ እቶም ንየሆዋ ዝፈርሁ ክዀኑ ኣለዎም። ነቲ ናይ መሳቱ ጸቕጢ ኢድካ ኣይትሃብ። (መዝሙር 56:11፣ ምሳሌ 29:25) ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለድኻ ተኣዘዞም። (ምሳሌ 6:​20-22፣ ኤፌሶን 6:​1-3) መምርሕን ምትብባዕን ንምርካብ ንሽማግለታት ሕተት። (ኢሳይያስ 32:​1, 2) ኣእምሮኻን ኣዒንትኻን ኣብ መንፈሳዊ ረብሓታትን ሸቶታትን ኣቃንዓዮም። መንፈሳዊ ምዕባለ እትገብረሉን ኣብቲ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ድማ እትካፈለሉን ኣጋጣሚታት ድለ። በእዳውካ ነገራት ብኸመይ ከም ዝስርሑ ተማሃር። ብእምነት ብርቱዕን ጥዑይን ኵን: ድሕርዚ ኸኣ: ብሓቂ ዓቢ ሰብ​—⁠ኣብታ ናይ የሆዋ ሓዳስ ዓለም ክነብር ዝግብኦ ዓቢ ሰብ​—⁠ምዃንካ ከተረጋግጽ ኢኻ! ሰማያዊ ኣቦና ብኣኻ ክዀርዕ ኢዩ: ምድራውያን ወለድኻ ብኣኻ ክሕጐሱ ኢዮም: ከምኡውን ክርስትያን ኣሕዋትካ ኣሓትካን ብኣኻ ክተባባዑ ኢዮም። እዚ ኣገዳሲ ኢዩ!​—⁠ምሳሌ 4:​1, 2, 7, 8

17. ነቶም ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ዝውከሉ እንታይ ጥቕምታት ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

17 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ናይ ግጥሚ መልክዕ ብዘለዎ ሓረግ “ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ። ዎ ጐይታ ሰራዊት: ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ” ብምባል ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ። (መዝሙር 84:​11, 12) እወ: ንዅሎም እቶም ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ዝውከሉ: ጓህን ፍሽለትን ዘይኰነስ ሓጐስን ዓወትን ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:​14, 16, 17

ብኸመይ ምመለስካ፧

◻ ክርስትያናት ኣብ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ትውክልቶም ከንብሩ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧

◻ ሓደ ሰብ ምጥርጣራት ዘለዎ እንተድኣ ኰይኑ እንታይ ኢዩ ክገብር ዘለዎ፧

◻ ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ምግባር ኣብ ሓዳር ዓወትን ሓጐስን ዘምጽእ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት ‘ካብ ትምኒት ጕብዝና ክሃድሙ’ ዝሕግዞም ብኸመይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ” ዕሽነት ከም ዝዀነ ገይሮም ብምንጻግ ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ይውከሉ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ዝውከላ ስድራቤታት ምሉእ ዓወትን ሓጐስን ኣለወን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ